እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 44 guests and no members online

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ኣቦ-ምንበር ኦዲት ኮሚሽን

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ መ/ር ኣፈወርቂ ኣብራሃ ዝገበርቶ ቃለ-መጠይቕ፡

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ሕቶ፡- ዋላ ከም’ቲ ዝበልካዮ ስለምንታይ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተፈልዩ ካልእ ሕቶታት ዘልዕል እንተኾነ፡ ግን ከም ተራ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ውድብ መጠን ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ንጹሃትን ውፉያትን ዝነበርዎ ውድብ’ዩ። ድሙቕ መስተክራዊ ወተሃደራዊ ዓወታት’ውን ኣመዝጊቡ’ዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክኾርዓሉ ክሕበነሉ ዘለዎ ሃገራዊ ታሪኽ’ዩ። ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ግን ብፖለቲካ ደኣምበር ብወተሃደራዊ ስነ-ኣእምሮ ኣይምራሕን። ክምራሕ እንተተፈቲኑ ከኣ ውጽኢቱ ውድቀት ከም ዝኸውን ዘካትዕ ኣይኮነን። ብዝኾነ ግን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ዝተናወሐ መስርሕ ቃልሲ ዝኾነ ኣሉታዊ ኣበር ዘይነበሮ ብጹዕ ውድብ፡ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ውድብ፡ ብቑዕን ውፉይን መሪሕነት እናበለ’ዩ ነብሱ ምስ ህዝቢ ከላሊ ዝፍትን። እቲ ኩሉ ኣብ ሰውራ ዘጋጠመ ቅልውላውን ዕንቅፋታትን ናቱ ኢድ ዘይብሉ ናይ ግዳም ኢድ ምትእትታውን ነዚ ዘተኣናግድ ናይ ገለ ጉጅለታት ሃገራውያንን እናበለ’ዩ ንህዝቢ ዝምህር። ክሳብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ነቶም ዓበይቲ ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ ህጻናትን መንእስያትን በዚ ዝተዛበዐ ታሪኽን ተመክሮን ገይሩ ትምህቲ ከም ዝህብ’ዩ ዝሕበር’ሞ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ኣበር የብለይን ዝብሎን ብተግባር ቅድምን ድሕርን ነጻነት ኣብ ተጋደልትን ህዝብን ዝፈጸሞም ገበናትን እናነጻጸርካ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

መልሲ፡- እቲ መንእሰይ ብፍላይ ኣብ 1991 10-15 ዓመት ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተወልደን እቲ ሰውራ ከመይ ተጀሚሩ፡ ኣብ መስርሕ እንታይ ጸገማት ኣጋጢምዎ፡ ጠንቂ መን ነይሩ፡ ብሳዕበኑ ‘ኸ እንታይ ጉድኣት በጺሑ፡ እዚ ሕጂ ከም ሃገር ንርከበሉ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ከኣ መን ኣምጺእዎ መን ከ ይሕተተሉ ዝብሉ መሰረታዊ ነገራት ብጭቡጥ መረዳእታ፡ ኣፍልጦ ኣለዎ ዝብል እምነት የበለይን። ስለምታይ ነቲ ዝነበረ ሓቂ ብትኽክል ዝመሃሮ ወገን ስለ ዘየለ። መንእሰይ ወለዶ ካብ ባዶ ኣይብገስን። ቅድሚኡ ካብ ዘለዎ ወለዶ ዝጸንሖ ታሪኽን ዝወሃቦ ኣስተምህሮን መሰረት ገይሩ ናቱ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን እናፈጠረ ዝቕጽል። ስለዚ ከኣ ምርኩስ ምዕባለኡ ቅድሚኡ ዘሎ ወለዶ ክገብር እንተደኣ ኮይኑ ከኣ፡ ነቲ ታሪኽ ዝምግቦ ዘውርሶ ዘሎ ኣካል ዝመስል ኣገንዝቦ ክህልዎ ናይ ግድን’ዩ። ዝተዛበዐ ታሪኽ እንተተማሂሩ፡ ሓቂ ክሳብ ዝፈልጥ ነዊሕ ግዜ ክወስደሉ’ዩ። ሓሶት እንተተማሂሩ፡ ንካልኦት ዝንዕቕ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ክዓቢ እንተተፈሪድዎ ካብ’ዚ ድሕረት’ዚ ክወጽእ ብዙሕ ቃልስን ትዕግስትን ከድልዮ’ዩ።

መንእሰይና ብልክዕ ክንገሮ ዝግበኦ ኣይኮነን ዝንገሮ ዘሎ። ክመሃሮ ዝግበኦ ኣይኮነን ዝመሃር ዘሎ። እቲ ስርዓት ኩሉ ገበናቱ ሓቢኡ መሲሉ ክነብር ብዘይ ታሪኹ ተመላኺዑ ክነብር’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እዚ ሎሚ ዝጀመሮ ኣይኮነን። ካብ ከም ውድብ እንክውለድ ጀሚሩ ሒዝዎ ዝመጸአ’ዩ። ኣብ ሕቶ ምሕዝነትን ስምረትን ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ምስ ውድባት እንታይ ይሰማማዕ፡ ብትሕቲ ጠረጴዛ እንታይ ይገብር፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ንዝነበር ህዝቢ እንታይ ይብሎ፡ ኣብ’ቲ ካልእ ንዘሎ’ኸ እንታይ የመሓላልፈሉ ከም ዝነበረ እቶም ሽዑ ዝነበርና ብጽቡቕ ንዝክሮ ይመስለኒ። ስለዚ እቲ ዝመጽኣሉ ብጥልመትን ደምን ዝጨቀወ ታሪኹ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ክፈልጦ ኣይደልን። እቲ ታሪኽ’ቲ ዝግለጸሉ ኣጋጣሚታት እንተተረኺቡ’ውን ነቶም ሓቀኛ ታሪኽ ዝምህሩ ሰባት ብምቕታል ከጥፈኦ ከም ዝጽዕር ብተግባር ዝተረጋገጸ’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ኣብ’ዚ ነቲ ህይወት ከፊለ ሃገረይ ነጻ ከውጽእ’የ ህዝበይ ሓራ ክገብር’የ ብዝብል ኒሕ ዝቃለስ ዝነበረ ተራ ተጋዳላይን ዘለዎ ነጊፉ ዘስንቕ ዘዕጥቕ ዝነበረ ሓፋሽ ውድባት ናይ’ቲ ውድብን ቀይዲ ኣልቦ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጉጅለን ክደዋወስ የብሉን። እቲ መሰረታት ብንጽህና ሃገራዊ ግቡእ ገይሩ’ዩ። በዚ ከም ሃገራውያን ክንሕበን ይግበኣና። እንተቲ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጉጅለ ግን ጠንቂ ናይ ትማልን ሎሚን ሃገራውን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ሕማምና ንሱ ብምዃኑ፡ ብግቡእ ክፍለጥ መን እንታይ ገይሩ ኣበይ ቦታ መዓስ ተጻፊፉ ክስነድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ’ቲ ውድብ ነዚ ዝተገልጸ ዘይደሞክራስያዊ ኣካይዳ ናይ’ቲ መሪሕነት ብኣጋ ዝተገንዘበ፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ወይ ብወግዕን ዘይወግዓውን ኣገባብ ዓገብ ዝብል ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ነገራት ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝተረድኡ ምሁራትን ንቑሓትን እዚ ጉዳይ ካብ ዘለዎ ከይገበለ መእለዪ ይገበረሉ ዝብል ሓሳባት የቕርቡ ነይሮም’ዮም። ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን። በቲ ናይ ዝናን ስልጣንን ስሰዐ ዝዓወረ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጉጅለ፡ ዘይ ናቶም ኣስማት እናተጠመቑ ብኽድዓትን ነብሰ ፍትወትን እናኸሰሱ ንገለ ብወግዒ ብእኩብ፡ ንገለ ብተነጻል ክሳብ ምስ ቀዳማይ ጸላኢ ኣብ ዝዋግእሉ ወቕቲ፡ ብድሕሪትን ብኩሊትን ዕሱባት እናለኣኸ፡ ንገለ ድማ ኣብ’ቲ ሓለዋ ሰውራ ዝብሎ ዝነበረ ኣእትዩ’ዩ ዘሕቅቖም ነይሩ። ድሕሪ 1991 መንግስታዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ’ውን ብዙሓት ግሁዳትን ዘይግሁዳት ተቓውሞታት ተዓዚብና ኢና። ነዚ ከኣ ዝተለመደ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ጭውያን ክንጸለን ስጉምቲ ክውሰደሎም ኢና ክንከታተል ጸኒሕናን ዘለናን። ብወግዒ ውሽጥና ንፈትሽ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዝምረሓሉ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ንኺድ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ንኣውጅ፡ ቅዋም ንተግብር ዝብል ርእይቶ ዘልዓሉ ላዕለዎት መራሕቲ ግንባርን መንግስትን ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት እንታይ ከም ዘጋጠሞም ናይ ቀረባ መረዳእታ’ዩ።

ስለዚ እቲ መንግስቲ ቅኑዕ’ዩ ዝተመለኣ ስርዓት’ዩ ኢሎም ዝገልጹ ኣለው ዝበልካዮ እወ ከምኡ ዝብሉ ኣለው’ዮም። ግን ገሊኦም ካብዘይ ኣፍልጦ መሲልዎም ዝብልዎ ክኸውን’ዩ። እቶም ገለ ድማ ኮነ ኢሎም ውልቃዊ ረብሓታት መታን ክረኽቡ ፈጢሮም ክውድሱን ከመላኽዑን ዝተዋፈሩ’ዮም። ምኽንያቱ ስርዓት ህግደፍ ከይሰርሐ ከየፍረየ ህዝባዊ ሕቶታት ከይመለሰ ክውደስ ዝደሊ መኻን ስርዓት’ዩ። ዜጋታት ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ከወድስዎ ጥራሕ’ዩ ዝደሊ። እንተዘይወዲስካዮ፡ ዝተፈልየ ሓሳባት እንተእምጺካ ኩሉ ግዜ ብዓይኒ ጥርጠራ’ዩ ዝከታተለካን ንምጥፋእካ ውዲታት ዝኣልመልካን። ስለዚ እዚ ስርዓት’ዚ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምንታይ ኣብጺሕዎም ኣሎ ንሪኦ ዘለና ስለ ዝኾነ ብኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ክፈርስ ክዓኑ ዘለዎ ስርዓት’ዩ በሃልየ።

ሕቶ፡- እዚ ክትገልጾ ዝጸናሕካ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊኡ ድዩ ጸላኢኡ፡ ብመረዳእታ ኣሰኒኻ ርእይቶኻ እንተትገልጸልና?

መልሲ፡- ቅድሚ 1991 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ምስቲ ኩሉ ዘይደሞክራስያዊ ባህሪኡን ኣሰራርሓኡን ሃገራዊ ዘብሎ ዕትብቲ ነይርዎ’ዩ። ኣብ ዓውደ ውግኣት ልሉይ ተራ ዝጻወት ተራ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ውድብ ስለ ዝነበረ። ውድብ ነይሩ መንግስቲ ምስ ኮነ፡ ሃገር ካብ ግዳማዊ መግዛቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ምስተሰጋገረት ግን ብቐጥታ ብኣረኣእያኡ ፖሊሲታቱ ተግባራዊ ንጥፈታቱ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ ኮይኑ፡፡ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ድማ እዚ ሎሚ ኮይኑ ዘሎ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ተራ ሃገራዊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ደምበ ፈታዊ ናብ ደምበ ጸላኢ ከም ዝሰጋገር ኣብ መወዳእታ ሰመኒያታት ብወግዒ ብዝተሰነደ ድምጽን ጽሑፋትን ዝኣመቶን ዝምህረሉ ዝነበረን’ዩ። ስለዚ ንዓና ከም ውድብ እዚ ናይ ሕጂ ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ዘይገመትናዮ ኣይኮነን። ውድብና ብገምጋም ብፖለቲካዊ ተንታትን ኣቐዲሙ ዝበጽሖን ህዝቢ ክፈልጥን ንዳግማይ ቃልሲ ክዳሎ ከም ዘለዎ ዝህቦ ዝነበረ ኣስተምህሮን’ዩ ተጋሂዱ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምርዳእ ናይ ቀደም ሰነዳት ናይ’ቲ ውድብ ረኺብካ ምንባብ የድሊ። ስለዚ ብቐጥታ ነቲ ሕቶ ንምምላስ ህግደፍ ሎሚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ብቕዓትን ድሌትን ዘይብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቑ ድዮም ኣብ ባሕሪ ዓሳ ዝበልዖም ምንም ዘይመስሎ ናይ ስርዓትን መንግስትን መምዘኒታት ክትህቦ ዘጸገም ስርዓት’ዩ። ከም’ዚ ዝገብር ከኣ ፈታዊ ህዝቢ ክኸውን ዘኽእሎ ነጥቢ ስለዘይብሉ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ምዃኑ ተግባሩ ኣንዳዕዲዑ ዝሕብሮና ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

ሕቶ፡- ብዙሓት ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካልኦት ደረኽቲ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብን ይዋስኡ ከም ዘለ ዝፍለጥ’ዩ። ነዚ ብቐረባ ትከታተሎ እንተደኣ ኮይንካ ኣወንታውን ክእረም ኣለዎ እትብሎ ኣሉታዊ ጎኑን ንሰማዕትና እንተተገልጸልና?

መልሲ፡- ጽቡቕ እቲ ሕቶታት ክለዓል እንከሎ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እንተዝረአ ነይሩ፡ ሜዳ መን በሓተ ዝብል ሕቶ ኣይምተላዕለን። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ሕድሕድ ምቅትታል’ውን ኣይመስዓበን ነይሩ።   ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ሕሉፍ ደሞክራስያዊ፡ ፋሉል፡ ዝብል ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከኣ ኣብ 1973 ንዝተራእየ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ)ን የሚንን ዝብሎ ኣስማት እናህብካ ምጥቕቓዕ ኣይምተላዕለን ነይሩ። ስለዚ እንታይየ ክብል ደልየ ናይ ምሕደራ ጉዳይ ደኣምበር ናይ ውድባት ምብዛሕሲ ጸገም ኣይኮነን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝነበራሉ፡ ዝነበረ ምንጽጻግን ስዒቡ ዝመጽአ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ሕድሕድን ውድባት ብምዛሐን ሜዳ ኤርትራ ስለ ዝጸበበን ዘይኮነስ፡ ኣብ መራሕቲ ውድባት ዝነበረ ዘይደሞክራስያዊ በሓትን ኣግላልን ኣረኣእያ ዝፈጠሮ ጸገም ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ንሓደ ውድብ ወድብ ከብልዎ ዝኽእሉ ረቛሒታት ኣለውዎ’ዮም። ኣብ መፈጸምታ ከብጸሖም ሒዝዎም ዝብገስ መትከላት ኣለውዎ። ምስ ካልኦት ውድባት ዘለዎ ዝምድና ኣበይ ዝተሰረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ብኸመይ ከመሓድሮ ከም ዘለዎን ኮታ ከከም ኩነታቱ ዘይኮነስ ዝተነጸረ ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ስኢሉ ክብገስ ከም ዘለዎ’ዩ ዝእመን። ተመክሮ ካብ ካልእ ክትወስድ ዘይምድላይ፡ ስለዚ ከኣ ቀዲመን ዝጸንሓ ወድባት፡ ምስ ድሒረን ዝተፈጥራ ወድባት ሓበሬታን ተመክሮን ዘይምልውዋጥ ኣሎ’ዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ንባህሪያትና ዘንጸባርቕ ይመስለኒ። እቲ ዝዕንቅፍ ዘሎ ከኣ ዘይተጸዋርነትን ዘይምቅብባልን ዝመሰረቱ’ዩ። እንተዘይኮነ ናይ ውድባት ምብዛሕ ፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን። ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን። ውድባት እንተበዝሓ’ኮ ኣማራጺታት ክበዝሕ’ዩ ዝገብር። ኣማራጺ ዝረኸበ ህዝቢ ከኣ ካብ’ተን ብዙሓት ነታ ትኾነኒ ትውክለኒ ዝብላ ክመርጽ ውሁብ’ዩ። ህዝቢ ዘይመረጸን ድማ ስዕረተን ተቐቢለን ትካላተን ኣፍሪሰብ ኣብ ህዝቢ ይኣትዋ ወይ ድማ ጉድለታተን ኣሪመን ንቐጸሊ ስራሕ ህዝቢ ዝስሕብ ተግባራት ክፍጽማ ምድላዋት ይገብራ። እዚ’ዩ እቲ ፍታሕ።

ካልእ እቲ ሕቶ ሓድነት ዝበሃል ብልቢ ዝስረሓሉ ዘሎ ኣይመስለንን። ሓደ ውድብ ብሓቂ ኣብ መትከላአቱ ዝተኣማመን ደሞክራስያዊ እንተደኣ ኮይኑ፡ ምስ ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘለወን ኮነ ዘይብለን ፖለቲካዊ ውድባት ተቐራሪብካ ፍልልያትካ ምጽባብን ምምሕዳርን ዘይምእማን ዘይምብቃዕ ህልዊ’ዩ። እዚ ክእረም ኣለዎ። በቲ ዘራኽበካ ናይ ሓባር ግንባራት ፈጢርካ ምቅላስ’ውን ሓደ ሜላ’ዩ። ድሕሪ ነጻነት ብዙሓት ግንባራት ተፈጢረን’የን። ህዝቢ’ውን ብታሕጓስ ተቐቢልወን’ዩ። ንኣብነት ኣብ 1992 ኣብ ጂዳ ተመስሪቱ ዝነበረ ኤርትራዊ ምሕዝነት ንሃገራዊ ቻርተር ዝበሃል ግንባር ተፈጢሩ ነይሩ፡ ኣብ’ቲ ደላዪ ለውጢ መቃለሲ ባይታ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ። ግን ነዊሕ ዕድመ ኣይጸንሐን ተበታቲኑ ነበረ ኮይኑ። ኣብ 1999 ኤርትራዊ ሃገራዊ ምሕዝነት ዝብል መጺኡ። ኣብ’ዚ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ተስፋ ኣንቢሩ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ደገፉ ገሊጽሉ። ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ግን ፍረ ኣይሃበን። ብኸመይ ተቖጽዩ’ውን ብሩህ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ድማ ተተኪኡ ብምልኪ ዝተሳቐየን ለውጢ ዝጽበ ዘሎን ህዝቢ ሕጂ’ውን ሰላም ክመጽኣሉ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተቓሊሱ ከቃልሶ፡ ንመላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ክኣልየሉ ተተስፍዩ። እንተኾነ እናሓደረ ኣብ ክንዲ ዝመውቕን ዝስውድን ብኣንጻሩ እናቖረረን እናሰሓወን መጺኡ እነሆ ኣብ ሓውሲ ደውታ ይርከብ ኣሎ።

ካብ’ዞም ዝገለጽክዎም ግንባራት ንላዕሊ ተምሳሌት ኤርትራዊ ብዙሕነት ተገይሩ ዝተወስደን ካብ ውሽጥና ሓሊፉ ፈተውቲ ቃልስና ከይተረፈ ተስፋ ዘንበርሉን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እነሆ ህዝቢ እናተጸበዮ፡ ኣብ መሪሕነት ብዝተፈጥረ ዘይምኽኑይ ዕንቅፋን ምትንዃላትን ኣይምውት ኣይስሩር ኮይኑ ይሰሓግ ኣሎ። ስለዚ ኣድላይነት ምሕዝነትን ሓድነት ከምኡ’ውን ሃገራውን ደሞክራስያውን ግንባራት ከም ሜላ ዝስገር ኣይኮነን። ኣብ ምቅልጣፍ ናይ ዓወት ቅኑዕ መቃለሲ ሜላ’ዩ። ግን ብንግበር ንግበር ብይኹን ይኹን ዝእቶ ክኸውን የብሉን። ንኣብነት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እንታይ’ዩ ኣብ ከም’ዚ ኣውዲቕዎ መን’ዩ ዝሕተተሉ ዝብሉ ነገራት ኣብ ህዝቢ የዛርቡ’ዮም። ካብ ዝምልከቶ ኣካላት ጭቡጥ መረዳእታ የለን። ኣነ ከም ዝመስለኒ ግን እቶም ዝመርሑ ዘለው ኣካላት ትርጉም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርን ብተግባር ሓቚፍዎ ዘሎ ጠባያትን ብደቂቕ ዝፈልጡ፡ ንዝተዋህቦም ዕማም ብብቕዓትን ተወፋይነት ኣብ መደምደምታ ከብጽሑ ድልዋት ዘይምዃን፡ ገለ ድማ ናብ ውልቀ ጠቕምን ዝናን ቀዳምነት ምጥማት ዝወለዶ’ዩ ዝመስለኒ። ምኽንያቱ ሓደ ግንባር ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ኣብ መሪሕነቱ ክፈሽለሉ ዝኽእል ካብ’ዚ ወጻኢ ካልእ ክመጽእ ኣይክእልን። ስለዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሕጂ’ውን “ ግንቡው በለሞ ኣይተኻዕወን” ከም ዝበሃል ናይ ምዕራይ ዕድል ስለዘለዎ፡ ኩሉ ግዱስ ብሓፈሻ እቲ በብደረጃኡ ክመርሕ ዝተመዘ ኣካላት ከኣ ብፍላይ ካብ ዓንቃፍን ጎታትን ኣካይዳታት ነጻ ወጺኡ ግንባር ህይወት ዘሪኡ ተስፋ ህዝቢ ናብ ዘለምልመሉ ደረጃ ንክበጽሕ አእጃሙ ከበርክት ኣለዎ እብል።

ሕቶ፡- ዝኸበርካ መ/ር ኣፈወርቂ ኣብ መእተዊ ናይ ዕላልና ኣብ ኢትዮጵያ ከም እትነብር ገሊጽካ ነይርካ፡ ብከመይ ኢኻ ህይወትካ ትመርሕ ወይ እንታይ ሰሪሕካ ኢኻ ትነብር ዝርዝር ኣቢልካ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

መልሲ፡- ሞያይ መምህርና’ዩ። ኣስታት ን25 ዓመት ብዳሪክተርነት ሰሪሐ’የ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን መምህር ኮይነ ይሰርሕ ኣለኹ። ኣነ ዳሪክተር እንከለኹ ኮነ መምህር ኮይነ ክሰርሕ እንከለኹ ከም ሰብ ንዝተመደበኩሉ ስራሕ ቀዳምነት ሂብካ ብጽፈት ምስራሕ ዝብል ባህርያት ኣለኒ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝኣተኽዎ ንህዝቢ ዝምልከት ከፍርየሉ ዝኽእል ስራሕ፡ ብዘይ ዝኾነ ተጎላባነት ብልክዕ ብምሉእ ዓቕመይ ስለ ዝዋሳእ፡ ምስ ህዝብን መሳርሕተይን ተወሃሂደ ስለ ዝሰርሕ ምስጉን’የ። ስለዚ ብሞያይ ሕጉስ’የ ብመነባብሮይ’ውን ሕጉስ’የ፡ ምስ ህዝቢ ዘለኒ ምትእስሳር ከኣ ዝያዳ ትኹረት ዝህበሉን ዕግበት ዝበንን’ዩ።

ሕቶ፡- ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ‘ከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

መልሲ፡- ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ዓይነት ኣነባብራ ዘለዎም ኤርትራውያን’ዮም ዘለው። እቶም ሓደ ካብ ቅድም ኣትሒዞም ኣብ’ዚ ዝጸንሑን ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን’ዮም። እቶም ካልኣይ ድሕሪ 2001 ብመልክዕ ስደት ዝመጽኡ’ዮም። ስለዚ ዝያዳ ኩነታት ናይ’ቶም ስደተኛታት ዝምልከት እንተርኢና፡ ልክዕ ከም’ቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ብሕጋዊ ኣገባብ ናይ ውድብ ሕቡራት ጉዳይ ስደተኛታት ናይ ስደተኛ ወረቐት ዝሓዙ’ኳ እንተኾኑ፡ ካብ’ቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ብዝተፈልየ ግን ውሕስነት ዝህቦም መቕርቦም ድዩ ፈታዊ እንተረኺቦም፡ ካብ’ቲ ናይ ስደተኛ መዓስከራት ብሕጋዊ መንገዲ ወጺኦም ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ’ዛ ሃገር ሕግን ስርዓት ኣኽቢሮም ክነብሩ መንግስቲ ብወግዒ ኣፍቂድሎም’ዩ። እዚ ሓደ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ይኹን ደኣምበር ገለ ገለ ኤርትራውያን ግን፡ ካብ’ቲ መዓስከራት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ወጺኦም ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝነብሩ ከም ዘለው፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዘይተደላዪ ጸጥታዊ ጥርጠራታት ከም ዝፈጥርን ይዕበ ይንኣስ ጉድኣት ክበጽሖም ከም ዝኽእልን ክርድኡ ጽቡቕ ይመስለኒ።

እዞም ካብ ዝተፈቕደ ሕጊ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ብርግጽ ውሑዳት’ዮም። ነቲ ሕጊ ኣኽቢሩ ዝንቀሳቐስን ዝነብርን ዝምልከት ኣይኮነን። ጽልዋኡ ግን ኣሉታዊ’ዩ። ይፈቶ ይጸላእ ስደተኛ እንተደኣ ኮይንካ፡ ስደተኛ ምዃንካ ብጸጋ ተቐቢልካ ሕግን ስርዓት ኣኽቢርካ ምኻድ ቅድሚ ዝኣገረ ንዓኣኣቶም ዝጠቅም’ዩ። ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኣመጻጽኣኦምን ባህሪያውን ጉርብትናን’ውን ዝምድና ናይ’ዞም ክልተ ህዝብታት ብግቡእ ስለ ዝርዳእን ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ስለዝሕዞን ከቢድ ተጽዕኖ’ኳ እንተዘይተገበረሎም፡ እቲ ጉድለታት ክደጋገም እንከሎ ግን መጀመርያ ተጎዳእቲ ንሳቶም ምዃኖም ክርድኡ ጽቡቕ’ዩ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ’ቶም ሕግን ስርዓት ኣኽቢሮም ዝኸዱ ኤርትራውያን ኩሎም ሓደ’ዮም ዝብል ዘይተደላዪ ስምዒታት ዝፈጥር ስለ ዝኾነ፡ ደጊሞም ደጋጊሞም እንተዝሓስብሉ ጽቡቕ ይመስለኒ። እቲ ዝበዝሕ ስደተኛ ግን በቲ ዝተፈቕደሉ ሕጋዊ መንገዲ’ዩ ዝኸይድ። ስለዚ እቶም ካብ ሕጊ ተሓቢኦም ክኸዱ ዝደልዩ ኣብ ገዛእ ነብሶም ሓደጋ ካብ ዝጽውዑ ኣካይዳኦም ከስተኻኽሉ ጥራሕ’የ ክመኽሮም ዝኽእል።

