እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 48 guests and no members online

ህዝብታት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእን ዝተማለአ ነጻነት ሓርነትን ንምርግጋጽን፡ ሰሚሮም ኣስታት ን50 ዓመታት ወይ ፍርቂ ዘመን ዝኣክል ተቓሊሶም’ዮም። ብፍላይ በተን ርእሰ ሓያላን ዝኾና፡ ሓንሳብ ብኣመሪካ ካልእ ግዜ ድማ ብሕብረት ሶቬት ገንዘባዊ፡ ወተሃደራውን ካልእን ድጋፍ እናተገብረሎም ጠጠው ዝብሉ ዝነበሩ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ን30 ዓመታት ዝኣክል፡ ነዊሕን መሪርን ህይወት ኣእላፍ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝሓተተ፡ ደማዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፡ ነጻነቶምን ልዑላውነቶምን ብ24 ግንቦት 1991 ተጎናጺፎም።

መሬት ኤርትራ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ነጻ ምስ ኮነ፡ ብ1993 ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ህዝባዊ ረፈረንደም /ህዝበ ውሳነ/ ብምክያድ፡ 99.8% እወ ንነጻነት ብምድማጽ ሃገራዊ ልዑላውነቶም ብሕጋዊ ኣገባብ ክውን ዝገበሩ፡ ሰብ ድርብ ታርኽ ህዝብታት’ዮም። ድሕሪ’ዚ ዕውት ውጽኢት ህዝበ ውሳኔ’ዩ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኤርትራ ኣብ ቅርዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተንበልብል ዝኾነት።

መስርሕ ረፈረንዱም ምስ’ቲ ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍ ዝበኾረ ምልኣት ተሳተፍነትን ግልጽነትን ዘቤታዊ ጸገማቱ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ምርጭኦም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣረጋጊጾም ክነሶም፡ ኣብ ከመይነት ምሕደራ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝምልከት ግን፡ ንልዑል ባህግታቶም ዘለምልም ዘይኮነስ ዝዕንቅጽ ኩነታት ደኣ ኣጋጣሞም። ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ባዶነት መሊኡ፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ኣብ ምድልዳል ክቀዳደም ዝጀመረ ናይ ሽዑ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓላስቲ ህዝብታት ኤርትራ ርኡይ ናይ እምነት ክሕደት ፈጺሙ’ዩ። ካብ ዝተናወሐ መግዛእታዊ ኣደራዕ ብምንጋፎም ኣብ ርሱን ናይ ሓጉስ ስምዒት ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ደቆም ልዑል እምነት ዘሕደሩ ህዝብታት ኤርትራ፡ ሽዑ ንሽዑ’ዮም ልዑላዊ ስልጣኖምን መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላቶምን ክምንጠሉ ጀሚሮም። እንተኾነ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነቲ ብግርህነት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መቆጻጸሪ ንዘይእመን ዝኣመኑ ዝበዝሑ ህዝብታትን መሳኪን ተጋደልቱን ኣብ ምትላል’ዃ እንተተዓወተ፡ ነቶም ኣቐዲሞም ባህሪኡን ተግባሩን ዝፈልጡ ካብ መሳርዑ ወጻኢ ዝነበሩ ተጋደልትን ርሑቕ ዝእምቱ ተንተንቲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ከደናግር ግን ኣይከኣለን።

እቲ ምንታይ ድሕረ ባይታ ናይ ሎሚ መሪሕነት ህግደፍ፡ ቅድሚ ነጻነት ክውን ምዃኑ 1991 ከመይ ይሰርሕ ኔሩ ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ ንብዙሓት ኣብ ስልጣን ክወዳደሩኒ ይኽእሉ’ዮም ወይ‘ውን ንህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክመርሑ ይኽእሉ’ዮም ኣብ ዝብሎም ሰባት ቅዱስ ቅንኢ ኣይነበሮን። ንምርዳኦም ዘይኮነ ንምጥፋኦም ውዲታት ክኣልም ከይደቀሰ ዝሓድር፡ ብተግባር ድማ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ተጋደልቲ ህይወት ዝቐዘፈ ምዃኑ ምስእናይ ጭብጢታቱ ርዱእ ስለ ዝነበረ። እዚ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ዝስራሕን ዝፍጣሕን ኳና ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ሎሚ ህዝቢ ዘብርሰሉ ዘሎ ስልጣን ካብ 1993 ዘይኮነ፡ ኣብ መጀምርያ 70ታት’ዩ ዝቕንጸል ቀንጺሉ ኣሃዱ ኢሉ ባይታ ፈጢርሉ።

ከም’ቲ “ኣፍ ለባማት ፍልጠት የንጠብጥብ” ዝበሃል ኣፍ’ዞም ለባማት ኤርትራውያን ንፖለቲካዊ ተፈጥሮን ድቂ ፋሽስታዊ ኣሰራርሓ መርሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብኣጋ ብግቡእ ገምጊሞም ብወግዒ እዚ ጉጅለ’ዚ እንተደኣ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ፡ ህዝቢ ካብርስ’ዩ ክብሉ ዝቃወሙን ዘስተምህሩን ዝነበሩ። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተራ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ውድብ ደኣምበር፡ ደሞክራስያዊ ባህሪ ዝውነነ ብሕጊ ዝቕየድ፡ ኣብ ዘተን ሓይሊ ሓሳብን ዝኣምን ተፈጥሮ የብሉን። ስለዚ ብተግባር ዘጥፈአ ኣጥፊኡ ኣንጻር መግዛእታዊ ሰራዊት ብረት ሒዙ ካብ ምውጋእን ተራ ሃገራዊ ነጻነት ካብ ምምጻእን ሓሊፉ፡ ህዝቢ ክመርሕ ኣይኽእልን ኢሎም ምግምጋሞም ብሓቂ ዘመስግኖም ዘንእዶም ኣተሓሳስባ’ዩ። እዞም ርሑቕ ዝእምንቱ ጀጋኑና፡ ነጻነት መጺኡ ኢሎም ዕጥቆም ከይፈትሑ ክሳብ ሎሚ ንሰላም ደሞክራሲ፣ ንፍትሒ ይቃለሱ ምህላዎም ከኣ፡ ካብ ዝገርመንን ንኣድናቖተይ ዘበረኸን ኲነት’ዩ። መሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ነቲ ቅኑዕ ሓሳብ ተቐቢሉ፡ ባህሪኡን ኣካይዳኡን ኣብ ምእራም ክንዲ ዝጥቀመሉ፡ ተገልቢጡ ነቶም ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ብመጻኢ ዕድል ህዝቦም ዝግደሱ ዜጋታት፡ ብኣካላዊ ቅንጸላ ካብ ምድረ-ገጽ ከጥፈኦም’ዩ ተራእዩ። ካብ ሞት ንዘምለጡ ድማ፡ ንሓፋሽ ኣደናጊሩ ኩሉ ድሑር ስምዒታት ተጠቒሙ ኣንጻር’ዞም ለባማት ደው ክብል፡ ክኹንኖም፡ ክንጽሎም ስራሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ግን ከም’ቲ ዝሓሰቦ ክዕወት ኣይከኣለን።

ስለዚ ከኣ፡ “ጨካን ንገዛእ ስጋኡ ይጎድእ” ከም ዝበሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ከይፈለጡ ኣሚኖም ዝሓቖፍዎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብስውሩን ብቕሉዕን መንገዲ ንምንብርካኾም፡ ንምርዓዶም፡ ኢሉ ድማ ንምጽናቶም ቆሪጹ ተላዕለ። ብዓንተብኡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከርብሕ ዘይኮነስ፡ ንዕኡን ውሑዳት መጋበርያታቱን ከርብሕ ስልጣን ዝጨበጠ መጉሃዪ ህዝቡ ስርዓት’ዩ። መቐጸልታ ናይ’ዚ ‘ምበኣር ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታት ኤርትራ፡ ሃገራዊ ግንቡእ ብዝብል ምስምስ ናብ ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርናን ኣእትዩ ክቆጻጸሮም ዝጀመረ።

ህዝብታት ኤርትራ ደበስ ድኻም ስንክልናን መስዋእትን ደቆም ዝኾነ ውሑስ ሰላም ደሞክራሲ ኣብ ክንዲ ዝረኽቡ፡ ብኣንጻሩ ብኣፍካ ልጎም ክመሓደሩ ክነብሩ ክነባበሩ ተፈሪዶም። እዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ብትምክሕቲ ሰኺሩ ኣበይ ከይበጽሑ እናበለ ኣብ ልዕሊኦም የሽካዕልል ኣሎ። እዚ ጨካን መሪሕነታዊ ጉጅለ፡ ንኤርትራውያን መንእሰያት፡ መጻኢ ዕድሎም ኣጸልሚቱ፡ ዜግነታዊ ደሞክራስያዊ መሰሎም ዘይኮነስ፡ ሰብኣዊ መሰሎም ረጊጹ፡ ኣይ ንነብሶም ኣይ ንህዝቦም ዘርምዘርሞ ክተርፉ ዓሊሙ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ካልእ ይትረፍ ወለዶም ኣብ ምምጻእ ነጻነት ብጀግንነት ናይ ዝተሰውኡ መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ተማሂሮም ተመራሚሮም ርእሶም ዝኽእሉን ዘርኢ መታን ክቕጽል ዝወልዱን ዝዝምዱን፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ኣእትዩ ንከንቱ ክሞቱን ዘርኦም ክጸንትን’ዩ ዝገብር ዘሎ። ሎሚ ሎሚስ መሪሕነት ህግደፍ ንሓቀኛ ነጻነት፡ ንህዝባዊ ክብረት ኢሉ ናብ ገድሊ ከም ዝወጸ’ውን ብዓይኒ ጥርጠራ ክትርኢ ዝገብር ኩነታት’ዩ ዝምዕብል ዘሎ ክብል እኽእል። ምኽንያቱ ንመሰል ንነጻነት ንሓርነት ኢሉ ዝተጋደለ፡ እሞ ኸኣ ብዝተናወሐ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝሓለፈ መሪሕነት፡ ከም’ዚ ዝበለ ጭካኔ፡ ስስዐ ስልጣንን ሃብትን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ወገነይ ዝብሎ ክፍጽም ትንግርቲ’ዩ።

ከም’ቲ “ስኒ ዘይብሉ ከልብስ ዋላ እንተነብሐ ኣይነክስ” ዝበሃል ተረካቢ ሕድሪ ንዝኾነ መንእሰይ ብወተሃደራዊ ጥርናፈን ኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳዊ መናፍሓትን ብምቁጽጻር፡ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ርእዮ ብርእዮ ብምጭፍላቕ ፖለቲካዊ ሩሕ ክረክብ ዝግበር ዘሎ ሓቐነ፡ እንቋዕ እቶም ንስለዚ ህዝብን ሃገርን ክብሉ ኣብ ፈቖዶ በረኻታት ኤርትራ ዝወደቑ ሓርበኛታት ተመሊሶም ኣይርእይዎ ዘብል መስደምም ኣካይዳ’ዩ። ትምክሕተኛ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ቀይዲ በተኽ ፖሊሲ መሰል ህዝብታት ብምዕፋንን ካልኦት ንክትሰምዖም ዘስገድግዱ ኣጸይፍቲ፡ ዘሕፍሩ ስራሓት ብምስራሕ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ንዕኡ ዝመስሉ ጨፍለቕቲ ህዝቦም መራሕቲ መሪሕ ክኸውን ግዜ ኣይወስደሉን። “ዓሻ ደፋር ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዝወጠኖን ውራየይ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎን ብርግጽ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ህዝብታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ‘ምበኣር ነቲ ረጊጹ ብምሓዝ ኣብ ኣርዑት ባርነት ዝቖረኖ ትምክሕታዊ ስርዓትን፡ ፖሊሲታቱን ብፍላይ ነቲ ዕድመ ልክዕ ሃገራዊ ግቡእ ዝብል፡ ብተግባር ናብ ዕድመ ልክዕ ጊላ ህግደፍ ምዃን ተቐይሮ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ኣሰራርሓኡ ብትሪ ብምቅዋም ብዝተወደበ ኣገባብ ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ’ዩ፡፡ ስደት እንተጸበቐ ግዝያዊ ኣፎይታ ደኣምበር ምሉእ ናይ ሰላምን ደሞክራሲ ውሕስነት ኣይህብን። ስደት እንተጠዓመ ከብዲ የጽግብ ይኸውን። ካብ መንነት ዝርከብ ሓርነታዊ መሰልን ቅሳነት ሕልናን ግን ኣየጎናጽፍን። ንስለ ዘረባ ዘይኮነ ክብረት ናትካ ሒዝካ፡ ኣብ መሬትካ ደልዲልካ ረጊጽካ ታሪኽካን ባህልኻን ዓቂብካ ትነብረሉ ጥጡሕ ህይወት ምስ እተረጋግጽ’ዩ። ስለዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ደው ኢሉ ክሓስብ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ዝመጽኣሉ መንገዲ ሃስስ ክብል ኣለዎን ይግበኦን እብል።

መንእሰይ ኤርትራ ከም ዝሓሰቦ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቲ ዝመረጾ መንገዲ’ውን ህይወት ኣማኢት መንእሰያት ብጾቱ፡ ክኸፍል ተገዲዱን ይኸፍል ኣሎን። እዚ ብኣሰቃቒ ኩነታት ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ደው ክብል ኣለዎ። ኣብ ትርጉም ዘለዎ፡ ክብረት ክብረት ዝርከበሉ፡ ኣብ ታሪኽ ዝስነድ መዓላ ክውዕል ኣለዎ። ካብ ኣብ ምድረ ባዳን ባሕርን ንከንቱ ህይወት ትኸፍል፡ ብኽብረት ነቲ ጠንቂ ኩለ-መዳያዊ ጸገምካ ዝኾነ ጉጅላዊ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ክትከፍላ ተዓጻጻፊ ብልጫ ኣለዎ። ኣነን ንዕድለይን ብሃውሪ ዝግበር ስደት ናይ ለባማት ኣይኮነን። ውጽኢት ናይ ጽልምትምት፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ኣላሽ ምባል’ዩ። መንእሰይ ከም መንእሰይ ዝሓስቦ ዝገብሮ ብልክዕ ክፈልጥ’ዩ ዝግባእ። ኤውሮጳ ክትኣቱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ክትከፍል፡ ኣብ መንገዲ ብጽምኢ ማይን መግብን ክትሳቐ ገለ ድማ ክመውት፣ ናውቲ ውሽጣዊ ኣካላትካ ተተመዝሒቑ መናውሒ ዕድመ ሰብ ገንዘብ ክኸውን ኣብ ዕደጋታት ዓለም ክወርድ፣ ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ብጃምላ ክትቅዘፍ፡ መን ዘምጸኦ ጣጣ ብግቡእ እንተዘይተገንዚብካን መኪትካን ኣብ ዝበጻሕካ ብጻሕ ስደት መፍትሒ መሰረታዊ ጸገም ኣይኮነን። እቶም ትኸዶም ህዝብታትን ሃገራትን ክሳብ ዘገልገልካዮም ትርፊ ክሳብ ዘፍረዩ’ዮም ዘተኣናግዱኻ። ኣገልግሎትካ ብማሽን እንተተኪኡ፡ ፍርያቶም ንገዛእ ርእሶም ከምዘይኣኽእሎም እንተኣረጋጊጾም፡ ቅድሚ ናይ ወረቐት ዜግነት፡ ናይ ትውልዲ ዜግነት ከም ዘቐድሙ ኣይትዘንግዕ። ኩሉ ነገር በዓል ቤት ኣለዎ። ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ዝወሃብ ከኣ ንበዓል ቤት’ዩ።  

ናተይ ዝብሎ ዘተኣማምን መርገጽ ባይታ ዘይብሉ መንእሰይ፡ ናብ ዝማዕበላ ሃገራት ተሰዲዱ ግዝያዊ ህይወቱን ናብራ ውሑዳት ቤተሰቡን እንተደጎመ’ውን፡ ነቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ህዝቢ ይፈትሕ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ጭቆና ዝመበገሲኡ ሃገር ከደን ድኽነት ንውሑዳት ስድራ ብ100-200 ዶላር ኣብ ወርሒ እናሓወልካ ኣይሓውን። እፎይታ ኣይረክብን። ስለዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቲ ምሁር ክፍሊ፡ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ዝተደዋወሰ ውልቃውነት ዝዓብለሎ ኣተሓሳስባ ክወጽእ ይግባእ። ብህግደፋውያንን መራኸቢታቶምን ዝቃላሕ ህዝባውን ሃገራውን ዝመስል ፕሮፖጋንዳ፡ ኩሉ ሓሶት ምዃኑ ክግንዘቦን ፎእ ክብሎ ኣለዎን ይግባእን። ካብ ፖለቲካዊ ድሕረት መሊኡ ክናገፍ፡ ኣንባባይ ተኻታዓይ፡ ፍትሓዊ ኣጠማምታ ዘለዎ መንእሰይ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ትምክሕትን ጽበትን ጸረ-ምዕባለ፡ ሓድነትን ሰላምን ምዃኑ ምግንዛብ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ብወገነይ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ዘሎ ናብ ቃልስን ስደትን ዝጠመተ ኣገንዝቦታት ብከም’ዚ ዝስዕብ ኣብ ሰለስተ ከፋፊለ ከቕርቦ እደሊ፡

ቀዳማይ፡- ጠንቂ ናይ’ቲ ሃገረ ከደን ወሪዱና ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ምምሕደራዊ፣ ጸጥታዊ፣ ማሕበራዊ ቅልውላው ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ነዚ ድማ ሃገር ገዲፍካሉ ብዝተበታተነ መንገዲ፡ ናብ ርሑቕ ስደት ምኻድ ዘይኮነስ፡ ተወዲብካ ምቅላስ’ዩ ዝብል ርእይቶ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ’ቲ መንእሰይ ዝወሓደ ቁጽሪ ዝሕዝ’ዩ።

ካልኣይ፡- ብሓሳብ ደረጃ ጠንቂ ህግደፍ ምዃኑ ብቃልሲ ክእለ ከም ዘለዎ ዝኣምን ኮይኑ፡ ብተግባር ግን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ገለ ኣበርክቶ ዘይገብር፡ ቀዳምነት ውልቃውን ስድራ-ቤታውን ቁጠባዊ ጸገም ንምፍታሕ ናብ ስደት ጥራሕ ዘማዕዱ፡ ዝበዝሐ ቁጽሪ ናይ’ቲ መንእሰይ ዝሽፍን’ዩ።

ሳልሳይ፡- ኣብ ኤርትራ ብሰላም ምንባር ኣይከኣልን፡ ሰሪሕካ ህይወትካ ክትቅይር ዘኽእል ዕድል የለን። እንኮ ፍታሕ ተሰዲድካ ህይወትካን ህይወት ስድራ-ቤትካን ምቕያር’ዩ ኢሉ ዝኣምን ተስፋ ዝቖረጸ ኣጠማምታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ማእከላይ ቁጽሪ ዝሕዝ’ዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ዘሎ ረማሲ ፖለቲካዊ ምሕደራት፡ ብከም’ዚ ዝተገልጸ ተመቓቒሉ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ብሰላም ከይመሃር ከይመራመር፡ ርእሱ ክኢሉ ከይነብር ከይነባበር፡ ኣወንታዊ ታሪኽ ቀዳሞት ወለዱ ብግቡእ ጨቢጡ ሓላፍነቱ ከይስከም፡ ንሕና ብዝበልናካ ትኸይድ፡ ሃይማኖትካ፡ ሕግኻ፡ ውድብካ፡ ሃገርካ፡ ነጻነት ዘምጸ ህግደፍ’ዩ። ዘለካ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ጸይርካ ተጸሚምካ ዝተበሃልካዮ ጥራሕ ትገብር፡ ካልእ ርእይቶ ካልእ ምርጫ የለን። ብብረት ዝተደገፈ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተጽዕኖ መንእሰይ ደው ኢሉ ክሓስብ፡ ተወዳዲቡ ተቓሊሱ ሽግሩ ክፈትሕ ናብ ዘኽእሎ ገጹ ክጥም ዕድል ኣይረኸበን ኣሎ። ምምቕቓል በበይንኻ ምኻድ፡ ኣርሒቕካ ምጥፍእ ግን ፈጺሙ ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ጸገም ሓቢርካ ንምፍታሕ ምቅላስ’ዩ ንዝብል ናይ ውሑዳት ኣወንታዊ ኣጠማምታ፡ ማእከላይ መተኣኻኸቢ ርእይቶ ተጌሩ ክስረሓሉ ገና ኣይተበቕዐን ኣሎ። እዚ ዓመጺ መንግስታዊ ጉጅለ ኩሉ ግዱስ ኤርትራ ከከንዲ ዝዓቕሙ ተረባሪቡ ዕምሩ ከሕጽሮ እንተዘይክኢሉ፡ ብውሑዳት ንፉዓት ጥራሕ ዝካየድ ቃልሲ’ሲ ኣኻሊ ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢሉ ብዘውጸኦ ዘይቅቡል መደብ መሰረት፡ ሃገር ዘፍረየቶ መንእሰይ ኩሉ፡ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ወሪዱ፡ ህዝባውን ሃገራውን ታሪኽ ዘይኮነ፡ ዘይደሞክራስያዊ፣ ዘይህዝባዊ፣ ዓማጺ ታሪኽን ተመክሮን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ ህግደፍ /ጥራሕ ክመሃር ካብ ምግባር ጀሚሩ፡ ሰብኣዊ ክብሩ ቀንጢጡ ብባርነት’ዩ ዝግልገለሉ ዘሎ። ነዚ ኩሉ እቲ መሰሉ ዝተረግጸ መንእሰይ ወለዶ፡ ብሓደ ኣንፈት ታሪኽን ተመክሮን ናይ ሓደ ውድብ ልዕሊ ናይ ህዝብን ሃገርን ታሪኽ ክፈልጥ ዘገድዶ ዘሎ፡ መጻኢ ዕድሉ ኣጸልሚቱ ብባርነት ዘስረሖ ዘሎ እኽብካብ ጃንዳ ኣብ ክንዲ ዝስለፍ፡ ተኸፋፊሉ ብፍላይ ገለ ክፋሉ፡ በቲ ነጻነት፣ ሃገር፣ ልዑላውነት፣ ንሕና በይንና ፍሉያት ኢና ዝብል ኣስካሪ ጎስጓሳት ተደናጊሩ፡ ተደናጋጺ ናይ’ቲ ደመኛ ጸላኢ ምዃኑ እንታይ ጉዱ፡ እንታይ’ዩ ነገሩ ዘየብል ዘየተዓዛዝብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ኣይስለፍን ብኣንጻሩ መንገዲ ህግደፍ መንገዲ ሰላምን ደሞክራስን’ዩ ኢሉ ዝመጻደቕ ሰብ፡ በቲ ስርዓት ዝተዳህለ ወይ ናይ ምምዝዛን ተኽእሎኡ ዝወደቐ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።

ብርግጽ ኣብ’ዚ ገለ ከይበልክሉ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ኣሎ። እሱ ድማ፡ ብጃንዳ ህግደፍ ዝተበከለ ኣተሓሳስባ ኣብ ምሕጻብ ምልዋጥ ግደ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ብፍላይ፡ ሰሓቢ ዘይምዃኑ’ዩ። ካብ ህግደፍ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ኣብ ኤርትራ ስለዘየለ፡ ኣብ ኤርትራ ኮይንካ ኣማራጺ ሓሳባት ኣቕሪብካ ክትሃንጾ ኣንፈት ከተነጽረሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ ብፍላይ እንተን ኣብ ቀረባ ርሕቀት ሃገረ ኤርትራ ኣብ’ዚ ደቦዶብ ዘለዋ ውድባት ኣተሓሳስባ መንእሰይ ለዊጠን ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ከትሕዛኦ ዝገብራኦ ንጥፈታት ግን፡ ኣዝዩ ድኹም’ዩ። ተስፋ ዘቑርጽ ደኣምበር ዘተባብዕ ኣይኮነን። ብዝተኻእለ መጠን ፖለቲካዊ ውድባት ኣካይዳአን ኣብ ኣተሓሕዛ መንእሰይ ካብ ክኸተላኦ ዝጸንሕ ዘይብሩህ መንገዲ ለውጢ ክገብራ ኣለወን ዝብል እምነት ኣለኒ።

ካልእ እቶም ቃልሲ ገዲፎም ናብ ስደት ጥራሕ ዘምርሑ ዘለው ወገናት ክርድእዎ ዘለዎም ነገረ እንተሃለወ፡ ኩሉ እግርኻ ብዝመርሐካ ትኣትዎ ሃገር ከም ስደተኛ ዘይቕበል ምዃኑ’ዩ። ክቕበለካ ዘይክቕበለካ እንታይ ዓይነት ስደተኛ ኢኻ፡ ኣብ ሃገርካ ሰሪሕካ ከይትበልዕ እንታይ ዕንቅፋት ከጠመካ ዝብል ሕቶ ዘቕርበልካ ምዃኑ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብቕንዕና ብትብዓት ንምምላስ ካብ ሃገርካ ክትወጽእ ክትስደድ ዝገበረካ ምኽንያት ብግቡእ ምፍላጥን ምርዳእን የድሊ። ህልዊ ኤርትራዊ ጸገም ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ኣድላዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምዃኑ ንገዛእ ርእስኻ እኹል ኣፍልጦ ክህልወካ ይግባእ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትና ዘጋጥም ዘሎ ከልበትበት ውጽኢት ናይ’ቲ ዘይብሩህ ዝተደዋወሰ ርእይቶ’ዩ። መበገሲ ስደትካ ፖለቲካ እናሃለወ ኣነ ናይ ቁጠባ ስደተኛየ ሰሪሐ ክበልዕ ናብራይ ክልውጥ ኢለ ዝመጻኩ’የ እንተደኣ ኢልካ ተቐበልነት ትሑት’ዩ። ቁጠባዊ ጸገምካ’ሞ ኣብ ሃገርካ ሰሪሕካ ፍትሓዮ ዝብል ሓጺር መልሲ’ዩ ዝመጽእ። ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትና ዝቕርብ ዘሎ ሕቶን ዝግበር ዘሎ ጸቕጥን ድማ እኩል ኣብነት’ዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ እቶም ቀንዲ ረኸብቲ መከራ ዝኾኑ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ፡ እንታይ ዓይነት ስደተኛ ምዃኖም ብንጹር ክፈልጡን ክምልሱን ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም። ከም’ቲ ህግደፋውያን ብኣቃጫጭ ኤርትራዊ ሃገሩ ጸሊኡ ኣይተሰደን እናበሉ ልቢ ክሰርቁ ዝህውትትዎ ከምዘይኮነ፡ መንግስቲ ምቕማጥ ከሊኡኒ’የ መጺአ ኢሎም ብድፍረት ብጭቡጥ መረዳእታ ከቕርቡ ክበቕዑ ኣለዎምን ይግባእን። እዚ ወሪዱና ዘሎ ምፍንቓልን ስደትን ብባህሪያዊ ሓደጋ ኣይኮነን። ሰብ ዝሰርሖ’ዩ። ሰብ ዝሰርሖ ድማ ብሰባት’ዩ ዝልወጥ። ጸገምካን መፍትሒኡን ብሓሳብ ደረጃ ምፍላጥ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። መግለጺ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብስለትን ድማ’ዩ። ስደት ፈጺሙ ዘላቒ መፍትሒ ናይ ጸገምና ክኸውን ኣይክእልን። ጸገምና ክፍታሕ መጀመርያ ገዛእ ርእስና ካብ ኣርዑት ምልኪ ነጻ ንውጻእ። ክልተ ኣብ ኣርዑት ዝቖረንካዮም ኣቡዑር ካብ ኣርዑት ምስ ዝወጹ ጥራሕ’ዮም ድሌቶም ዝገብሩ። ስለዚ ከኣ፡ “መላገጺ ሰብ ከተማ የንድድ” ከም ዝበሃል ነዚ ተሰድዲና ሃገር ጥራሕ ክንገድፈሉ ዝደሊ ዘሎ መላገጺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሃገርና ኣንዲዱ ሓሙኽሽቲ ከይቀይራ እንከሎ ኢዱ ንስበሮ።

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 20-05-2015

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel