እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 71 guests and no members online

ምኽፋት መዓስከር ወጻእተኛታትን ምጭርራም መሬትን  ንሕቶ ልኡላውነት ብቐጥታ ይጥሕስን የዳኽምን።

መሬት ኤርትራ ንመዓስከር ሓይልታት ወጻኢ ጋሻ ኣይኮነትን። ቅድሚ መግዛእቲ ጣሊያን ቱርክን ግብጽን ኣብ ኤርትራ መደበራት ከም ዝነበረት ታሪኽ የዘንቱ። ነገራዊ ቅርስታት’ውን ይምስክር’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬታዊ ግዝኣት ኤርትራ ናይ ቱርኪ ዑናታትን ቅርስታት ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይ ግብጺ ዑናታትን ቅርሲታትን ኣሎ። ኣብ ምጽዋዕ፣ ማይ ጆግሮ፡ ጉራዕ ..ወዘተ። መብዛሕቲኡ ኤርትራዊ ግን ንመግዛእቲ

ጣልያንን ፋሽሽታዊ ተግባሩን’ዩ ከም መወከሲ ዝጥቀመሉ።

ምኽንያት መግዛእቲ ጣልያን ንኤርትራዊ ሃገርነት ዝፈጠረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ኤርትራ፡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ነቑጣታት ከምኡ’ውን ብፎርቶ ዝፍለጡ ዕርድታት ነይረሞ’ዮም።   ፎርቶ ዶጋሊ፣ ፎርቶ ሰዓጢ፣ ፎርቶ ባልዲሰራ፣ ፍርቶ ገገው፣ ፈርቶ ማይ ዕዳጋ፣ ፈርቶ ካዶርኖን ካልእን። ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ከባቢ ግራር ክዕስክርን መደበር ከቕውምን እንከሎ፡ መደበር ረዲዮ መሪናዮ ( ኣስመራ) ከም ሓፈሻዊ እዝን መራኸቢታትን ከገልግል እንከሎ፡ ጉራዕን ማይ ዕዳጋን ( ከባቢ ደቀም-ሓረ) ከኣ ዘይነሓቑ መደበራት ሓይሊ ኣየር ግዝኣት ሮማ ምንባሮም ይፍለጥ። ድሕሪ ስዕረት መግዛእቲ ጣልያን እንግሊዝ፡ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ኣትዮም። ኣብ ምጽዋዕ ንኣብነት ብዘይካ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሓደ ብ “ቲ.ዩ.ሲ” ዝፍለጥ ደጋፊ ማእከል ብኣመሪካውያን ቆይሙ። ከምኡ’ውን መደበራት ረዲዮ መሪናዮ ( ገጀረት)፣ ቃኘው ስቴሽን ( ጸጸራት) ኣስመራ፣ መደበር ሓይሊ ኣየር ማይ ዕዳጋ ( ከባቢ ደቀም-ሓረ) ተደኲኑ። ገሊኡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ሃይለስላሰን ምምጻእ ስርዓት ደርግን ከም መዋፈሪ ይጥቀምሉ ነይሮም።

ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡ ከኣ፡ ካብ ዓመተ 1991 ጀሚሩ ንኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ መሰረት ገይሩ ምስ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ክዛመደሉ ሕሹኽሹኽ ክብል ጀሚሩ። ብግዜ ኣንጻር ከኣ ከተግብሮ ኣይደንጎየን። ምኽንያቱ ኣብ ህዝቡን ፖለቲካዊ መርገጽን ስለዘይተኣማመን ድሕነት ቀጻልነት ስልጣኑ፡ ካብ ደገፍ ናይ ደገ ጎይተቱ ወጻኢ ውሕስነት ከም ዘይብሉ ስለዝርዳእ ብዋጋ ልኡላዊ ግዝኣትና ዲፕሎማሲ ዝተስምየ ጉልቡብ ዕሱብነት ጀመረ። ካብ’ቲ ዝተጠቕሰ ቀስተ ግዜ ጀሚሩ ብመሬታዊ ልኡላውነትና ክዋገ እንከሎ ብወግዒ ኣይኮነን። ብምስጢር’ዩ። ብዝኾነ፡ ኤርትራ ንዓና ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተደኲና እትርከብ ሕሉብናን ንጹፍናን እንኮ ሃገርና’ያ። ብዓይኒ ኣህጉራውያን ትካላት መጽናዕቲ ፖለቲኮ-ስትራተጂ ኮነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ተነሓናሕቲ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ግን፡ ኤርትራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እውን’ያ።

ንተዓዘብ፡ ስርዓት ደርግ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ጠቕሊሉ ካብ መሬት ኤርትራ ወጺኡ ዝነበረ ወተሃደራውን ስለያውን ትካላት ኣመሪካ፡ እንደገና ኣብ ከባቢ 1994 ናብ ኤርትራ ቅል ቅል ውጥም ይጅመር። ከምኡ’ውን ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል። እቲ ኣቐዲሙ ኤርትራ ዝኣተወ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ናይ ሃንደሳ ኣሃዱ’ዩ ነይሩ፡፡ ንሰራዊት ህግደፍ ድማ ስልጠና ክህብ ጀመረ። ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ንሓይልታት ምድርን ኣየርን ኣመሪካ ከተኣናግድ ዝኽእል መደበራት ኣብ ኣስመራን ከባቢ ደቀም-ሓረን   ንክወሃቦ ሕቶ ከምዘቕረበ’ውን ኣብ እዋኑ ይዛርብ ነይሩ’ዩ። እዘን ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ዝተሓተተለን ቦታታት፡ ብዓይኒ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀረባ’የን። ነዚ ዝተዓዘባ ሃገራት ዓረብ ከኣ ስኽፍታአን ከስመዓ ጀሚረን ነይረን። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸበን። ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ግብጻዊ ቡጥሮስ ቡጥሮስ ቃሊ ኣቢሉ ዓገብ ኢሉ ነይሩ። ዕሱብ ኢስያስ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ክሪኦ ኣይደለየን። ሃገራት ዓረብ ከኣ ከም መግለጺ ቅሬታአን ኣብ እዋን ኲናት ሓኒሽ ዝቑር፡ ኣብ ጎኒ ስርዓት የመን ተሰሊፈን።

ኮይኑ ግን እንታይ ዓይነት ዕንቅፋት ከምዘጋጠመ ንቕድሚት ክብጻሕ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣሃዱታት ሃንደሳ ኣመሪካ ኤርትራ ለቒቖም ይወጽኡ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ካብ ብርጌድ ዘይውሕድ ብማሪን ዝፍለጥ ሓይሊ ሰራዊት ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኤርትራን ጎላጉል ሰሜን ደንከሊያን ዓስኪሩ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ልምምድ የካየድ ነይሩ።

ኣብ’ቲ መድረኽ’ቲ ካልእ ወረ ይናፈስ። ኢራን ምስ መንግስቲ ህግደፍ ትጫኖ ከም ዘላ። ቅድሚኡ ግን ኢሳያስ ብወግዓውን ዘይወግዓውን ኣገባብ ናብ ጣህራን ይበጽሕ ነይሩ’ዩ። ስለዚ ከኣ፡ ዝምድና ኣብ መንጎ ለኣኺትን ዓሳቢትን ኢራንን ተለኣኽን ዕሱብን ስርዓት ኢሳያስን ታተ ክብል ጀመረ። ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ግን ብህይወቱን ብግዝኣቱን እንታይ ስምምዓት ይግበር ኣሎ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይነበሮን።ቀስ ብቐስ ግን ብዓለማዊ ሽፋንን ጽልዋን ብዘለወን መራኸቢ ብዙሓን፡ ኢራን ብገንዘብ ንኢሳያስ ከምተንቀሳቕሶ፡ ንሱ ድማ ዋጋ ዓስቡ እናተቐበለ ተልእኾ ኢራን ይፍጽም ምህላው ይጋዋሕ። ካብ ኢራን ተቐቢሉ ናብ ውድባት ፍልስጤም ዕጥቅን ስንቅን የሰጋግር። ናብ ምንቅስቓስ ሑቲ ናይ የመን ዕጥቅን ስንቅን የመላልስ፡ ክሳብ’ውን ናብ ኤርትራ ኣምጺኡ የሰልጥን ኣሎ ዝብል ብምስልታት ዝተደገፈ ዜናዊ ሓበሬታ ይውሕዝ።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለወ ከኣ ወግእ ሕድሕድ የመን ይጎሃሃር። ናይ ደገ ኢድ ምትእትታው ድማ ብወግዒ ይጅመር። ወትሩ ኣብ ዝዓመረ ዕግርግር ዝነብር ጉጅለ ኢሳያስ ድማ ምርጫ ይወስድ። ናይ ዕሱብነት ምርጫ’ዩ። ናብ’ቲ ብንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ዝምራሕ ኪዳን ድማ ይውግን። ንሃገረ ኢራን ከም’ቲ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ተዓሲቡ ዘገልግላ ዝነበረ፡ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ከኣ ጠንጠና። ኢሳያስ ናይ ዕሱብነት ምርጫ ወሲዱ፡ ካብ ኢራን ናብ ስዑዲ ምውጋኑ ግን፡ ከም ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነ መሬታዊ ግዝኣት ኤርትራ’ውን ተደፊሩ ኣብ ጨረታ ኣተወ። ዘይሕጋውን ዘሓላፍነታውን ስለ ዝኾነ ብደረጃ ሃገርን ዞባን እንታይ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል ከይዓጠጦ፡ ክንደይ ሚሊዮን ዶላር ካብ ተለኣኣኽነት፡ ክንደይ ሚሊዮን ዶላር ከኣ ካብ መሸጣ መሬት ኤርትራ ይረክብ እናወራረደ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንስዑዲያን መሻርኽታን ኣብ ቃሕ ዝበለን ስትራተጂካዊ ቦታ ብገንዘብ ተጫሪተን ክሕዛን መደበራት ክኸፍታን ኣፍቀደ። ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ዞባዊ ርእሰ ሓይል ንምዃን ኣብ መንጎ ኢራን ስዑዲያን ስዓብታን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ቀጠር ስዑዲያን ዝጀመረን ዝቕጽል ዘሎ ደማውን ዲፕሎማስያውን ንሕንሕ ተሃሰይቲ ብቐጥታ ህዝብታት የመንን ቀጠርን’ዮም። ብተዘዋዋሪ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ። እዞም ህዝብታት በቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘጋጥሞም ዘሎ መውጋእቲ ሞት ምዝንባልን ተነጽሎን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህግደፍ ዝጠንቁ ኣብ ታሪኻዊ ዝምድናኦም ዝፍጠር ዘሎ ኣሉታዊ በሰላ’ውን ኣዝዩ ከቢድን ኣሰካፍን’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብተዘዋዋሪ ግዳይ ኮይኑ ምህላው ብዙሕ ጭቡጥ ኣብነታት ምቕራብ ይከኣል። ሓደ ካብኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ዝበጽሕ ዘሎ በደል’ዩ። ህዝቢ ዓፈር መሬቱ ተሓዲጉ ከይኣኽሎ፡ ብነፈርቲ ኲናት ኢማራት ዓረብ ተደምዲቡ። ሰባት ቆሲሎም መይቶም። ኣብ’ዚ ዕሱብ ኢሳያስን ስርዓቱን ዋላ ሓንቲ ቃል’ኳ ኣይተንፈሱን። እዚ ዕሱብነትን ግዝኣት ናይ ምሻጥን ተርእዮን ሃንደበት ዝመጸ ዘይምኻኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 26 ዓመት ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ኣዝዩ ዘሕዝን ግፍዕታት፡ ምስ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም ህዝቢ ዝተቓለስናሉን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉን ብምንጽጻር ክምዘን እንከሎ፡ እታ ሃገር ንብረት ሓደ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይና ምህላዋ’ዩ። ኣብ’ዚ እንኸሶ ናይ ወጻኢ ሓይሊ የለን። መጀመርያ ስንፍና ከም ህዝቢ ናትና’ዩ። ስለምንታይ ንዘይእመን ኣሚና ብምዝንጋዕና። ብካልኣይ እቲ እምነት ዝጠለመ ጉጅለ ቀንድን ቀዳመይን ጸላኢና ምዃኑ ብንቕሓት ምርዳእ ኣድላዪ’ዩ። ስለዚ ኣብ ኣህጉራዊ ጂኦግራፊካዊ ካርታ ቦታ ምርካብ ጥራሕ ከም ህዝቢ ሓራን ልኡላውን ከምዘይገብር ብተግባር ተገንዝቢና ክንከውን ተስፋ እገብር። ኣብ ጉዳይና ባዕልና ወሰንቲ ንኾነሉ ሰርዓተ ምሕደራ ክሳብ ዝረጋገጽ ‘ምበኣር ሰለም ከነብል የብልናን።

ካብ ሰንጋል ሃብቶም

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 31-07-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel