Written by: UJC, UDC, ENSF-Hidri
Hits: 1558

ሓድነታዊ መግለጺ ናይ ሰለስተ ኣሓት ውድባት

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኩሉ መዳያዊ ጸገም ኣትያ ከም ዘላ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ዝዀነ ይኹን መባእታዊ ቀረብ ክረክብ ዘይተዓደለ፣ ፖለቲካ ንውሑዳት ኣካላት ጥራት ዝምልከት ኰይኑ ንኻልኦት ኤርትራውያን ገበን ዝዀነሉ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ዘይተኸብረሉ፣ ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐነሉ፡ ብሕጽር ዝበለ ፍርሒ፡ ጥመት፡ ድንቁርና ወዘተ ዓብሊሎም ንህዝብና ከሳቕዩ ይርኣዩ ኣለዉ። ንሱ ከይኣክል እዚ ቋንቋ ውግእ ወረ ውግእ እምበር ቋንቋ ዲፕሎማሲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነጸብራቕ ውሽጣዊ ፖሊስኡ፣ ወግሐ ጸብሐ ነጋሪት ናይ ውግእ ኣዋጅ እንዳሃረመ ምስ ኩለን ዝዳወባና ሃገራት ውግእ ከፊቱ፣ ንህዝብና ኣብ ዘይረብሓሉ ውግኣት ክኣቱ ክስዋእን ክስንክል ክስደድን ክበታተንን ይርአ ኣሎ።

 

ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ መዓትን መከራን ሃገርና ከኣ መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍ ምዃኖም ይፍለጥ። ጉጅለ ህግደፍ ብሕጊ ዘይኰነስ ብዊንታ ሓደ ሰብ ዝውሰን በብግዜኡ ዝወጽእ ኣዋጃት እዩ ንኤርትራ ዝመራሕ ዘሎ። ጉጅለ ህግደፍ ከይተኣለየ ዝዀነ ይኩን ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኽበር፡ ቁጠባዊ ዕብየት ክዓቢ፡ ማሕበራዊ ጠለባት ህዝብና ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ብምዃኑ እቲ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝዀነ ኩሉ ዓቕምናን ሓይልናን ኣንጻር ህግደፍ ዝጠመተ ክኸውን ይግባእ ዝብል እምነት ኣለና። ህዝብና ተደጋጋሚ ክጽውዖ ዝጸንሐ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ብምኻኑ፡ እቲ ብተናጸል ክነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ጽምኣት ሓርነት ሓፋሽ ህዝብና ዘርዊ ኮይኑ ብዘይምርካቡ፡ እነሆ ኣብዚ ዘለናዮ ፈታኒ መድረኽ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝምልስ ሓድነት ሰለስተ ውድባት ፈጺምና ንርከብ። ኣስማት ዝሰመራ ሰለስተ (3) ኣሓት ውድባት፡-

  1. ውድባ ሓድነት ኤርትራውን ንፍትሒ
  2. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  3. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

ካብ ዕለት 28 ለካቲት 2021 ጀሚረን ሰሚረን ሓደ ውድብ ከም ዝዀና ንመላእ ህዝብና ከነበስር ከለና ሓጎስ ይስመዓና። ህዝብና’ውን ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ከም ዘሕጉሶ ንርዳእ። ስም ናይ’ዚ ዝሰመረ ውድብና ከኣ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ይበሃል። ናብ’ዚ ዕዉት ስምረት’ዚ ንኽንበጽሕ ዝሓገዙ ረቛሒታት ክንጠቅስ ኣገዳስነት ዘለዎ ይመስለና። ብመጀመርያ ነቲ ናይ ክድዓት መግለጺ ኢሳያይስ “ኣይከሰርናን”፡ “ሓደ ህዝቢ ኣይኰነን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ” ብምባሉ ሓያል ናይ ህዝብና ተቛውሞ ብሓደ ወገን፣ ብካልእ ወገን ድማ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ከም ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣዕሚቕና ክንሓስብ ከም ዘለናን ዝሓገዘናን ምዃኑ ክንጠቅስ ንደሊ። ቀጺሉ ኣብ ሚነሶታ ዝርከብ ናይ “ተምፖ ኣፍሪቕ” ትካል ንኹሎም ተቛውሞ ዓዲሙ ናይ ዘተ መኣዲ ምፍጣሩን ስልጡን ናይ ዘተ ምክያዱን ተራ ከም ዘለዎ ነመልክት። ስዒቡ ንቕሎ ኣዴታት ዝብል ምንቅስቓስ ዓቢ ተርኡ ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። እዞም ዝተጠቕሱ ማዕረማዕረ እንዳሰርሑ ከለዉ ዋዕላ ሎንዶን ብምድላው ዝተገበረ መጸዋዕታን ምትብባዕን ኣገዳሲ ረቛሒ ነይሩ። እኩብ ድምር ናይ’ዞም ኩሎም ምንቅስቓሳት እቶም መራሕቲ ሰለስቲአን ውድባት ተራኺቦም ናይ ዘተ ሽማግለታት ብምቛም ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዘተ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎሚ ኣብ መደምደምታ በጺሑ ናይ ሓድነት ብስራቱ ይእውጅ ኣሎ። እቶም ነዚ ክዉን ንምግባር ዘበርከቱ ኣካልትና ምስጋናና ነቕርብ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና ነቕርቦም መጸዋዕታታት ከኣ ኣለዉና፡-

ህግደፍ ዝፍለጠሉ ቀንዲ ሕላገት ውግእን ዕንወትን ጥራይ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ጽምኢ ደም ኢሳያይስ ንምርዋይ ኣብ ዘይምልከቶም ውሽጣዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክቕዘፉ ንርኢ ኣለና። ነዝን ካልእን ኣመልኪቱ ዝሰመረ ውድብና ነዚ ዘለናዮ ተረኽቦታት ኣብ ትግራይን ካልእ ኣብ ግምት ብምውሳድ ዘቕርቦም ለበዋታትን ምሕጽንተታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

 Bildschirmfoto_2021-03-07_um_18.00.03.png

 

  

 

ኣፈወርቂ ኪዳነ                     ተስፋሚካኤል ዮሃንስ             ባዝጊ ድቡስ              

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን    ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

ንፍትሒ (ውሓድፍ)                            ለውጢ (ውሓዲለ)                    (ግሃድኤ-ሕድሪ)  

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንኩሎም ስውኣትና

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝብና

ኤርትራ ብነጻነታን ክብራን ንዘለኣለም ትንበር!!!

28 ለካቲት 2021