Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን
Hits: 1173

ይኣክል ይኣክልስ ንደንበ ተቓውሞ

ንደንበ ተቓውሞ ዘዝመጸ ምስ ኣዳኽሞ

ደንበ ተቃውሞ;ኣቦ ወንበራት በዚሖሞ;;

ኣይንፋላለ ጸላኢና ይፋላለ

ንደንበ ተቓውሞ ክብሎም ኣኸለ

ንመጽነቲ ዓደቦ ብህዝቢ ዘይተወከለ

ንማፍያዊ ጉጅለ

ክንደይ ግዜ ያኣክል ዘይተባህለ;;

ምፍልላይ ገዲፍና ጸላኢና ንእለ;;

ግሉጽነት እንበር;ፍልልያት ኣይነብዝሕ

ፍልልያትካ ብእንካን ሃባን እዩ ዝፍታሕ

ጃንዳ ህግደፍ ግና; ብስራሕዩ ዝፍንጣሕ፣

ያኣኽለና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት

ያኣክል ንደለይቲ ፍትሒ ዩ ዝምልከት

ኣብ ማእከልና ኣለዉ; ተጸበይቲ ሉኡማት

ንሐደ ዕላማ ዘይምውሕሐጥ; ኣለዎ ብልሐት

ህዝቢ ይብተን ንዓመታት ክንማጎት

ልማኖ ዶ ደሊኹም; ብቁርኣን ብታቦት፣

ጉዳም ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ሕማም

ህዝቢ ከየድሐንካ ናብ ስልጣን ዳም ዳም

ጉጅለ ጠላም ንዓዲ ጀጋኑ ንምስላም

ብስውር ዕላማ ንደቀባታ ንግዳም

ባዶ ሃገር ኣትሪፍዋ ብዘይ ደቂ ኣዳም;;

ነዚ ኣይኮነን ዝወደቑ ጀጋኑ ኣብ ሜዳ

ኤርትራ ተዛረብቲ ጥራይ ድያ ወሊዳ

ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊማ ተኻሒዳ፣

ተኣኪቡ ዘየድመዔ

ሐይሉ ምስ ተጋዛዘዔ

ህዝቢ ደም እንዳ ነብዔ

ፍረ ኣልቦ በዚሑ ብደዔ;

ብተቓለስቲ ነበረ;መሰራታት ዝደኸሞ

ዳግማይ ንነብሱ ምስ ወደበ ሲዒቦሞ

ካድራት ካብ 82 ዝቐጸለ ተቓውሞ

ንቃልስና ኣቦ ወንበራት በዚሖሞ

ገዛዚዖም መፍተት ኣርዮስ ገሮሞ፣

መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይክላእካ

ደላይ ፍትሒ ዓይንኻ ክፈቶ ያኣኽለካ;;

ኣብ ሳሕል ብንሕናን ዕላማናን ዝተቛመረ

ንሃገር ምስ ህዝባ ናብ ማሕቡስ ምስ ዝቐየረ

ኣብ ከተማ ኣስመራ ተደምረናል ዝጨደረ;;

ካብ 91;ንህዝቢ በልማማ

ብሒም ዝበለ ማሕጎማ

ሃገር ሕጊ ኣልቦ ገሮማ፣

ካብ ተቃውሞ ደንበ

ህዝቢ ፍታሕ ይጽበ

ተቃውሞ ደንበ ግና

ክንዲ መድሕን ዝኾና

ን28 ዓመት በበይኑ ጭርሖታትና፣

ንደንበ ተቃውሞ ይኣክል ክብል ደጊመ

ጸረ ቲ ንነብሱ ደሞክራስን ፍትሕን ዝሸመ

ን28 ዓመት ዳግማይ ከረክቦ ንህዝቢ ዘዳኸመ

ን28 ዓመት መን ኩንትራት ሂቡኒ ዝደጋገመ

ኣብ ባይቶ ይዕሰል ሕድሪ ስውኣት ዘይጠለመ፣

ሃሱሳቱ ኣባዚሑ እንዳ ዘርገሔ

ኣብ ልዕሊ ደቀባት ሴፉ ዝመልሔ

ብንሕና ዕላማናን እንዳ ተመርሔ

መንዩ ኤትዮጵያ ትቅደም ዝጨረሔ፣

ካብ ሕሹኽ ብታሕቲ ታሕቲ

መጸዋዕታ ንተቃወምቲ

ኣብ ባይቶ ክንጥርነፍ ምእንቲ

ብስኒ ክንከውን ወሰንቲ;;

ንደንበ ተቓውሞ ይኣክል

ካብ ሐደ ዕላማ ከለካ ምግላል

ብሐባር ንህዝብና ክንኮኖ ጽላል

ኩልና ኣብ ጽላል ባይቶ ንዕሰል፣

ዘይወግሕ መሲልወን;ኣብ ቦኽራ ይሸና

ኣይፋል እንተ በልኩም ግና

ብዘይነሐፍነት እዚዩ ጭርሖና

ዕላውያን ቋንቋና ዓረብ ትግርኛ

ኣስላምና ክስታና ሐቢርና

ዕንቅፋት ኣይትኹኑ ንብል ኣለና

ንደንበ ተቓውሞ; ያኣክል ካብ ሰብ ሕልና።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።