እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብኢደ- ብሓይሊ ናብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 24 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ከባቢ ርብዒ ዘመን ዕድሚኡ’ዚ ቁጠባ ኤርትራ እንትርፎ ናይ ምንቁልቋልን ውድቀትን ዕጫ ናይ ዕብየት ዕድል ኣየጋጠሞን። ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ናይ ሓርነታዊ ቃልስና ብናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኲናት ዝዓነወን ብድኽነትን ድሕረትን ዝተሳቐየ ሕብረተሰብ ኤርትራቁጠብኡ ብምሕዋይ ዝማዕበለት ሃገር ንህነጽ” ብዝብል ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ኮንፈረንስ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ብዙሓት ሃገራውያን ምሁራን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዩኒቨርስታት ዝመጹ ዝተሳተፍዎ  ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ዛዕባ ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዝቲ ዋዕላእቲ ብትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ  ገባቲ ጃንዳ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሽርሕታቱን ማሕንቖታቱን ዘይተገንዘቡ ንጹሃት ሃገራውያን ምሁራን ምስቲ ምጽራግ ባዕዳዊ መግዛእትን ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትን ዝገደፈሎም ሓጎስን ፍናንን ለውጢ ክመጽእ እዩ፡ ዝብል ትጽቢት ዝነበሮምን ሃናጺ ሓሳባቶም ዘቕረቡን ብኡኡ ኣቢሎም ኣብ ምህናጽ ሃገር ክሳተፉን ድሌት ዝነበሮም ከምቲ ዝተጸበይዎ ኮይኑ ኣብ ዘይረኸብሉሰላሕ ኢሎም በታ ዝመጽዋ ነናብ ዝምህሩለን ዝነበሩ ዩኒቨርስታቶም ዝተመልሱ ምሁራን ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እዚ ዋዕላ’ዚ ሒዝዎ ዝወጸ ናይ ቁጠባዊ መርሆ ኣንፈትን ድሒሩ ኣብ ተግባር ዝሰዓበ ኩነታትን ቅድሚ ምርኣይና ብቐዳምነት ቅኑዕ ቁጠባዊ ፖሊሲ ናይ ሓንቲ ብድሕረትን ድኽነትን እትሳቐ ዘይማዕበለት ሃገር ከመይ እዩ ምርኣይ ኣገዳሲ ይመስለና።

ንዕብየት ቁጠባ ሃገር ካብ ዝወሰኑ ቀንዲ ረቋሒታት ብፍላይ ከኣ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ 85% ካብ ህዝብታተን ኣብ ሕርሻ ዝምርኮሳ ሃገራት ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ጸሚቕካ ምርኣይ ይከኣል እዩ።

1  ቀጻልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ምርግጋጽ ዝከኣል ብቐዳምነት ሰላምን ምርግጋእን ዘውሓሰት ሓራ ዝኾነት ሃገር ምርግጋጽ የድሊ።

2  ንረብሓ ሓፋሽ ዘገልግል ካብ ጽግዕተኛነት ዘናግፍ ምዕሩይ ምጣነ-ሃብታዊ  ናጽነት ዘረጋግጽን ስሉጥን ቀጻልነት ዘለዎ ዕቤት ዘጎልብትን ኩሉ ህዝቢ ካብቲ ዝርከብ ምጣነ-ሃብታዊ ዕብየት በብደረጅኡ ተጠቃሚ ዝኾነሉን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጸሉን ናይ ልምዓት እስትራተጂ ምኽታል የድሊ።

3 መንግስታዊ ምጣነ-ሃብታዊ ትካላት ይኹን ናይ ግሊ ንዕብየት ሃገራዊ ኢኮኖሚ ብዘገልግል ምዕቡል ሃገራዊ ርእሰማል ብዝውህለለሉ ኣገባብ ብሕጊ ነጻ ዕዳጋ ዝምራሕን ዝግዛእን ኮይኑ ብቐዳምነት ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ዕዳጋ ዝምርኮስ ብዘይምቁራጽ እናሰፍሐ ዝኸይድን መሰረታዊ ናይ ልምዓት መምርሒ ብዝድግፍን ብዝደልደልን መንገዲ ናይ ወጻኢ ንግዲ ክዓቢ ክገብር ይህልዎ።

4 ቀጻሊ ዕብየት ናይ ሓንቲ ሃገር ዝውሰኑ ነናቶም ብጽሒት ዘለዎም ሰለስተ ኣካላት ናይ ሓፋሽ ወሳኒ ተራን ናይ መንግስቲ መተካእታ ዘይብሉ ብጽሒትን ዝተገንዘበ ንውልቀ ሰብ ርእሰማል መጸይቲ ዘይኮኑ ኣልማዕቲ ብሰፊሕ ዘሳትፍን ዘተባብዕን ምጣነ-ሃብታዊ ፖሊሲ ምሕንጻጽን ተግባራዊ ምግባርን የድሊ።

5  ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ሃገራት  ዝበዝሐ ህዝበን መነባብሮኡ ኣብ ሕርሻ ዝኾነ እቲ ቀጻሊ ቁጠባዊ ምዕባለ ናይ’ቲ ገበራይ(ሓረስታይ) ውሕስነት ዝህልዎ መሬት ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ሓባራዊ ንብረት ኮይኑ ዘይሽየጥን ዘይልወጥን ብወለድን ሓረጣን ዘይተሓዝ ብህዝባዊ ፈደራላዊ  ደሞክራስያዊ መንግስቲ ከኣ ዝመሓደር ምስ ዝኸውን’ዩ።

6 ዝበዝሐ ህዝባ ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ሓንቲ ሃገር ናይ ሕርሻ-መርሖ ኢንዳስትሪ ናይ ልምዓት እስትራተጂ ኣንፈት ምዕባሌ፡ ብምኽታል ሕርሻን ኢንዱስትርን ተደጋጊፎምን ተኣሳሲሮምን ክዓብዩ’ዩ  ብቐዳምነት ክስረሓሉ ጻዕርታት ክግበር ዝህልዎ።

7 ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ዘይማዕበላ ሃገራት እኹል ዝተዋህለለ ርእሰማል ስለዘይብለን እቲ ቀንዲ ኣብ ኢደን ዝርከብ ሃብቲ ሃገር ብቐዳምነት እቲ ዝበዝሐ ኣብ ገጠር ዝርከብ ዓያዪ ጉልበትን ባህርያዊ ሃብቲ መሬትን ስለዝኾነ ነዚ ብሰፊሑ ተጠቂምካ ንናይ ከተማ ዓቕምታትን ኣልማዕቲ ውልቀሰብ ሃብትን ዝሓሽ ርእሰማል ብምውህላል ነታ ሃገር ካብ ሕርሻ-መርሖ ናብ ኢንዱስትሪ መርሆ ናይ ምስግጋር ኣማራጺ ምዃኑ ክትሓዝ ይህልዎ።

8 ብቐጻሊ መስርሕ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጠባዊ ምዕባለ ክረጋገጽ ዝኽእል ደረጃ ብደረጃ ንድሕረትን ድኽነትን ከወግድ ዝኽእል ናይ ሓፋሽ ወሳንነት ዝቕበል ብሕጊ-ስርዓተ ቕዋም ዝምራሕ ብቑዕ ኣመራርሓ ዝወነነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምርግጋጽ ወዘተ ይሓትት።

በዚ መንጽር ስርዓት ህግደፍ እዚ ቅኑዕ ምጣነ-ሃብታዊ ፖሊሲ እዚ ተኸቲሉ ድዩ ተበጊሱ ወይስ ብኣንጻሩ መንገዲ ዕንወትን ውድቀትን እዩ ተኸቲሉ ተጓዒዙ ዝብሉ ካብዚኦም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቋሒታት ገለ ገለ ኣብነታት ወሲድናን ኣዛሚድናን ጥራሕ ክሳብ ክንደይ እዩ እቲ ዝተኸተሎ ጉዕዞ መዕነዊ ምንባሩን ምዃኑን ምርኣይ ይከኣል።

ብመሰረቱ ቁጠባዊ ሓርነት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ  ካብ ፖለቲካዊ ሓርነት ብዘላቕነት ንበይኑ ተነጺሉ ክዓቢ ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ መዋእል ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕቤት ክዝረብ እንተድኣ ኮይኑ ካብ ሕቶ ጥዑይ /ሰናይ/ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ተፈልዩ ዝረኣየሉ ውድዕነት የለን። ህዝባዊ ግንባር ከኣ ከም ውድብ ድሕሪ ምርግጋጽ ሉዕላዊት ሃገረ ኤርትራ  መሊኡ ሓርበኛዊ ተርኡ ተጸንቂቑ  ቀጥታ ናብ ምሉእ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ እስትራተጂካዊ ጸላኢ ውጽዓት ህዝብታት ኤርትራ እዩ ኮይኑ። ካብዚ ግዜ እዚ ንድሕሪት ንቑጠባ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ሸነኻዊ ምዕባሌ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝዓግት ኮይኑ  ናብ ጸረ-ሰውራ ሓይሊ እዩ ተሰጋጊሩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸረ-ሰውራዊ ዓጋቲ ሓይሊ ኸኣ ኩሉ ሸነኻዊ ምዕባሌ ሃገር ምጽባይ ማለት ካብ እንቋቑሖ ተመን ርግቢት ክትውለድ ምጽባይ ማለት ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ኣብ ጉዕዞ ምዕባሌ ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ይኹን ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝርከቡ ሃገራት እቲ ቅኑዕ ቁጠባዊ ኣንፈት ምዕባሌኦም ኣብዚ ዘለናዮ ህሞት እቲ ኣድማሳዊ ሓቂ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ቁጠባዊ ጽላት ዝተኸተሎ ፖሊሲ ፈሊና እንተርኢና እውን ካብ መጀመርያኡ ኣትሒዙ እንትርፎ ናይ ምንቁልቋልን ውድቀትን ናይ ምሕዋይን ምዕባይን ዕድል ዝጸልመተ’ዩ  ነይሩ።

ንባዕሉ ኣብቲ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ኢኮኖሚ ኮንፈረንስ ማእከሉ ወይ ሕመረቱ እንተርኢና እውን እቲ ኤርትራ እትምርኮሰሉ ቁጠባ ብቐዳምነት ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ዕዳጋ ዝምርኮስ ዘይኮነስ ብቐንዱ ኣብ ሰደድ ዘተኮረ ምዃኑ ትኽክለኛ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣይነበረን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ንቑጠባ ሓንቲ ሃገር ከዕብዩ ዝኽእሉ ነናቶም ብጽሒት ዘለዎም ኣካላት፡ ናይ ሓፍሽ ህዝቢ ወሳኒ ተራን ናይ መንግስቲ ተራን ናይ ውልቀ ሰባት ርእሰማላውያን ግደን ብግቡእ ከሳትፍ ዘይክእል ብምንባሩ ንውልቃውን ጉጅላውን ረብሕኡ ረብሓ ናይ ወጻኢ መወልቱ ሓይልታትን ክብል መሬትን ባሕርን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩ መሬት ከም ድላዩ ዝሸይጥን ዝልውጥን ኩሉ ትካላት ናይ ንግዲ ገቢቱ ብምሓዝ ክሳብ ኣብ ዝተሓቱ ናይ ንግዲ ስራሓት /ቀይሕ ባሕሪ ኮረፖሬሽን/ 09 ገይሩ ኣብ ዝተቆጻጸረሉ ሓፋሽ ካብዚ እንታይ ክርባሕ ይኽእል። ንሱ እውን እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ሓደ መላኺ ፓርቲ ህግደፍ ውልቀ-ሰባት ዝመሓድርዎን ዝፈልጥዎን ከምድሌቶም ዝዕንድርሉን ኮይኑ ትርፊ’ዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ባንክታት ዓለም ከም ቃሕ ዝበሎም ብግሎም ዘቐምጥዎ ኮይኑ፡ ኣብ መዓላ እቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ዝወዓለ ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ  እቲ ቁጠባዊ ፖሊሲኡ ከምቲ ኣብ ኮንፈረንስ ዝቐረጾ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ቀንዲ ሃብቲ ሃገር ዝኾነ ዓያዪ ጉልበትን ጸጋታት መሬትን ባሕርን ዝኾነ ዕቑር ባህርያዊ ዓቕምታትን ንወሳኒ ተራ ናይ’ቲ ሓፋሽ ህዝብን ተራ ውልቀሰ ባት ሰብ ሃብትን ተራ መንግስትን ፈልዩ ኣብ ክንዲ ምስራሕን ቁጠባ ሃገር ዝዓብየሉ ኣንፈት ምሓዝን “ንሕና ብቑጠባ ርእስና ዝኸኣልና ኢና ካብ ወጻኢ ተመጽወቲ ኣይኮንናን” ብሓደ ሸነኽ ክብል እንከሎ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ሃብቲ ንምዝማት ኣብ ናይ ኮንትሮባንድን ስርቅን ክሳብ ኣብ ናይ ሓሽሽን ኣጽዋርን፡ ሸርፊ ገንዘብን ዝውውርን፡ ኣብ ናይ  ነጋዶ ሰብን ስራሓት ተዋፊሩ እዚ ኣብ ዘይሰለጠሉ ኸኣ ኲናት ክሳብ ምውላዕ ዝበጽሓሉ ምኻድ ሓደ ካብቲ ምንቁልቋልን ውድቀትን ቁጠባ ኤርትራ ምዃኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ ዝመስለና። ካልእ ንመላእ ዓቕሚ መንእሰይ ወለዶ ብስም ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ዘይኣፍራዪ ስረሓት ኣብ ካምቦታት ጅሆ ሒዙ ኣብ’ቲ እቲ ገዛኢ ስርዓትን መሻርኽቱን መሳሰይቱን ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ምስ ወጻኢ ብሽርክነት ኣብ ዝሰርሕሉን ከም ጊላ ብዘይዕረፍቲ ደረት ዘይብሉን ንዓመታትን ክሰርሕን ክብዝበዝን ምግባር ክሳብ ክንደይ ናይ /ሰብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ተናጊዑ ንሓደጋ ተሳጢሑ ምህላዉ ዘብርህ እዩ። እቲ ኻልእ ካብ ናይ ዕደና ፍርያት ምስ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት /ካምፓኒታት/ ብምሽራኽ ዝረኽቦ ኣታውታት እንትርፎ ብብልሽውና ንዝጠስጠሰ ስርዓቱን መጋበርያታቱን ዝጥቀምሉ ደኣ እምበር ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራስ ካብዚ ባህርያዊ ጸጋታት እዚ ተጠቃሚ ኣይኮነን።

እዚ መዕነዊ ፖሊሲታት’ዚ ሒዙ እናተጓዓዘ ከኣዩ ኣብ ባይታ ዘይትግበሩ ናይ ሕልሚ እንጀራ ዝኾኑ “ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ሃገርና ኣብ ሲንጋፖር ክንቅይራ ኢና ምዕብልቲ ሃገር ክንሃንጽ ኢና” እንዳበለ ወግሐ ጸብሐ ገለ ንጹሃት ዜጋታት እንተኣታለልኩን ዕድመ ስልጣነይ እንተኣናዋሕኩን ኢሉ በብግዜኡ መልክዑ እናቐያየረ ጓንጓ ጭርሖታት ብምጭራሕን ኣጉል መብጽዓታት ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን። ሕጂ ኣብዚ ቀረባ ጊዝያት ከኣ በቲ ብዝተወሰኑ ደረጃ ናይ ወጻኢ ናይ ዕደና ካምፓኒታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ኮይኖም ፍርያት ክረኽቡ ትጽቢታት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ ተንጠልጢሉ ብውሽጢ ውሽጥን ብቓልዕን መነባብሮኹም ክመሓየሽ እዩ ተዓገሱና ጥራይ ዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ብጽዑቕ ክዋፍረሉ ይርከብ።

ካብዚ ሓሊፉ እውን እቲ ገባራይን ሓዳጋይን ርእሰ-ኲናት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዝደሓረ ዘካየዶ ቃለ-ማሕትት “ኣብ 2015 ብዛዕባ ልምዓት ኣብ ኤርትራ እንታይ ንጽበ” ተባሂሉ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ “ናይ 3 ወርሒ ግዜ ቆጸራ ሃበኒ እሞ ርግጸኛ ኮይኑ ዝነግረካ ተኣምር ኣለኒ” ኢሉ ነቲ ጋዜጠኛ ዝመለሰሉ፡ ካብ’ቲ ዝቐደመ ከቕርቦ ዝጸንሐ መብጸዓታት ሓሊፉ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ሓድሽ ከምጸኣሉ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ኣጉል ዘይትግበር መብጽዓ’ዚ እንተኾነ ኸኣ “ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር” ከም ዝበሃል ድሕሪ 24 ዓመታት ሕጂ’ኸ ንመን ከታልል ደኣ’ዩ ተጸበየኒ ዝነግረካ ተኣምር ኣሎኒ ኢሉ ብጹእ ኮይኑ ክረአ ክመሻኸን ዝፍትን። እቲ ተኣምርስ ብግልባጡ ኮይኑ ዋላ እታ ንጉጅላዊ ረብሕኡ ዘውዕላ ዝነበረት ናይ ቢሻ ወርቂ እውን እንተኾነት ናጤባ ወዲቑዋ ከም ሞት ሕጹይ ዓው ኢልካ ዘይትዛረበሉ ኮይንዎ ብውሽጡ ሓሪሩ ተኣምር ሰሪሑ ከድሕና ኣይከኣለን። በዚ ኸኣ ቁጠባ ኤርትራ ዋላ ክንዲ ዝኾና ይኹና ብዙሓት ናይ ዕደናን ካልኦትን ካምፓኒታት እውን እንተኾና ኣብ ኤርትራ ኣትየን እንተሰርሓ ጥዑይ ደሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራን፡ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ፍትሓዊ ክፍፍል ዕቁር ጸጋታት ሃገር ዘረጋግጽ ውሕሉል ቅኑዕ ፖሊሲ ናይ ልምዓትን ወፍርን /ኢንቨስትመንትን/ ከይተረጋገጸ በዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕቡእን ገባትን ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ እዘን ዝጃሃረለን ዘለዋ ናይ ዕደና ካምፓኒታት እዚኣተን ክንዲ ዘምጽኣ ፍርያት የምጽኣ ብዘየገድስ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክሳብ ዘይወዓላ ቁጠባዊ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዝኸውን እውን ፋይዳ የብለንን። ስለ ዝኾነ ኸኣ ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ብልሽዊ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ  ናይ ምንቁልቋልን ውድቀትን ዕጫ ጥራይ ዘለዎ ደኣ እምበር ናይ ምሕዋይን ምዕባይን ዕድል የብሉን።

ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደግሓኤ መጋቢት 2015 ዝተወስደ

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 05-06-2015

ኣብ ትሕቲ ብልሹው ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ቁጠባ ሃገርና ናይ ምንቁልቋልን ውድቀትን ደኣ እምበር ናይ ምሕዋይን ምዕባይን ዕድል የብሉን።

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

Show Panel