እንሳሳ ከም ህይወት ዘለዎ ፍጡር መጠን፡ ክበልዕ ክሰቲ ኣለዎ። ክበልዕ ክሰቲ ድማ፡ ከከም ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ፡ ናብ ሳዕሪ፡ ፍረታትን ስጋን ዝረከበሉ ክኸይድ፡ ኣብ በዓቲ ጉድጓድ ድዩ ጫካ ድማ ክሰፍር ኣለዎ።

ብዝዓቕሙ’ውን ካብ ጸላእትን ተጸባእትን ንዝመጽኦ መጥቃዕቲ ክከላኸል፡ ምስ ተቓራኒ ጾታ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ክወልድ ….. ወዘተ ካብ ባህሪያዊ ግድነታት’ዮም።

ከከም ባህሪኡ እቲ ሳዕሪ ዝበልዕ ናብ ኣዝርእቲ፡ ቆጽለ መጽልን ፍረታትን፡ እቲ ስጋ ዝበል ዝበልዕ ናብ ንሱ ዘጥቀዐን እንስሳታት ዝርከባሉ ክኸይድ፡ ከምኡ’ውን ናብ ማይን መዕቆቢ ዝረኽበሉ ቦታን ይኸይድ ማለት ግን፡ ድሕሪ ተመሊሱ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ እንታይ ነይሩ፡ ታሪኽ ወለዶታቱ ይፈልጥ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ንጻባሕ ድሕሪ ጽባሕ እንታይ ክጋጥሞ ወይ እንታይ ክገብር ግዴታ ከም ዘለዎን ከመይ ድማ ምድላዋት ከም ዝገብርን ራእይ ወይ ቅድመ ትንበያ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

እንስሳ ናይ ትማሊ ኣይዝክርን ናይ ጽባሕ ኣይእምትን። ንብድሕረይ ዝመጽእ ወለዶ እንታይ ከውርሶ’የ፡ መጻኢ ወለዶ ብታሪኽ ከመይ ክገልጸኒ’ዩ ዝብል ሓላፍነታዊ ስምዒት የብሉን። እንስሳ ንሽዑ ( ንግዝይኡ) ጥራሕ’ዩ ዝሓሳብ። ጾታ ርክብ ዝፍጽም’ውን ናይ ተፈጥሮ ግዴታ ስለ ዝኾኖ ጥራሕ’ዩ። ጾታ ርክብ ምስ ፈጸመ ክወልድ ከኣ ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ዝተወለዶ ንዝተወሰነ ዓመታት ፍቕርን ክንክንን ናይ ወላዲቱ ይረክብ’ዩ። ምስ ጎበዘ ግን እታ ኣደ ኣይትከናኸኖን፡ እቲ ውላድ’ውን ናይ ኣደ ፍቕርን ሓልዮትን የብሉን። ብሓጺሩ እንስሳ ናይ ትማሊ ሓደራ ተቐቢሉ፡ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ዝስከም ኣይኮነን። ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ክወልድ እንከሎ ዘርኢ ክትክእ ኢሉ ሓሲቡ ኣይኮነን። ክበልዕ ክሰቲ እንከሎ’ውን ተፈጥሮ ዘዳለወሉ ጥራሕ’ዩ ዝጥቀም። ስለዚ ከኣ ንግዝይኡ ዝነብር ራእይን ሓላፍነት ዘይብሉ ፍጡር’ዩ።

ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ንወዲ-ሰብ ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ክብል ይገልጾ። እንተኾነ ግን ወዲ-ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዘቤት ኮነ ዘገዳም ዝፈልዮ ነገር ኣለዎ። ፍሉይ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ። ናይ ምዝካርን መጻኢ ናይ ምእማትን፡ ንኻልእ ደገፍ ምሃብን ካብ ካልእ ደገፍ ናይ ምርካብን ዘኽእሎ ፍልጠት ኣለዎ። ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዶታት ሕማቕን ጽቡቕን ታሪኽን ተመክሮን ይሰምዕ፣ የንብብ፣ ይምዝግብ’ዩ። ካብ’ቲ ሕማቕን ጽቡቕን ድሑርን ምዕቡልን ትምህርቲ ይወስድ። ነቲ ሕማቕን ድሑርን ከይደግሞ ይጥንቀቕ። ነቲ ኣወንታውን ምዕብሉን ድማ ብግቡእ ይዕቅቦ፡ ከም መወከሲ ይጥቀመሉ።

