እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 66 guests and no members online

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኣብ ድሮ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ፖለቲካዊ ሰሚናር የካይድ ኣሎ።

ሬሳ ናይ ክልተ ኣባላት ስለያ ህግደፍ ኣብ ከባቢ ኣዲባራ ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከቡ ምሩኻት ኲናት ቆላሕታ ክገብር ጻውዒት ቀሪቡ።

 

ውድባዊ ሰሚናር ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ኣብ ኣረኣእያን ተግባርን ዝተሰረተ ዘላቒ ሓድነት ንምርግጋጽ ንቃለስ! ሓደን ዝሰመረን ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ግንባር ክረጋገጽ ንቃለስ! ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይደልድል! ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ንረባረብ! ብዝብሉን ካልኦት እዋናውያን ጭርሖታትን ብ16 መስከረም 2017 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ብዝኽሪ ሰማእታት ተኸፊቱ ብልዙብ ኣገባብ ይካይድ ኣሎ።

ውድባዊ ሰሚናር ደግሓኤ ንሕጂ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን፡ ብስትራተጂ ደረጃ ክተሓዝ ዘለዎ ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈትን መሰረት ኣብ ዝገበሩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣብ ዝኸፈቶ መድረኽ ከመያየጥ ውዒሉ፡ ብ17 መስከረም 2017 ድማ ክቕጽል ምዃኑ ወኪል ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ቦታ ሰሚናር ሓቢሩ።Loading...You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

 

ሬሳ ናይ ክልተ ኣባላት ስለያ ህግደፍ ኣብ ከባቢ ኣዲባራ ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ።

ሌ/ኮነረል ጸጋዛኣብ ባርያ ጋብር ኣምለሶም (ኩሑል) ን ተለንተ ሰመረ ጉዑሽ ኣፈወርቂ ዝተባህሉ ኣባላት ስለያ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ሰባት መቕተሊኦም ምኽንያትን ቀታሊኦምን ዛጊት ብልክዕ ብዘይተፈልጠ ብጠያይቲ ዝተበሳሰዐ ሬሳኦም ብ3 መስከረም 2017 ኣብ ከባቢ ኣዲባራ ተደርቢዩ ከም ዝተረኽበ እሪ መድረኽ ብ13 መስከረም 2017 ሓቢራ።

ቅድሚ ሰሙን ምስኦም ዝነበረ ዶክዩመንት ሒዞም ተሰዊሮም ስለዘለዉ ተኸታተሉ ዝብል ሴርኩላር ካብ ምክልኻል ናብ ኩለን ኣሃዱታት ስለያ ተመሓላሊፉ ምንባሩ፡ ብ 7 መስከረም 2017 ስድራ-ቤት እዞም ግዳያት  ካብ ማይድማን ዓዲ ያቆብን ተወሲዶም ኣብ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ተሓይሮም ምህላዎም፣ ምኽንያት መእሰሪኦም ሰነዳት ሓቢእኩም ኣለኹም ዝብል ምዃኑን ገሊጻ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከቡ ምሩኻት ኲናት ቆላሕታ ክገብር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣመት ናይ’ቶም ካብ ሰነ 2008 ኣትሒዞም ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ክገብር ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ኤርትራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ብ13 መስከረም 2017 ናብ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናይ ጻውዒት ደብዳቤ ከም ዝለኣኸ ረዲዮ ኤረና ብ14 መስከረም 2017 ኣቃሊሓ።

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ኣብ መላኽቱ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ነዞም ምሩኻት ኲናት ንሸሞንተ ዓመት ካብ ዝጸንሕሉ ነገድ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መወዳእታ   ናይ 2016 ብምሕረት ፈቲሑ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል’ኳ ኣረኪብዎም እንተነበረ፡ መሊሱ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሳብ ዝወጽኡ ብዝብል ምስምስ ናብ’ቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ወሲዱ ዳጒንዎም ምህላውን ኣረጋጊጹ።

ብካልእ ዜና ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መዕሸጊ ብላስቲክ ብግቡእ ዘይተታሕዘ ጸባ ይሸይጥ ከም ዘሎ፡ ብሰበቡ ድማ ብፍላይ ህጻናት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይጥቅዑ ምህላዎምን ረዲዮ ኤረና ወሲኻ ጸብጺባ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 16-09-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel