Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/
Hits: 1065

DFfEUˆ24 ግንቦት ዓመት-ዓመት እነብዕላ ናይ ናጽነት መዓልቲ እያ፡፡ እዚ ዝኽሪ ናጽነታዊ መዓልቲ’ዚ ህዝብታት ኤርትራ
ምእንቲ ናጽነቶምን ሓርነቶምን ክብሉ ንከባቢ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዝኣክል ኣንጻር ተኸታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ
ዝገበርዎ ተጋድሎን ዝኸፈልዎ ሰፍ ዘይብል ምስዋእትን ብ1991 ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ብምርግጋጾም እትብዕል
ዘላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ፡፡

ብፍላይ ካኣ እቶም ዝዳሓሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ደገፍቶም
ልዕለ-ሓያላን ሃገራትን ንምምካት ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ሓርበኛዊ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ሰብኣውን ነገራውን
ዓቕምታት ህዝብታት ኤርትራ ዘብረሰ፡ ልዑል ዋጋ ዝሓተተ ናይ ጽንዓትን መኸተን ብደሆታት ቀለልቲ
ዘይምነባሮም እዩ፡፡
ብርግጽ እዚ ናይ ናጽነት ዓወት እዚ ኤርትራ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ብምዃና ዘሐጉስ
ታሪኻዊ ዓወት ይኹን ዳኣምበር፡ እቲ ዘሕዝን እዚ ዓወት እዚ ምሉእ ዓወት ዘይምዃኑ እዩ፡፡ ብሓጺሩ እዚ ዓወት እዚ
ካብ ተራ ሃገራዊ ነጻነት ሰጊሩ ሓርነት ሕብረተ-ሰብና ከረጋግጽ ዘይምብቅዑ ዳግም ናብ ዘቤታዊ መግዛእታዊ
ስርዓት ህግደፍ ክንወድቕ ምዃንናን ከቢድ መስዋእቲ ክንፍል ኣገዲዱና ምህላዉ ነቲ ሕሰም እንስተንተና
ክንዝክሮ ይገብረና ምህላዉ እዩ፡፡
እዚ ክስተት እዚ ካኣ ብኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ
መስርሕ ሰላማዊ ቃልሲ ይኹን፤ መስርሕ ብረታዊ ተጋድልኡ ካብ ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ዘይደሞክራስያዊ
ኣሰራርሓታትን ከናግፎ ዝኽእል መሪሕ ደሞከራስዊ ሓይሊ ክውንን ዘይምብቅዑ ዝተፈጠረ ብኩራት ዝወለዶ
ውጽኢት እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ካኣ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ተራ ሓርበኛዊ ውድብ ዳኣምበር
ደሞክራስዊ ውደብ ብዘይምንባሩ ብእኡ መጠን ካኣ ካብ እንቋቖሖ ተመን ርግቢት ክውለድ ስለ ዘይካኣል፡ ኤርትራ
ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ድሕሪ ምዃና፡ ጃንዳዊ ኣመራርሓ ህዝባዊ ግንባር ናብ ምሉእ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ
እስትራተጂካዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ክኸውን ባህርያዊ ተፈጥርኡ ዝዓደሎ ስለዝኾነ፡ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ
ዝዓርብ ዳኣምበር ህዝብን ሃገርን ከድሕን ኣይክእልን እዩ፡፡
ከምኡ ስለ ዝኾነ ካኣ እዩ ህዝብና ብሰንኪ ናይ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ዝተናውሐ ኵናት ንመስርሕ ምዕባለኡ
ንድሕሪት ዝደቖሶ በሰላ ኣብ ክንዲ ምሕዋይን ቀልጢፉ ካብ ድሕረትን ድኽነትነ ክናገፍ ኣብ ክንዲ ምቅላስን
ዳግማይ ን30 ዓመታት ብዘቤታዊ መግዛእቲ ጉዕዝኡ ንድሕሪት ክጉተት ምግባሩ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ናይ
ብርሰት ወን ል እዩ፡፡
ንመላእ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሕብረት-ሰብና ኣብ ክንዲ ኣብ ትምህርትን ማእቶትን ክዋፈር ምግባር ስርዓት ህግደፍ
ንጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሕኡ ክብል ንመንእሰይ ወለዶና ኣብ ሓውሲ ጊላዊ ስራሓት ክዋፈርን፡ ኣብ ናይ
ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ዕስክርና ክከላበትን፡ ኣብ ካመቦታት  ሆ ክተሓዝን፡ ኣብ ዘዝወለዖ ዘይፍትሓዊ
ኵናት ክጥበስን፡ ንስደት ፋሕፋሕ ክብልን ክበርስን ብምግባር ሃገር ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ምስ
ዝወደቓ ሃገራት ክትጽብጸብ ክትሰሓግ ትርከብ፡፡
ስርዓት ህግደፍ እዚ መዕነዊ ፖሊሲኡ እዚ ብውሸጢ ምስ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን፡ ብወጻኢ
ካኣ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ካብ ኵናትን ወረ ኵናትን ምትንዃላትን ከየዕረፈ ከዘውትሮ
ዝጸንሐን ዘሎን፡ ሰላም ህዝብናን ዞባናን ዝዘርግ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ካኣ ብደምን ረሃጽን
ህዝብታት ኤርትራ ዝተረጋገጸ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፉ ብምሃብ ናይ
መጋበርያነቱ ዓስቢ ክረክብ ዝገብሮ ናይ ተለኣኣኽነት ሸርሒታት ከይኣክል፡ ብስም እቲ ግልጽነት ዘይብሉ ናይ
ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ስምምዕ ጠንቂ ኮይኖም ዝጸንሑ ጎነጽታት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ንሉእላውነት
ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ወስታታት ምኽሳቶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጠዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ
2
ጦብሎቕሎቕ ብምባል ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተርእዮታት ፈጢጦም ይወጹ ምህላዎም
ንህዝብናን ዞባናን ዳግም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከውድቖ እዩ፡፡
እዞም ንሃገርናን ዞባናን ዘንጸላልዉ ዘለዉ ከበድቲ ሓደጋታት እዚኣቶም ብናይ ውሽጢ መጋበርያታት ጥራሕ
ዘይኮነ ብናይ ደገ ሓይልታት’ውን ዝድፍኡ ምዃኖም ነቲ ኣሳላልፋ ናይቲ ሓይልታት ዝሓላልኾን ነቲ ቃልሲ
ዘኽብዶን ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃላሉ ሓቂ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኩነታት ቃዛፊ ሕማም ኮሮና
ቫይረስ ተረደሪቡዎ ህዝብና ኣብ ርእሲ እቲ ዝጸንሖ ጸበባ ንሓደጋ ብርሰት ክሳጣሕ ከም ዝኽእል ንሓርነታዊ
ቃልስና ድማ በዳሂ ይገብሮ፡፡
ተቓለስቲ ህዝብታት ካብ ዓወታቶምን ዓወታት ካለኦት ህዝብታትን ጥራሕ ኣይኮኑን ዝማሃሩ፡ ብዝበለጸ ካብ
ውደቀታቶምን ወድቀት ካለኦት ህዝብታትን እዮም ዝመሃሩ፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ብተደጋጋሚ ካብ
ከጋጥሙና ዝጸንሑን ዘለዉን ውድቀታት ተማሂርና ክምቲ ዝግባእ ንቕድሚት ክንስጉም ኣይከኣልናን፡፡ ካላኣዊ
ፍልልትና ካላኣዊ ቦታ ኣትሒዝና ኣብ እዋናዊ መድረኻዊ ጉዳያት ኣብ ክፈላልዩና ዘይክእሉ ጉዳያት’ውን እንተኾነ
ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ብዝተሓተ መደብ-ዕዮ ተጠራኒፍና ሓደ ናይ ሓባር ግንባር /ጽላል/ ኣቚምና ብሓደ
ኣንፈትን ኣመራርሓን ክንቃለስ ኣይበቓዕናን፡፡
ኣብዚ ክንጠራነፍ እንተዘይክኢልና ክም ደቂ ዛግራ ተበታቲንና ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከነድሕን ኣይንኽእልን፡፡
ስለ ዝኾነ ካኣ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምልዋጥ ንኩሉ ብማዕረ ዝሓቑፍ ንነፍስ-ወከፍ ከከም ዓቕሙን ኣስተዋጽኦኡን
ዘሳትፍ ኩሉ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ደሞከራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ዝቃለስ ዓቕምታት ሕብረተ-
ሰብና ዝጥርንፍ ሰፊሕ ግንባር/ጽላል/ ኣብ ምቛሙ ንረባረብ ንብል፡፡
ጸበባ ናይ ህዝብና ብውሽጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፎቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን
ዝጠፍእን ዝበርስን፡ ኣብ ፎቖዶ ሃገራትን መደበራት ስደተኛታትን ተዓቚቡ ብሕሱም መነባብሮ እናተሳቐየ፡ ኣብ
ገሊኡ ካኣ ብጸጥታዊ ሓደጋታት እናተኸላበተን እናተጎድአን ሓሳረ-መከርኡ ይርኢ ኣሎ እዩ፡፡ ተጸዋዒ ጉዳይ
ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታን ዝመልከቶም ሃገራትን ኤርትራውን ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰሎም ክኽ በረሎም
ደግሓኤ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጻዋዒቱ የቕርብ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ-ብረት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ መባእታዊ
ሰብኣዊ መሰላት ህዝብታትን ዜጋታትን ኤርትራ ከኽብር ዘይከኣለ ብዘይ ፍሕትን ፍርድን ዝኣስር፡ ዝጨዊ፡
ዝቐትል፤ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብዘይሓታቲ ክትበልን ክትመውትን ዝገብር ኣረሜናዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ተጣባቒ
ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት እዚ ጉዳይ እዚ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሒዙዎ ዝነበረ ብጥብቂ ክሕዞን ኣድላዪ
ስጉምቲ ክወስድን፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ድማ ኣብ ጎኒ ፍትሐዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ክብልን ደግሓኤ
ይጽዉዕ፡፡
ኣብ መደምደምታ፡ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ 24 ግንቦት ናይ ነጻነት መዓልቲ እዚ ኣብ ሕሉፍ ውድቀታትና
እናስተንተንና ክንነብር ዘይኮናስ ሕድሪ ናይቶም ንናጽነትን ሓርነትን ዝተሰውኡ  ጋኑ ብጾትና እናዘከርና
ዝወድቕሉ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ከነብጽሕ መብጻዓ እንኣትወላ መዓልቲ ኮይና እያ ክትብዕል ዘለዋ ንብል፡፡
ህዝባዊ ሓርነታዊ ዕላማታትና ብተሳትፎ ህዝብታትና ክዕወቱ እዮም!
ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!
24 ግንቦት 2020