ወዲ-ሰብ ዝሓለፈ ይዝክር፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ድማ ክስከም ግዴታ ከም ዘለዎ ይፈልጥ’ዩ። ምስ ተቓራኒ ጾታ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም እንከሎ፡ ከም’ቲ ናይ እንስሳ ንግዝያዊ ስምዒታዊ ርውየት ኢሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓሲብሉ ክወለድ ስለዚ ከኣ፡ ወሊዱ ክስዕም፡ ታሪኸይ፣ ባህለይ፣ ቋንቋይ፣ መንነተይ፣ ሃብተይ፣ ዝዕቅብ ዝወርስ ሓድጊ ክገድፍ ኣለኒ ኢሉ፡ ብርድኢት ብመደብ ዝፍጽም ፍጡር’ዩ። ክሳብ’ቲ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዝፈቕደሉ ዕድመ ብህይወት ንምጽናሕ ከኣ፡ ዘድልዮ መግቢ፣ ክዳን፣ መጽለሊ (ገዛ) መድሓኒት ንምርካብ፡ ደረጃ ትምህርቱን ምርምሩን ብምስፋሕን ምምዕባልን ካብ ናይ ተፈጥሮ ተጸባይነት ክወጽእ ይጽዕር። ንልግሲ ተፈጥሮ ንሱ ናብ ስደልዮ መልክዕን ትሕዝቶ ቀይሩ ናይ ምጥቃም ልዑል ተኽእሎ ዝተዓደለ ፍጡር’ዩ። ብደረጃ’ቲ ዝተዓደሎ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ፡ “ኣነ እንተ ሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዓይነት እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዘይኮነ፡ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ምርካብን ብግቡእ ዓቂቡ ናብ’ቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ ናይ ምስግጋርን ንመጻኢ ናይ ምእማትን ጥጡሕ ባይታ ምምድማድን ግዴታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።

በዚ መንጽር ንዘቤታዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ተራ ህልኽ፡ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ርሒቕና፡ ብሰብኣውነት፣ ሕጋውነት፣ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ታሪኻዊ ሓልፍነት እስከ ንምዘኖ ንግመግሞ። እቲ ብገለ የወሃትን ተበለጽትን ውድብና መንግስትና ዝበሃል ዘሎ ሓይሊ፡ ሕጋዊ ኣተሃላልዋኡ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፣ ዕለታዊ ተግባሩ እንታይ ይመስል? ከመይ ይግለጽ? ንሕሉፍ ህዝባውን ሃገራውን ታሪኽን ተመክሮን ዝዕቅብ፡ ንመጻኢ ወለዶ ድማ ጥጡይ ባይታ መድሚዱ ናይ ምሕላፍ ሓላፍነት ዝተሰከመ ድዩ ወይስ፡ ካብ ሰብን ሰብኣዊ መስመርን ወጺኡ ብእንስሳዊ ባህሪ ዝምራሕ ንግዝይኡ ጥራሕ ዝነብር ናይ ጥፍኣት ዕስለ?

እዚ ጉጅለ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ስለ ዝኾነ፡ ብናይ ሰብ ቋንቋ’ዩ ዝዛረብ። እቲ ካብኡ ዝወጽእ ቃላት ወይ ሓሳባት ግን፡ ዝነበረ ሃገራዊ ፍቕርን ሓድነትን ዝዘርግ ዝብትን’ዩ። ዘይነበረ ምጥርጣርን ጽልእን ድማ ዝዘርእ’ዩ። ስነበረ ስሩት ህዝባዊ ክርታት ደምሲሱ፡ ኣብ ራዕዲ ዝነብር ነፍሰ ፍትወታዊ ኣተሓሳስባ ኣተኣታትዩ ንሓድሽ ወለዶ ኣደናጊሩ፡ ብነዓይ ይጥዓመኒ ግዝያዊ ከብዲ ምምላእ ዝምራሕ ዝባኑ ዝቐልዐ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ዝምረሓሉ ኮነ ዝመርሓሉ ግሉጽ ቅቡል ቅዋም ሃገራዊ ሕጊ የብሉን። ብዓይኒ ሰብኣዊ ሓልዮትን ክብረትን ካብ መስመር ሰብኣውነት ፍጮ ዝወጽአ፡ ምስ ሬሳ ዝበኣስ፡ ኣብ ዳስ ሓዘን ተኣኪቡ ዝጉይል፡ ብመሪር ስቓይ፡ ጥሜትን ዓጸቦን ዜጋታት ናይ ዓወት ክብረት ተሰሚዕዎ ዝፍሳህ ናይ ጥፍኣት ዕስለ’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ማእከሉ ናይ ውልቀ ሰብ ዝናን ክብርን ምቅንጃው’ዩ። ከይደ እንተኢሉ ከኣ ጉጅላዊ ረብሓ ብዘምጽእ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስያውያን ኣተሓሳስባ ዝተቓነይ’ዩ። ተግባሩ ድማ ፋሽሽታዊ’ዩ። እኩብ ድም ናይ ዘይህዝባውነቱ፡ ዘይሕጋውነቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባሩን መግለጺ ድማ፡ ብዛዕባ ትማልን ጻባሕን ዘይሓስብ እንስሳዊ ባህሪኡ’ዩ።

                                                         ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 28-10-2019