ሕቶ፡- ኣብ መወዳእታ ሃሰስ ዘይበልናዮም ግን ክጥቀሱ ኣለዎም ትብሎም ነጥብታት እንተሃልዮም ክትብል ዕድል ክበካ?

መልሲ፡- ብቐዳምነት እቶም ብስሩዕ ንኸይድ ዘለና ውድባት ኣብ’ቲ ንደልዮ ሸቶ መታን ክንበጽሕ፡ እንታይ ዓይነት ኣገባባት እንተተኸተልና ይሓይሽ ዝብል ብግቡእ ተንቲና ፈሊጥና እንተወፈርና ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየኒ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኮነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ግንባራት ዘበገሶም ኩነታት፡ ብጭቡጥ ዘለውዎ ደረጃን መዚኖም ጸገማቶም ፈቲሖም እንተዝብገሱ ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየኒ። ካልእ እቲ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ወገን ዝበጽሖ ዘሎ ሓደጋታት ንሪኦ ዘለና’ዩ። ስለዚ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ’ዩ ከዐርፍ ጉዕዞኡ ውሕስነት ናይ ህይወት ኣለዎ’ዶ የብሉን ተረዲኡ ብኣፍልጦ ክኸይድ ኣለዎ። ህይወት ክብርቲ’ያ እሞ ህይወቱ ከድሕን ኣለዎ። ብርግጽ ናይ’ዚ ገጢሙና ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጸገም፡ ተወዲብካ ተቓሊስካ ጠንቂ ኣልጊስካ መሰረታዊ ፍታሕ ምምጻእ ደኣምበር ስደት ኣይኮነን። ኣይንቃለስን ኣርሒቕና ክንስደድ ጥራሕ ኢና ንደሊ እንተደኣ ኢሎም ከኣ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ህይወት ሓደጋ ዘይብሉ መንገዲ መሪጾም ኣብ’ቲ ዝደልይዎ ቦታ ክበጽሑ ኣለዎም። ደላዪ ሰላምን ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ዝኾነ ግዱስ ኤርትራዊ ኩሉ፡ ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቒቦም ዘለውን ናብ ርሑቕ ስደት ኣብ ጉዕዞ ዝርከቡን ኤርትራውያን ዝኸድወን ዘለው ሃገራት ምሉእ ሰብኣዊ ክብረትን ነጻነትን ክህባኦም ከምዘይኮና ተረዲኦም ብዛዕባ መጻኢ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ንሓንቲ ካልኢት’ውን ከይዘንግዑ ክሓስቡን ፍኒሕኒሕ ክብሉ ይግባእ ዝብል ለበዋ ከመሓላልፍ ይደሊ።

ዝኸበርካ መ/ር ኣፈወርቂ ኣብራሃ ንስለቲ ዝሃብካና ርእይቶ ብስም ኩሎም ሰማዕቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ የመስግነካ፡ ካልእ ግዜ ብካልእ ትሕዝቶ ክንራኸብ ከኣ ተስፋ እገብር የቐንየለይ።

ኣነ’ውን ነቲ ሓሳባተይ ክገልጽ ዝተዋህበኒ ዕድል ንድምጺ ስለኣምን ደሞክራስን ኤርትራ የመስግን። የቐኒየለይ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 13-11-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel