እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 60 guests and no members online

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብሕማም ሸሮኽ ሞይቶም።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ፣ ኡም ገርጉር ኣብ ዝተባህለ ናይ ቀደም መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፣ ብሕማም ውጽኣት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ካብ ዝነጥፍ ማሕበር ኣባል ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ኣረጋጹ ትብል ረድዮ ኤረና ብ23 ሰነ 2017።

ኣብ ካልእ ኮርኮራ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ድማ፡ ሓደ ኤርትራዊ ብተመሳሳሊ ሕማም ሸሮኽ ከም ዝሞተ፡ ይኹን ‘ምበር እቲ ሕማም ዝያዳ ከየስፋሕፍሕ ሳላ ብደገፍ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተገበረ ጻዕሪ ዛሕቲሉ ምህላውን ጸብጺባ።

ብካልእ ዜና ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪካ፡ ኣምባሳደር ስማዒል ሸርግዊ፡ ኣብ መንጎ ጅቡትን መንግስቲ ህግደፍ ደጊሱ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ቀዋሚ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ ብኣካል ከምዘዛራረቦ ኣፍሊጣ።

ስርዓት ህግደፍ ኩሎም ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘይወሰዱ መማህራን፡

ናብ ታዕሊም ክወርዱ ከም ዝኣዘዘ ተፈሊጡ

ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ዓሚ ናብ ታዕሊም ክኣትው ዝነበሮም’ሞ ዘይተዓለሙ፡ ከምኡ’ውን ሓደሽቲ መማህራን ካብ 13 ሓምለ 2017 ጀሚሮም ኣብ ሕምብርቲ ናብ ዝርከብ ክፍሊ ታዕሊም ክኸዱ፡ ብሓቂ ሕማም ዘለዎምን ዘይብሎምን ብሓካይም ሚኒስትሪ ምክልኻል ክረኣዩ ዝብል መምርሒ ኣውሪዱ ምህላው ተፈሊጡ።

እቲ መምርሒ  ኣብ ዓመተ 2017-2018 ኣብ ሞያ መምህራን ተቖጺሮም ከገልግሉ ተሓጽዮም ንዘለውን ከም ዝምልከቶም፡ በዚ ወሪዱ ዘሎ መምርሒ መሰረት ኣብ ዝተባህልዎ ግዜ ኣብ መደበር ታዕሊም እንተዘይኣትዮም፡ ከም መማህራን ኣፍሊጦ ከምዘይወሃቦም ሚኒስትሪ ምክልኻል ህግደፍ ከም ዝሓበረ፡ ስለዚ ከኣ ብቕዓት መማህራን ብሞያዊ ብስለት ዘይኮነ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስ ምውሳድን ዘይምውሳድን ዝተኣሳሰር ምዃኑ፡ ዝሕብር’ዩ ይብል እሪ መድረኽ ዝዘርገሖ ዜና።

እቲ ዝገርም ይብል እቲ ዜና፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝቃወም፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝመጽኣሉ ትእዛዝ ተቐቢሉ መማህራኑ ኣሕሊፉ ንምሃብ ብመንገዲ ክፍሊ ምምሓዳርን ገንዘብን ኣቢሉ ዝርዝር ናብ ታዕሊም ክብገሱ ናይ ዘለዎም መማህራን ኣስማት የዳሉ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ወራሲ ዓራት ኮይኑ ክሰርሕ ንዝጸንሐ ወዲ ሓው ኣልዩ፡

ወዲ 31 ዓመት ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ወራሲ ዓራት ኮይኑ ክሰርሕ መዲብዎ።

ንጉስ ሳልማን ከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ ናይ ጥዕና ጸገም ይገብር ስለዘሎ፡ ብዝያዳ ኣብ ውዱ እምነት ብምሕዳር ኩሉ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እታ ሃገር ከረክቦ ስለዝደለየ’ዩ ይብል ካብ’ታ ሃገር ዝተቓለሐ ዜና ።

ሕጊ ናይ’ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ከም ዝእዝዞ፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ወዲ ሓው ንንጉስ ሳልማን ድሕሪ ሞት ንጉስ ሳልማን ቦታኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝግበኦ ንሱ ምዃኑ፡ ይኹን’ምበር ወዲ 81 ዓመት ንጉስ ሳልማን ብሕማምን እርጋንን ይደክም ስለዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ንወዲ ሓው ንወዱ ከርከብ ስለዘደለየ ከምኡ ከም ዝገበረ ተንተንቲ ፖለቲካ ማኣከላይ ምብራቕ የረድኡ።

ንጉስ ሳልማን ብሞት ንዝተፈልየ ሓው ንጉስ ዓብደላ ተኪኡ ብ23 ጥሪ 2015 ንጉስ ናይ’ታ ሃገር ኮይኑ ይመርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ወራስ ዓራትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ምዃኑ’ውን እቶም ተንተንቲ ይገልጹ።

ፕረሲደንተ ሃገረ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንስዑዲ ዓረብን ንቀጠርን

ኣብ’ቲ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳይ ከዛትዮም መደብ ከም ዘለዎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ንግስነት ሃገረ ቐጠርን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ተኻሪሩ ኣብ ዘሎ ባእሲ፡ ብወግዒ ሸነኽ ስዑዲያ ክኸውን ንዝቐረበሎ ጠለብ ዘይተቐበለ ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ንክልቲኦም መራሕቲ ወይ ነጋውስ ኣራኺቡ ጉዳዮም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእሎም መድረኽ ዘተ ክኸፍቱ ጻዕሪ ንምግባር ብ20 ሰነ 2017 ኣብ ጂዳ ኣትዩ ምስ ንጉስ ሳልማን ከም ዝተራኸበ፡ ረድዮ ጀርመን መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ገሊጻ።

ቅድም ክብል መስርሕ ዕርቂ ብኩዌት ተጀሚሩ ይቕጽል ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ድማ ንተበግሶ ኩዌት ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 26-06-2017

Loading...

You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

 

 

 

 

 

 

 

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel