ንመዘኻኸሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ማእከሉ ናይ ውልቀ ሰብ ስምን ዝናን ምቅንጃው’ዩ። ከይደ እንተኢሉ ከኣ ጉጅላዊ ረብሓ ብዘምጽእ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዝተቓነይ’ዩ። ተግባሩ ድማ ፋሽሽታዊ’ዩ። እኩብ ድምር ናይ ዘይህዝባውነቱ፡ ዘይሕጋውነቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባሩን መግለጺ ድማ፡ ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳዊ ባህሪኡ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ነይርና። ካልእ ክፋሉ እነሆ፡-

እዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከም ህዝዝብን ሃገርን ብሓላፍነት ናይ ምምራሕ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ገይሩ’ዩ ገዛእ ርእሱ ዝኣምንን

ዝገልጽን። ከም ናይ’ዚ መረጋገጺ ከኣ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ዘይብሉ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብዘይተጣየሰሉ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ መረጻ ኣብዘይተኻየደሉ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብህዝቢ ዘይኮነ ብጃንዳዊ ውዲታዊ ጉጅለ ኣቢሉ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዝተሰምየ ውልቀ ሰብ ምሉእ ምሕረት ወዲቑ ንረኽቦ።

ንሱ ዘቑመንን ዘፍርሰንን ብሚኒስትሪታት ዝጽወዓ ኣብያተ ጽሕፈታትን፣ ንዓኣኣተን ከካይድሉ ዝመደቦም ፖለቲካዊ ህይወት ዘይብሎም ስማውያን ሚኒስተራት፣ ዞባታትን ንኡስ ዞባታትን ኢሉ ዝገልጸን ምምሕዳራትን ንዓታተን ዝመርሑ መልእኽቲ ጥራሕ ዘበጻጽሑን ዘፈጽሙን ስማውያን ኣመሓደርትን፣ ንዝምድናታት ወጻኢ ዝምልከት፡ ኤምባሲታትን ቆንስላን ኣብያተ ጽሕፈታትን ንዓታተን ክመርሑ ብዝብል ሽፋን ኣብዘይ ሕጋዊ ንግዲን መሸጣ ዜጋታቶም ዝነጥፉ ስማውያን ኣምባሳደራት ምህላዎም’ዩ።

ከምኡ’ውን ብሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ሃገራዊ ፖሊሱ፡ ፍሉይ ኣሃዱ …ወዘተ ዝጽውዑ ናይ እኹባት ሰብ ብረት ውዳቤታትን ንዕኡ ዝመርሑ ኮለኔላትን ጀነራላትን፣ ነገርቲ መርድእ ዝኾና ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን ንዓኣተን ዝመርሑን ዘካይዱን ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝእዝዞ ስነ-ምግባር ወጻኢ፡ ኣብ ምቅንጃው ዝና ሓደ ሰብን ጉጅለኡን ምድንጋር ህዝብን ምጉህሃር ጽልእን ኲናት ዝነጥፉ ካድራት ጋዜጠኛታትን ውዕሎን ኣተሓሳስባን ብጽሞና ብምክትታል ብዛዕባ ትማሊ ዝዝርክ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ድማ ዝእምት ሰባዊ ኣተሓሳስባ፡ ሳዕሪ ብላዕ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ጎሊሁ ከም ዝረአ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

እዚኦም ኩሎም ኣብ ሕጋውያን ደሞክራስያውያን ስርዓታት ዓበይቲ ትካላት’ዮም። ኣብኡ ዝምደቡ ሰባት’ውን ከም ስልጣን ዓቢ ስልጣን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝግበርረን ዝግበር ዘሎ ግን ኩሉ ኣፍልጦን ፍቓድ ህዝቢ ዘይብሉን ዘይሕጋዊ ትካላትን ሓላፍነትን’ዩ። ኣብ’ዚ በፍጹም ንህዝባውን ሕጋውን ልዕልነትን ዝቐበልን ዘኽብርን ሕልና ኣይረአን። እዚኦም ኩሎም ናይ ጉጅለ ህግደፍ በሓትን ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ እንስሳዊ ኣተሓሳስባን ‘ምበር፡ ሰብኣውን ህዝባውን ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎ ዘመልክቱ ኣይኮኑን። እዚኦም ኩሎም እዚ ህዝቢ ትማሊ ብዝኸፈሎ መስዋእትን ዘመዝገቦ መስተንክራዊ ድሙቕ ዓወታትን፣ ኩሉ ሸነኻዊ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡን ዝግደሱን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ዝዕቅቡን ናብ መጻኢ ወለዶ ድማ ዘሰጋግር ሕልና የብሎምን።

ህግደፍ ኢደ ወነናዊ ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር እነሆ ናብ 30 ዓመት ይጽጋዕ ኣሎ። እዞም ሽሞኛታት ግን፡ እዚ ህዝቢ ከም ህዝቢ እንታይ ክረክብ ተቓሊ? መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ህይወት ደቁ ከፊሉ፡ ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ? ጽባሕ እንታይ ክኸውን’ዩ? ብሓላፍነት ዝርኢ ሕልና ከም ዘለዎም ዝሕብር መረዳእታ የለን። እንትርፎ ንጎይታኦም ከሓጉሱን ከብዶም ክመልኡን ምስምስ እናፈጠሩ ከም ተመን ክቕጥቅጥዎን ከም ጸላኢ ቆጺሮም ክሃድንዎን ንድሕነት ክከላኸሉ ተራእዮም ኣይፈልጡን። ከም ካብ ኣብራኹ ዝወጽኡን ሚኒስተር ጀነራል’የ ኢሎም ነብሶም ዝገልጹን መጠን ህዝቢ ክብደል እንከሎ ብወግዒ ኣይፋል ክብሉ ነይርዎም። ብእንስሳዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝምርሑ ግን፡ ኣብ’ዚ ኣስታት 30 ዓመት ወገን ህዝቢ ዝኾንሉ ኣጋጣሚ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ካልእ ይትረፍ ካብ ውሽጦም ብገለ ህዝባዊ ኣስተሓኮ ዘለዎም ተበዓት ንዝለዓል መሰልና ክብረትን ህዝብና ዝትሕዝቶኡ ርእይቶን ዝግበር ምንቅስቓስን፡ ናብ ሓደ ሰብን ከብዶምን ወጊኖም ኣሕሊፎም ክብዎም፡ ክሃድንዎምን ክርሽንዎምን ‘ምበር፡ ሓቆም ኢሎም ክከራኸርሎም ተራእዮምን ተሰሚዖምን ኣይፈልጡን። ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ረቛሒታት’ዚ ኣወንታዊ ተራ ዘይጻወቱ ትካላትን ሓላፍትን ስማውያን ክበሃል ከኣ ኣብ ቦትኡ ይኸውን። ናይ ህዝቢ ትካላትን ኣመሓደቲ ህዝብን ዘይኮይኑስ ናይ ሓደ ሰብ ትካላትን ሽሞኛታትን’ዮም። ብዛዕባ ኩነታት ህዝቢ ናይ ትማሊ ታሪኹ፡ ናይ ጽባሕ ዕድሉ ግዲ ዘይብሎም ንሎሚ ጥራሕ ከመይ ንጎይታኦም የሐጉሱ፡ ከብዶም ይመልኡን ጥራሕ ዝሻቐሉ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ኣገልገልቲ (ባሮት) ሓደ ሰብ’ዮም።

ብሓሳብን ብተግባርን ኣገልገልቲ (ባሮት) ሓደ ሰብ ምዃኖም ዘረጋግጸልና፡ ንኣብነት ኣብ ሕጋውያን ደሞክራስያውያን ስርዓታት፡ ሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ክበሃል እንከሎ፡ ብመጽናዕቲ፡ ብምርጫን ብቕዓትን ጥራሕ ዝርከብ፡ ብቐሊል ብውልቀ ሰባት ዘይዝወር ዓበይቲ ትካላትን ሓላፍነታትን’ዩ። እዚ ትካላትን ሓላፍነታትን’ዚ ካብ ግሉጽ ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኣፍልጦ ህዝብን ወጻኢ፡ ብሰናይ ድሌት ሓደ ሰብ ኣይገላበጥን። ኣይ ድስክልን ኣይበራበርን።

ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ስማውያን ሚኒስትሪታትን ሚኒስተራን ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ሓላፍቲ ክፍልታትን ግን ኣይኮነን ንህዝቢ ነዛ ገዛእ ርእሶም ንመሰሎም ዝጣበቑ ዝከላኸሉ ኣይኮኑን። ብደረጃ’ቲ ዝጽውዕሉ ስልጣን ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስቡ፡ ብሓሳብን ተግባርን ናብ ተንቀሳቓሲ ማሽን ሓደ ሰብ ዝተቐየሩ፡ ንእለቱ ከብዶም ከመይ ይመልኡ ጥራሕ ትኹረት ዝገብሩ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መንነትን ሞራልን ዘይብሎም ኣገልገልቲ’ዮም። እዚ ጥዑይ ኣእምሮ ናይ ዘለዎ ብመንነቱ ዝተኣማመን ሰብ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። እንስሳዊ ባህርን ኣተሓሳስባን’ዩ። ብተመሳሳሊ ናይ ኣመሓደርቲ፣ ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ህግደፍ ኣተሓሳስባን ተግባርን’ውን ከምኡ’ዩ።

ኣብ ሕጋውያን ደሞክራስያውያን ስርዓታት ኣማሓዳሪ፡ ኣምባሳደር፡ ቆንስላ ክበሃል እንከሎ ቀሊል ስልጣን ኣይኮነን። ዓቢ ሓላፍነት’ዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ግን ስልጣን ዝወሃብን ዝንፈግን ብሕግን ብህዝብን ዘይኮነስ፡ ብድሌት ሓደ ሰብ’ዩ። ኣገልግለቱ’ውን ንሓደ ሰብ’ዩ። ንግዝያዊ ከብድኻ ክትመልእን ንክብሪ ሓደ ሰብን ጥራሕ ምንባር ካብ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ሕልናን ዝወረደ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ሕጋውያን ደሞክራስያውያን ስርዓታት፡ ውትህድርና ብግዴታ ዘይኮነ፡ ብድሌትካን ብፍልጠትን ትኣትዎ ክቡር ሞያ ምዃኑ ይፍለጥ። ብመሰረት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ናይ’ታ ሃገር ዘፍቅዶ ዝቐውም፡ ድሕነትን ዕቤትን ህዝቢ ማእከሉ ገይሩ፡ ካብ ደገ ንዝመጽእ ጸላእን፡ ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ብሓይሊ ንምፍራስ ንዝለዓል ዓመጽ ንምቁጽጻርን ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነትን ዝሓትት ረዚን ተልእኾ ዘለዎ ክቡር ዓውዲ’ዩ። ኣብ’ዚ ዓውዲ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ጀነራልነት ዝወሃብ መዓርግ ድማ፡ ብመልክዕ ህያብ ብሰናይ ፍቓድ ናይ ሓደ ሰብ ዝወሃብን ዝንፈግን ዘይኮነስ፡ ንጹር ሕግታት ዘለዎ፡ ብሓዊ ተፈቲንካ፡ ብወተሃደራዊ ሳይንስ ተመልሚልካ፡ ብህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ተሃኒጽካ፡ ህዝባውን ስነ-ምግባራውን መምዘኒታት ኣማሊእካ ዝርከብ፡ ኩርዓት ህዝብን ሃገርን ዝኾነ መዓርግ ( ስልጣን)’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ብጀነራልነት ዝጽውዑ መኮነናት ግን፡ ኣይኮነን ህዝቢ እቲ መዓርግ ከመይ ረኺበሞ ወይ በጺሐሞ ክፈልጥ፡ ንጹር ሕጋዊ ቅጥዒ ስለ ዘየለ፡ ገዛእ ርእሶም’ውን እንታይ ምስ ኣማልኡ ተዋሂቦም ይፈልጥዎ’ዮም ክትብል ኣጸጋሚ’ዩ። ኩሉ ኣብ ሰናይ ድሌት ናይ ሓደ ሰብ ሽርሕን ጉርሕን ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ፡ በየናይ መምዘኒታት መዓርግ ከም ዝተዋህቡ፡ ብምንታይ ምኽኒያት ከም ዝደስከሉ፡ መዓርጎም ከም ዝተቕንጠጡ፡ ከም ዝተኣስሩ፡ ወይ ከም ዝተቐትሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ዝፈልጦ የብሉን። ንሳቶም’ውን ካብ ተራ ህዝቢ ዝሓሸ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኩሉ ዝፈልጥ ዝገብር ሓደ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ኣተሃናንጻ ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብ’ቶም ብሓይልታት ምክልኻል፣ ሃገራዊ ድሕነት፣ ሃገራዊ ፖሊስ፣ ፍሉይ ኣሃዱ ….ወዘተ ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ዝተፈላለዩ ክፍልታት በብድረጅኡ ዝርከቡ ወተሃደራውያን ሓለፍትን ተራ ኣባላትን ኣይኮነን ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ክሓሳቡ፡ ህዝባዊ ወገናውነት ተሰሚዕዎም ፍኒሕኒሕ ክብሉ፡ ገዛእ ርእሶም ሓራ ዘይወጽኡ ምሉእ ዕድሜኦም ብሳንቡእ ሓደ ሰብ ዘስተፍሱ እኩባት ሰብ ብረት’ዮም። እዚ ከኣ ብፍላይ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ወተሃደራዊ መደይ ምስ ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነት መንጽር ክረአን ክምዘንን እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣዝዩ ድማ ዘሕፍር፡ ካብ ሰባዊ ኣተሓሳባ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ ውድቀት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይተራእየ ናይ ኣተሓሳስባ ጉልበትን ባርነት’ዩ።

                                                         ሳልሳይ ክፋሉ ይቕጽል

ብሓልዮ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 29-10-2019