Written by: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
Hits: 1029

2020 06 21 Musa Araho Gubelaገዲም ተቓላሳይ ኣቦና መምህር ሙሳ ኣራሖ ጉባላ ብሰንበት ዕለት 21.06.2020፡ ኣብ ከተማ ርያድ - ስዑዲ ዓረብ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።

መምህር ሙሳ ኣራሖ ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን ተቓለስቲ ኤርትራ ከም ዝኾነን፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ብትብዓትን ብጅግንነትን ዝተቓለሰን ዘቃለሰን ሓርበኛ ኢዩ። መምህር ሙሳ ኣራሖ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ) ምስርት ምስ በለ ተሰሊፉ ዓቢ ሃገራዊ ግደ ተጻዊቱ። ብዙሓት ሃገራውያን ኣብ ምምልማል ልሉይ ተራ ነበሮ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ ግዳይ መእሰርትን ግፍዕን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኮነ። ብቐጻሊ ዘጋጠሞ ዝነበረ ስቅያት ድምብርጽ ከይ በሎ ቃልሱ ብትብዓት ቀጸሎ።

መምህር ሙሳ ኣራሖ ከብ’ቶም ፍሉጣት መማህራን ኤርትራ ነበረ። ኣሽሓት ኤርትራውያን ተማህሮ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ሱዳን ዝመሃሩ ዝነበሩ፣ ካብ’ቶም ዝመልመሉ ልሉያት መማህራን ሓደ ምንባሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ኣቦና መምህር ሙሳ ማሕበራዊ ክውንነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዓሚቚ ካብ ዝፈልጡ ተረኽቲ ኤርትራ’ውን ኢዩ ነይሩ።

ኤርትራ ሓራ ምስ ወጸት፣ ከም’ቶም ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስቲ፣ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኤርትራ ደስ ስለ ዘይበሎ፣ መምህር ሙሳ ኣራሖ ኣብ ስደት ክነብር መረጸ። ገለ ካብ’ቶም ኣብ ማሕበር ሸውዓተ ዝሰርዖም ሃገራውያን፣ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለዎ ባእታታት፣ ንኤርትራ ክምለስ ብተደጋጋሚ ሓቲቶሞ’ኳ እንተነበሩ፣ ምልካዊ ስርዓት ክሳብ ዘሎ ኣይምለስን ኢየ ክብል ኣቕበጾም።

ብሞት ኣቦና ገዲም ተቓላሳይ ሙሳ ኣራሖ ጉባላ ዝተሰመዓና ሓዘን ብምግላጽ፣ ብስም መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ንኩሎም ቤተ ሰብን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ጽንዓትን ኣኻእሉን ክህበናን፣ ንሓርበኛ ኣቦና ድማ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ክቕበሎም ንልዑል ፈጣሪ ንልምን።

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

22/06/2020