Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Hits: 1286

 

ብስሩዕ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘይከታተል፡ ብዝተበታተነ መልክዕ ብህይወት ንምንባር ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ላዕሊ ታሕቲ ክብል ዝውዕል ሓፋሽ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገለ ናይ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ተመክሮ ኣለና፣ ናትና ራእይ ኣለና፣ ዓቕሚ ኣለና ዝብሉ ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሊቅነት ዝበጽሑ ምሁራትን ከይተረፈ፡ ተሓቢኦም ዘይኮነ ብወግዒ፡ ኣብ’ዚ እንኮ-ሰባዊ ጃንዳዊ ውዲታዊ

መንግስታዊ ጉጅለ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሚዛን ክገልጹ እንከለው፡ ፈታዊ ዘይብሉ ጸላኢ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኢሎም ከዛረቡ ይስምዑ።

እዚ ፖለቲካዊ ሚዛን’ዚ ናይ ሓደ ክልተ ሰባት ፖለቲካዊ ገምጋም ወይ ሚዛን፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ስሕታን ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ሰባት ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ ክበሃል ዝስማዕ ዝንቡዕ ኣገንዝቦ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ሚዛን ብደረጃ ውልቀ ሰባት ጥራጥ ዝበሃል እንተዝኸውን ብዙሕ ኣይመዛረበን። ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሰቪክ ማሕበራት፣ መራኸቢ ብዙሓን ከም ትካላት፡ ህግደፍ ፈታዊ ዘይብሉ ጸላኢ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኢሎም ከይተሰከፉ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክገልጽዎ፡ ከስተምህርሉ ክትሰምዕ እንከለኻ ግን፡ ዝሰማዕካዮ ንምእማን ትጽገም። ካብ መንጎቲ 30 ዓመት ምሉእ ከይረብረበ ወይ ኣላሽ ከይበለ፡ ብዝተናወሐ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝሓለፈ፡ ኣብ መረርቲ ዓውደ ውግኣት ፈታዊ ጥራሕ ዘይኮነ ጸላእቲ ባዕሎም ዝምስክርሉ መስተንክራዊ ጀግንነታዊ ቅያ ዘመዝገበን ብዓወት ዝተጸንበለን ተቓላሳይ ህዝቢ ከም’ዚ ዝበለ ኣረዳድኣ ክርከብ ይገርም።

ስለምንታይ’ዩ ዘገርም? እዚ ኣገንዝቦ’ዚ ንንውሓት ግዜ ሰውራ ኤርትራን ኣብኡ ዝተዋህለለ ተመክሮን ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኝነትን ዘይምጥን ስለ ዝኾነ’ዩ። እዚ ኣገንዝቦ’ዚ፡ ናይ ዝተዘርገ፣ ብስትራተጂን ስልትን ናይ ዘይምራሕ ተልመደን ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን መግለጺ’ዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሓይሊ፡ ዘዕቆቦ ማሕበራዊ ሓይሊ ኣለዎ። እቲ ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረት ብዓቐን ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ውሑድ’ውን ክኸውን ይኽእል። ንነገራት ብፖለቲካዊ ንቕሓት ዝሰፍር ፍትሓውን መትከላውን ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ፡ ብመቓልስትና ዝነበሩ፣ መማህርትና፣ ደቂ-ዓድና፣ መራሕትና …ወዘተ ናብ ዝደለኻዮ ፖለቲካዊ መኣዝን ዝጉተት፡ በል ዝተባህሎ ከም ዘለዎ ዝደግም፡ ግበር ዝተባህሎ ስለምንታ ከይበለን ዝፍጽም፡ ኮታ ኣንጻር ገዛእ ሰብኣዊ ክብሩን ነገራዊ ረብሓኡን ዝተሰለፈ መጋበርያ ክኸውን ይኽእል።

ሓደ ብንቕሓት ከተሓዝ ዘለዎ ኣገንዝቦ ግን፡ ኣብ ዓውደ ፖለቲካ መጀመርያ ዝስራዕ መስፈሪ ዓቐንን ዓይነትን ዘይኮነ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ዝፈጥሮ ናይ ኣረኣእያ ምሕዝነት ወይ መሰረት’ዩ። ስለዚ ከኣ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ድኹም ክኸውን ይኽእል። ሓያል’ውን ክኸውን ይኽእል። ሓያል ድዩ ድኹም ብዘየገድስ ናተይ ዝብሎም ናትና ዝብልዎ ማሕበራዊ መሰረት ከም ዘለዎ ከደናገር ዘይግበኦ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ዩ። ካብ ማህጸን ናይ’ዚ 20 ዓመት ሰላማዊ ፖለቲካዊ፣ 30 ዓመት ፖለቲካውን ብረታውን ተጋድሎ ዘካየደ ሓርበኛ ህዝቢ ዝተወልዱ ገለ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራት፣ መራሕትን ኣካየድቲ ስራሕን መራኸቢ ብዙሓን ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ የብሉን። ብኹሉ ኩኑን ጽሉእ’ዩ ዝብል መግለጽን ጎስጓስን ክገብሩ ክትሰምዕ እንከለኻ፡ ፖለቲካ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣንፈቱ ተዛቢዑ፤ ተዘሪጉ፣ ብመጽናዕቲ ብብስለት ዘይኮነ ብስምዒት ይምራሕ ምህላው ትግንዘብ። ትጉሂ። ንሓቂ ንፍትሒ ዝወሓጠ ድሑር ፖለቲካዊ ዕሉም ንምጽሃይ፡ ዝተበከለ ዝተዛበዐ ኣተሓሳስባ ንምዕራይ ብዙሕ ግዜን ዋጋ ከም ዘኽፍል ከኣ ትርዳእ።

እዚ ካብ መስመር ሓቂ ዝኾብለለ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ’ዚ ተኸቲልካ፡ ንህግደፍ ምሉእ ንምሉእ ኣልጊስካ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝደልዮ፡ ንረብሓን መሰል ዝበዝሑ ህዝብታት ኤርትራ ድማ ዝውክል መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ ምምጻእ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝተዛበዐ ርድኢት ሒዝካ፡ ጸረ ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይቃለስ ኣለኹ ምባል ንገዛእ ርእሱ ምፍዋስ ዘድሊዮ ከቢድ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብሕጋዊ ዓይኒ ሕጋዊ ኣይኮነን። ብባህሪ ንብዙሓትን ውጹዓትን ኤርትራውያን ዝውክል ኣይኮነን። ግን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ኣሎ። ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምቁጽጻር ማለት ከኣ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ጸጋታት ሃገር ምብሓትን ምግባት ማለት’ዩ። ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸጋታት ሃገር ክቆጻጸር ዝኸኣለ ከኣ ኣብ መሬት ረጊጹ ‘ምበር ኣብ ህዋ እናተንሳፈፈ ኣይይኮነን። ሰንሰለት ጥፍኣት ዘርጊሑ፡ ዝመርሕን መምርሒ ዘውርድን ኣካል ኣሎ። ነቲ ሰንሰለታዊ ናይ ጥፍኣት መስኖ ተኸቲሉ መምርሒ ዝትግብር ኣካል ኣሎ። ሃገራዊ ጸጋታት ኣብ መንጎ ናይ ጥፍኣት ሰንሰለት ከመይ ከም ዝመቓራሕ ዝውጥን ዝውስን ኣካል ኣሎ። ብዝተዋህቦ መቑነን ዓጊቡ መራሒየይ ኣይትሙተኒ፡ ስርዓተይ ኣይትውደቐኒ ዝብል ታኮ ኮይኑ ዘገልግል ኣሎ።

