ብምኽንያት መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ
ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም 1941 ጣልያን ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ተጸሪጉ ኣብ ዝወጸሉ ነጻን ልኡላዊትን ደሞክራስያዊት ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ንምምስራት ዝተኻየደ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ቃልሲ ብልዕለ-ሓያል ሃገር ኣሜሪካን መሻርኽታን መሳርሒኦም ዝኾነ ስርዓት ሃይለስላሴን መጀመርያ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ብዘይብሉ ፌደራላዊ ምትእስሳር፡ ቀጺሉ ንሳ’ውንውን እንተኾነት ብሓይሊ /ብዓመጽ/ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክትወድቕ ከም ዝገበሩ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ እዩ፡፡
ደምበ ተቓወምቲ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያትና ብግቡእ እናኣመሓደርና፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር / ጽላል/ መስሪትና ክንቃለስ ሕጂ’ውን ዕቱባት ክንከውን ይግባእ፡
ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሓርነታዊ ቃልስና ንከይዕወት ካብ ዘደናጉዮ ዘሎ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ተቓዋማይ ሓይልና ዓቕሙን ፍልጠፍልጠቱን መሊኡ ኣወሃሂዱ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ዘቃልስ ሰፊሕ ግንባር /ጽላል/ መስሪቱ፡ ብምትእምማንን ምድግጋፍን ክቃለስ ዝኽእል ጥሙር ሃገራዊ ሓይሊ ብምውናን ክቃለስ ይበቅዕ ብዘይምህላዉ እዩ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ክራማት መጸ ብምግቢ ነብስና ምኽኣል ዝብል ጭርሖ እናልዓለ ዝምድር፡ ሕጂኸ ንመን ከታልል እዩ፡
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ግዜ ጀሚሩ ህዝቢ በብደረጅኡ ተጠቃሚ ዝኾነሉን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነግሰሉን ልምዓታዊ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ ክነሱ፡ ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ካኣ እቲ 85% ዝኸውን ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ገባራይ ሕብረተ-ሰብና ብመግቢ ነብሱ ክኽእል ኣለዎ ብዝብል ዓመት መጸ እናጨረሐ እነሆ ናብ 30 ዓመታት ተገማጊሙ ህዝብና ብመግቢ ነብሱ ከይከኣለይከኣለ ሓሳረ-መከርኡ ይርኢ ኣሎ፡፡
Read more: ስርዓት ህግደፍ ክራማት መጸ ብምግቢ ነብስና ምኽኣል ዝብል ጭርሖ እናልዓለ ዝምድር፡ ሕጂኸ ንመን ከታልል እዩ፡