Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Hits: 910

ብኤሊት ትግራይ ዝተመወሉ

መልስኹም ተቐበሉ‘‘

በዓል ኣንበላይ ፈርስ ዓዋተ ዝመራሒኦም

ምስ ብጾቱ ሐርበኛታት ድርብ ዝሐሞቶም

ብኣቡ ዓሸራ ኣብ ጎቦ ኣዳል ከቲቶም

ብ61 መስከረም እወ ሰውራ መስሪቶም‘‘

መንዩ ዝዋራዘ ታሪኹ ከይሐተተ

ንጅግና ንምጽላም ክንድዚ መጎተ

ንጅግና ንስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ

ክንደይ ሂቦሙኹም ናይ ተጋሩ ኤሊተ‘‘

ኤሊት ትግራይ እንታይ ትደልይዋ ንኤርትራ

ርእሲ ከተማኹም መቐለ ርእሲ ከተማና ኣስመራ

ሃገርና ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቃ እያ ዝኾነት ሐራ

ንተሐኤ ንምጥፋእ ኣብ ሳሕል ዝወደቕኩም ጭፍራ

ያኣክል ኣብ ኤርትራ ዋጋ ከፊልና እንዳበልኩም ጉራ‘‘

ተጋሩ ልቢ የዕቢና እንበረ

መን ድዩ ንልብና ዘቕሐረ

ሕብሪ ዓይኑ ደስ ዘበለና ይተኣለ

ኣምሐራይ ዶ ኮይኑ ከምኡ ዝበለ

ኦሮሞታይ ኣይኮነን ቱታ ዘበለ‘‘

ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትደልይዎ

ከበሳን መታሕትን ኢልኩም ትፈላልይዎ

እቲ ጸሊም ታሪኽኩም መዓስ ጠፊእዎ

ታሪኽ ኣሉላ ብኢሰያስ ደጊምክምዎ‘‘

ብገንዘብ ኤሊት ትግራይ ዝሰኸሩ

ኣግኣዝያን ዶ ናይ ሰሜን ተጋሩ

ዮስየፍ ተድሮስ ኣይተጨበርብሩ

ተስፎም ንተስፋጽዮን ዶብ ስገሩ

ዓባይ ትግራይ ክትብሉ ኣይትንበሩ‘‘

ጽውጽዋይ ሕንቅል ሕንቅሊተይ

ኣይፋልኩምን ኤሊት ዓባይ ትግራይ

ጸረቲ ኤርትራ ንኤርትራዊያን በሃላይ

ጥውይዋይ ነቲ ነጺግካ ነቲ ናዓ ናባይ‘‘

ዕላማ ተጋሩ ካብ ቀደም ብርህ ነሩ

ንኤርትራ ናብ ትግራይ ክትጽንብሩ

ግን ሕልሚ ደርሆ,ዩ ሕልሚ ተጋሩ‘‘

ሕቶ ኤርትራዊያን ንሐርነት

መራሕቲ ውዲት መራሕቲ ህኮት

ኣብ ኤርትራ የብልኩም ሰረት‘‘

ጤል መጠራ ካብታ ምንጣራስ ምምጥጣራ

ፕረፈሶር ገላውድዮስ ሕፈር እባ ሕፈር

ኤርትራ ምስ ትግራይ ዘበትዩ ክትጽንበር

ኣብ ሕልሚ ነበረ ያ ነበረ ኣይትንበረር

ተጋሩ ኣይኮናን ኤርትራዊያን እንበር‘‘

ደቀባት ኣስላምና ክስታንና ቆላ ምስ ከበሳ

ኣደ ጀጋኑ ኤርትራዊያን ብተቤናይ ተረሚሳ

ኤርትራ ብናይ ውሽጥን ደገን ተጋሩ ተዳኺማ

ኢድኩም ኣክቡልና ንብል ደቂ ሔማ ስኪማ‘‘

ናይ ኣቢዪ ደብረጽዮን ባእሲ ብኩርሲ

ምስ መራሒ ህግደፍ የብሎምን ባእሲ

ኤሊት ትግራይ ታሪኽና ክተህስሱ

ዝቐደመ ያኣክል ውዲት ኣይትፍሐሱ

ተጋሩ ምስ ኤርትራዊያን ክትሕወሱ

ማልዶ ምልዮናት ዶላር ኣይተፍስሱ‘‘

ብኤርትራዊያን መሰል ተዃሉ

ብናይ ሰሜን ተጋሩ ከይትህመሉ

ደቀባት ኤርትራ ተኣከቡ ተላዘቡ

ንኤሊት ትግራይ ክልተ ግዜ ክተዛርቡ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ብኣባል ተ,ሐ,ኤ, በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።