እዚ ኣብ 24 ግንቦት ናይ 2019 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ፡ መራሒ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ጽንብል ነጻነት መደረ ከስምዕ ናብ መድረኽ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ ዕልልታን ጣቕዒትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ቁጠባዊ ረብሓን መሰረት ዝገበረ ‘ምበር በል ተባሂሉ ዝተቐሰበ ዝተገደደ ከምዘይኮነ ብግቡእ ንዝተኸታተሎ ብሩህ’ዩ። ኣዴታትን ኣቦታትን ብሓፈሻ፡ ተቖኒነን፣ ተሓኒነን፣ ክዳን ኣጻዕድየን፣ ወርቂ ኣንጠልጢለን መልእኽቲ ኢሳያስ ብግቡእ ካብ ልሳኑ ከይወጽአ ነጎዳ ዝኾነ ጣቕዒትን ዕልልታን ዘስመዓ ዝነበራ ኣዴታት ከኣ ብፍላይ፡ በቲ ብሃገራዊ ድሕነት ዝፍለጥ ኣብ ብርሰት ኤርትራውያን ዝነጥፍኣ ዘሎ ትካል ጸጥታ በሉ ስለ ዝተባህሉ/ላ ተገዲዶም ተገዲደን ‘ምበር ኣይድግፍዎን ኣይድግፋኦን ኢልካ ክተመኽኒየሎም ከተመኽኒየለን ፖለቲካዊ ገበን’ዩ።

ማሕበራዊ መሰረት ናይ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ትልሙድ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝግበር ቁጠባዊ ረብሓ ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ደገፍ ዘይኮነ፡ ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወጽአ ገዛእ ነብሱ ዝረሰዐ፡ ክሳብ ዘለኻ ምሳኻ ኣለኹ፡ ንሳኻ ኣብ ዝሞትካሉ ሞተይ ምሳኻ ዝብል ዕሙት ተረድኦ ዘለዎ ሓደገኛ እምነት’ዩ። ኣብ’ቲ ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ዝተወደባ መድረኽ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘስመዖ መደረ፡ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝወሃቦ መልእኽቲ ከምዘይነበረ ሚዛን ንዘለዎም ብነብሶም ንዝተኣማመኑ ሰባት ብሩህ’ዩ። ይኹን ግን እቶም ደገፍቲ ዘይኮነ ኣምለኽቲ ብድምጺ ጥራሕ ዘይኮነ ብኣካል ከመይ ይዕጅብዎ ከም ዝነበሩ ዝተኸታተልናዮ’ዩ።

ልጓም ኣልቦ እንኮ ሰባዊ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብጾታአን ምስ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ዝግለጻ ግን ከኣ ብኣረኣእያን ብረብሓን ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ቢሮክራስያዊ ገዛእ ደርቢ ዝኾና ወጻዕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣለዋ። ናተን ፖለቲካዊ መንነት ዘይብለን ኣምለኽቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣለዋ። ኣብ መድረኽ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ኣስመራ ዘምልኻኦ ኢሳያስ ሪአን ናብ ዕቡዳት ተቐይረን እንታይ ይገብራ ነይረን ነቲ ዘይሃስስ ምስሊ ደጊምካ ምዕዛብ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓፈሻ መንእሰያት ተመሳሳሊ ተልእኾ፡ ኣምልኾን ተግባርን ዝፍጽሙ ኣብ ዘይደርቕ ጣዕሚ ድማ ዝነብሩ ኣለው። ኣብ ወተሃደራት፣ ኣብ ምሁራት፣ ኣብ ሸቃሎ፣ ኣብ ሓረስቶት ኣብ ኩሉ እዚ ጉጅለ ከይወድቕ ዝከኣሎም ዝገብሩ፡ ቅድሚ ሎሚ ዘይፈልጥዎ ጣዕሚ ናይ ናብራ ዝረኸቡ፡ ዘምልኹ፡ ነቲ ምስኪን ሓፋሽ ጾም ዘሕድሩ፡ ዝስልዩ፡ ዝኣስሩ፡ ዝቐትሉ መሓውራት ኣለው። ኣብ ወጻኢ ብተመሳሳሊ ብስመ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዝሽቅጡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ዘይነጽፍ ሃብቲ ዘንቀሳቕሱ፡ ብዛዕባ ጭቡጥ ምስሊ ፖለቲካ ኤርትራ ንወጻእተኛታት ዘደናገሩ ሓሶት ዝምግቡ፡ ንኤርትራውያን ዝኸፋፍሉ ዝስልዩ ምሁራትን ገዳይምን ተጋደልትን ዝርከብዎም ምንጪ ቁጠባ ጸጥታን ኮይኖም ዘገልግሉ ኣለው።

እዚኦም ብቁሮም ኣዝዮም ውሑዳት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ንምግማት ኣየጸግምን። ምስ ዘለዎም ናይ ጥፍኣት ሰንሰለት፡ ዝገበትዎ ሃብቲ ሃገር፡ ዘሪኣሞ ምስ ዘለው ፖለቲካዊ ድሕረት፣ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ፈጢሩሎም ምስ ዘሎ ዕድል ደሚርካ ክምዘን እንከሎ፡ ህግደፍ ደጋፊ የብሉን ክትብል ዘይኮነ፡ ገና ዘይተበጣጠሰ ናይ ጥፍኣት ማሕበራዊ መሰረት ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ’ዩ። ህግደፍ ናይ ውሑዳት’ዩ የሰማምዐና’ዩ። ህግደፍ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ክውገድ ኣለዎ የሰማምዐና’ዩ። ህግደፍ ፈታዊ የብሉን ዝብል ግን፡ ክእረም ዘለዎ ፖለቲካዊ ሚዛኑ ዝወረደ ተረደኦ’ዩ። ህግደፍ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ዩ።

ነዚ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡን ተግባሩን ሒዙ ን28 ዓመት ኣብ ልዕሊ ሚሊዮናት ከሽካዕልል መሰረት ዝኾኖ ማሕበራዊ ሓይሊ ከም ዘለዎ ብንቕሓት ተቐቢልና ትርጉም ዘለዎ ፖለቲካዊ ስራሕ ክንሰርሕ ክንበቅዕ ኣለና። ናብ ኣምልኾ ዝተሰጋገረ ናይ ጥፍኣት ማሕበራዊ መሰረት ከም ዘለዎ፡ እዚ መሓውር እዚ ከይፈረሰ እቲ ቀንዲ ወሳኒ ብሓደ ሰብ ዝዝወር መሪሕነታዊ ጃንዳ ክውገድ ከም ዘይከኣል ርዱእ ብምግባር፡ ነዞም ተኣሳሲሮም ንበረልና ንበር ዝብሉ ዘለው መጋበርያታት መን? መዓስ? እንታይ ኢሉ/ኢላ? እንታይ ፈጺሙ/ማ ብጭብጢ ሰኒድና ክንሕዝ ከነቃልዕን ግብረ መልሲ ክንህብ ኣለናን ይግባእን። ክንጥቃዕ፡ መርድእ ክንተሓባበር፡ ኣብ ዳስ ሓዘን ክንተኣኻኸብን ዘይኮነ፡ ንበዝሕ ንሕና፡ ፍትሓዊ ጭርሖ ናትና፡ መሳርሒ ቃልሲ ምስና ስለ ዝኾነ፡ ካብ ስቕ ኢልካ ምህራም ናብ ምክልኻል፡ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ክንሰጋገር ኣለና። መዓስ ሕጂ። ምኽንያቱ ካብ’ዚ ዘለናዮ ክንወጽኣሉ ንኽእል እንኮ ፍታሕ፡ ማሕበራዊ መሰረት ደመኛ ጸላኢኻ ምፍላጥ፡ ፈሊጥካ ራእይኻ ምንጻርን ዕጥቅኻ ምስጣምን’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 29-05-2019