Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Hits: 1007

ኣዜብ ጓል ኣቦይ ዘሚካኤል ዋዕሮ‘‘ኣፋንዉኑ ዶ ኾነ ኣብዛ ተካል እዋን‘‘ሰለ ዝጨርሑ ኤርትራ ንኤርትራዊያን‘‘ከም ኩሎም ሐመድ ዓዶም ዝሐረሞም ሃገራዊያን‘‘ሐመድ ድበኺ ኣብ ሃገር ጀርመን‘‘ኣዜብ ኣብ ቁርን ጸሐይን‘‘ምልኪ ይፍረስ ዝጨረሔት‘‘ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዝኾነት ኣብነት‘‘ዓለም ኣርኪባታ ሐርነት ከረኣየት‘‘ነጻነትና ብምልኪ ስለ ዝተተከኤ‘‘ ትም ዘይበለት ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ‘‘ምስ ዓበይትን ናእሽቱን ኣብ ኩሉ ትረኤ‘‘ኣዜብ ዓቕለኛ‘‘ኢዳ ዘይሃበት ንለኹመኛ‘‘ ልሳን ህዝባ‘‘ኣብ ጊሰን ጀነቫ ዝተራእየት ኣብ ቦሎኛ‘‘

ወዲ ሰብ ዶ ይነብር ታሪኽ እንበር‘‘ኣዜብ ሕብንቲ ጓል ሃገር‘‘ልሳን ህዝባ‘‘ብዕንበባ ተኸቢባ እያ ትቕበር‘‘ንኣዜብ ዋዕሮ መንግስተ ሰማይ‘‘ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ይቀበልኪ‘‘ ንስድራቤታ ጠሊን ጽንዓት ይሃብኩም እንዳ በልኩ‘‘ንደላይት ፍትሒ‘‘ንመጋይሽተይ ክፋነዋ‘‘ወየ ወየ ትብል ኣላ ብርዔይ‘‘ ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና።

ብሽም ዋዕሮታትን ሐርብርኛታትን ገጣሚ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።