እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 74 guests and no members online

ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ህግደፍ ኣብ’ታ ሃገር ከካይዶ መዲብዎ ዘሎ  ፈስቲቫል ንምምካን ተዳልዮም ከም ዘለው ገሊጾም

መብዛሕቲኦም ካብ ግፍዓዊ ምሕደራ ህግደፍ ኣምሊጦም ህይወቶም ንምድሓን ፈታኒ ማዕበል ባሕሪ ብዕድል ሰጊሮም ኣብ ሃገረ ሆላድ ኣትዮም፡ ፖለቲካዊ ዕቑባ ረኺቦም ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን፡ ሎሚ’ውን ከም’ቲ ዝሓለፈ ህግደፍ ብስም ፈስቲቫል መጣቓዕቲ ወዲቡ ገንዘብ ንምእካብን ከም ገባሪ ጽቡቕ ህዝቢ ምሳይ ኣሎ ንኸስምዕን ወዲብዎ ዘሎ መደብ ንምብርዓን ተዳልዮም ከም ዘለው ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሆላንድ ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ተባዓት ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝባዊ ውክልና ዘይብሉ ብቕልጽሙ ዝገዝእ ዘሎ ወካሊ ውሑዳት’ዩ። ኣድማሳዊ ሰነዳት ንኽብረት ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ፡ ኣብ ሃገርና ምንባር ምስ ከልኣና ኢና ህይወትና ከነድሕን ናብ ሃገርኩም መጺእና ተዓቚብና ዘለና። ስለዚ ኣብ ሕጋውን ሰላማውን ሃገር፡ መጺኡ ሰላምና ክዘርግ የብሉን። መንግስቲ ሆላንድ ድማ፡ ንከም’ዚ ዝበለ ብግህዶ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጭፍልቕ መንግስታዊ ጉጅለ መዕንደሪ ባይታ ክፈቅድ ኣይግባእን። ንሕና ይዳለወሉ ንዘሎ ፈስቲቫል ንምብርዓን ተዳሊና ከም ዘለና ነፍልጥ። መንግስቲ ሆላንድ ፈስቲቫል ከካይድ እንተፈቒድሉ ግን፡ ንዝመጽእ ናይ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ተሓታቲ ባዕሉ ምዃኑ ነገንዘብ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቦም ምህላዎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ጎደናታት ከተማ ፓሪስ

ብግዝያውነት ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሓይሊ ፖሊስ ተበቲኖም

ኣብ ጎደናታት ከተማ ፓሪስ ኣብ ትሕቲ መስመራት ባቡር፡ ብዘይ ስሩዕ መግቢ፡ ማይን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት፡ ብሓይሊ ፖሊስ ተበቲኖም ናብ ካልእ ግዝያዊ መጽለሊ ከም ዝተወስዱ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሬድዮ ኤረና ብ11 ሓምለ 2017 ጸብጺባ።

ፖሊስ ፈረንሳ ከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ክወስድ እዚ ናይ ሎሚ መበል 34 ግዜኡ ከም ዝኾነ ዝገለጸት ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝመደበራ ረድዮ ኤረና፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተላን፡ ንስደተኛታት ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህባን ሲቪካውያን ማሕበራት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃባኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ንመንበሪ ኣባይትን፣ መስርሕ ምጽራይ ዑቕባን ብዝምልከት መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ደኣምበር፣ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣብ ዝተረኽበሉ ጥራይ ስጉምቲ ምውሳዱ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ከም ዝወቐሳን ሓቢራ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ብወገኑ፡ ኣብ ቨርሳይ ንዝተጋበአ ባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መስርሕ ምጽራይ ጉዳይ ስደተኛታት ክመሓየሽን ስሉጥ ክኸውንን ከም ዘለን ኣረጋጊጻ።

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳ ሰሪዑ ከም ዝተዘራረበ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝፍጸም መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ኣብ ዝብል ሓባራዊ ዕግበት ከም ዝበጽሐን ተገሊጹ

ባይቶ ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብመንግስቲ’ታ እታ ሃገር ይጠሓስ ኣሎ ስለዚ ዓገብ ክበሃሎ ኣለዎ ክብል ቅድሚ ሎሚ ደጋጊሙ ንዘመሓላለፎ ምሕጽንታን ውሳነን መሰረት ብምግባር፡ ብ6 ሓምለ 2017 ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሎሚ’ኸ ኣብ ከመይ ይርከብ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ካብ ዝነበሮ ገዲዱ ደኣምበር ዘምጸኦ ለውጢ የለን፡ መንግስቲ ኤርትራ ክገብሮ’የ ኢሉ ዝኣተወልና ቃል ኣይፈጸመን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ቀይድዎም ዘሎ ዜጋታት ዝፍጸም ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት ከቢድን ዘተሓሳስብን’ዩ ከም ዝበለን ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ኤውሮጳ ሓቢሮም።

  እቲ ባይቶ ካብ ኣተሓሳሳቢ ዝበሎ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ተበጊሱ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንስርዓት ህግደፍ ዝህቦ ዝነበረ ምኽንያትን ገንዘባዊ ሓገዝን ከምዘይቅበሎ፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝእከብ 2% ዘይሕጋዊ ግብሪ ደው ክብል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ድፍኢት ደው ክብል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝድግፍ ዝብሉን ካልኦት ነጥብታትን ምውጻኡን ኣረጋጊጾም።
              

ኣሽባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ 9 ሰባት ክሳዶም ብምስያፍ ቀቲሉ።

ሓደ ክንፊ ናይ’ቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዘዕገርግር ዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ዝኾነ፡ ሶማላዊ ኣሽበሪ ጉጅለ ኣል ሸባብ፡ ብ8 ሓምለ 2017 ንሶማሊያን ኬኒያን ኣብ ዘዳውብ ቦታ 9 ሰባት ክሳዶም ብምስያፍ ከም ዝቐተለ፡ ኣል ሸባብ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ምስያፍ ስጉምቲ ክውሰድ ዝውቱር ከምዘይኮነን፡ ሓላፊ ፖሊስ ናይ’ቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከባቢ ንዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ ረድዮ ጀርመን ገሊጻ።

ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል ሸባብ ኣካል ኣምሳል ምንቅስቓስ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ከም ዝኾነ ብወግዒ ሓቢሩ ክንሱ፡ ሽግር ሶማል ብሾማላውያን ብዝብል ሽፋን ኣብ ልዕሊ’ተን ናብ ሶማል ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዝለኣኻ ሃገራት፡ ኣብ ወተሃደራት ኮነ ኣብ ስቪል ማሕበረ-ሰባት ብቀጻሊ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ዝብል ጽልሙት ኣረኣእያ ተኸቲሉ ብዙሕ ህይወትን ንብረትን ከብርስ ምጽንሑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብፍላይ ኣብ ጎረቤት ኬኒያ ዝጸዓቐ ምዃኑን ኣረዲኣ።

ኣብ የመን ብሕጽረት ጽሩይ ዝሰተ ማይን መግብን ዝተበገሰ ሕማም ሸሮኽ

ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ህይወት ነበርቲ ድማ ኣሰኪፉ ይርከብ።

 ኣብ ሃገረ የመን ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝምረሓ ገለ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብቐጥታ ኣንጻር ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ብተዘዋዋርን ቀንድን ከኣ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ብ2015 ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ዝጅምር፡ እታ ሃገር ብተግባር ማእከላይ መንግስቲ ኣልቦን መናሃርያ ኲናትን ኮይና ብምህላዋ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ሽግሩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበእሰ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ እቲ ኣሰንባዲ ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ከኣ ጽዑቕ መግለጺ ምዃኑን ማዕከን ዜና ፈረሳ ኤ ኤፍ ፒ ኣረጋጊጹ።  
እቲ ለበዳ ሕማም በቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ሕጽረት ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይን ዋሕዲ መግብን ዝመጽአዩ ዝብሉ ወገናት እኳ እንተሃለው፡ ገለ ወገናት ብወገኖም ጠንቂ ናይ’ቲ ለበዳ ሕማም፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ መሻርኽታ ኣብ’ታ ሃገር ዘዝንባኦ ናይ ዘለዋ መርዛም ከሚካላዊ ትሕዝቲ ዘለዎ ተወንጫፊ ዘብጸሖ ዘሎ ብከላ ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብሉ። ዛጊት እቲ ሕማም ሸሮኽ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3000 ሰባት ከም ዝሓመሙን ኣስታት ናብ ክልተ ሽሕ ዝጽግዑ ድማ ከም ዝሞቱን ኣረዲኡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 14-07-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel