Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Hits: 1329

ክብረት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ይገሃስ ኣሎ። ኤርትራዊ ይጽረፍ፣ ይህረም፣ ይጭወ፣ ይደሚ፣ ይቕተል፣ ንብረቱ ይራሰ ይዋረድ ኣሎ። ነዚ ዓይነተ ብዙሕ በደላት’ዚ ዝፍጽም ዘሎ ከኣ ኤርትራዊ’ዩ። ዘስካሕክሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመሉ ዘሎ ሃገርን ቦታን’ውን ኣብ ካልእ ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ’ዩ።

ብዘይጭቡጥ ምኽኒያትን ሕጋዊ ኣገባብን ሰብኣዊ ክብሪ ክድፈር ኣይግባእን፡፡ ንብረት ክራሰ የብሉን፡፡ ኮታ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ የብሉን። ግን እቲ ክኸውን ዘይግበኦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይኸውን ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ኤርትራውያን ብባህሊ ነውሪ፣ ብሃይማኖት ሓጥያት፣ ብሕጊ ገበን ተባሂሉ ዝግለጽ ግፍዒታት ብከውሊ ዘይኮነ ብግህዶ ይፍጸም ኣሎ። ነዚ ብሓሳብ ንምግራሕ ንምእራም ተፈቲኑ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ካብ ልክዕ ንላዕሊ ትዕግስቲ ተራእዩ፡ ብቕንዕና ዘተኣናግዶ ብኽብረት ዝሕዞ ኣካል ግን ኣይረኸበን።

ስለዚ ከኣ፡ እቲ ምኽሪ ሓይሊ ሓሳብ፡ እቲ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝተመጠ ትዕግስቲ ንዕቀት ወሊዱ ስቅያት ወሲኹ ‘ምበር ፍታሕ ኣየምጸአን። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈሰሰ ደም፡ ዝጎደለ ኣካል፡ ዝጠፍአ ህይወት ይኣኽለና፡ ኲናት ወረ ኲናት ኣይተስምዑና ኣይተርእዩና ዝመንቀሊኡ የዋህ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ፡ ብፖለቲካዊ ዕሽነት፡ ሕሉፍ ራዕዲ፡ ተመላኽነት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ልምሰት’ዩ ተተርጒሙ። ንዘይጸረዩ ናይ ፖለቲካ ዝራባዓት ናይ ፖለቲካ ለባማት መሲሎም ክረኣዩ’ዩ ገይርዎም።

መዘውር ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊ፡ መትንታት ሃገር ምሉእ ንምሉእ ንዝተቖጻጸረ ፈጣርን መራሕን ስማዊ ውድብ ህግደፍ ከኣ፡ መን ከማይ ክብል ኣተባቢዕዎ። ብዘይ ስኽፍታ ብዋጋ ህይወት ዜጋታትን ህዝብታትን ከም ቃሕታኡ ክጣላዕ ዕድል ሂብዎ። ኮታ ዋላ የዋህነት ዝዓብለሎ እንተኾነ ከም ሕልና ግን ዝሓለፈ ጸገም ይኣኽለና ምባል ቅኑዕ ነይሩ። ብተግባር ግን እቲ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣብ ኤርትራ ክነግስ ኣይከኣለን። ብናይ ምድንጋር ወፍርን፡ ተኲስካ ቅተል ፖሊስን ተዓብሊሉ ኣንጉዕ ጠቕመ ፈሊጣውያን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ። ሕጂ’ውን መሊኡ ካብ ከምኡ ዝደሓነ ኣይኮነን።

ከም ሰባት፡ ከም ዜጋታት፡ ከም ህዝብታት ክሳብ ዝሃለና፣ እቲ ግፍዒ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ‘ምበር እናተመሓየሸ ይኸይድ ስለ ዘየለ ግን፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒታት ተጸሚምና፡ መፍትሒ ሓሳባት ለጊስና ሰማዒ ስኢና ካብ ዘይሰለጠና፡ ንቕድሚት’ውን ኣይሰልጠናን’ዩ ዝብል ናይ ድኹማት ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮና ቦታ ክንህቦ ኣይግባእን። ትማሊ ኣብ ኢድና ንዘሎ ዓርሞሾሻዊ ሓይሊ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ብዘይምኻኣልና ግን ብልቢ ከጠዓሰና ኣለዎ። ኣብ ገዛእ ርእስና በደል ከም ዝፈጸምና ክንኣምን ኣለና።

ካብ ትማሊ ተማሂርና ንነገራት ብግዝያዊ ስምዒት ዘይኮነ ብፖለቲካዊ ንቕሓት ክንመዝን ኣለና። ንናይ ሓባር ወጽዓ ብሓባራዊ ቃልሲ ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ ርድኢት፡ ንዝተዘርገ ወይ መዕቀሊ ጸረ-ህዝቢ ስማዊ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትና ከነጽርዮ ኣለና። ውሽጥና ግዳም ከይወጽእ ጸላእትን ተጻባእትን ከይሕጎሱ ብዝብል ድሑር ኒሕ፡ ጸላእትና ከነሕንቅቕ የብልናን። ፖለቲካዊ ኣንፈትና ድሕነት ብዙሓትን ግዙኣትን ማእከሉ ገይሩ ክንጸር፡ ዝላሕለሐ ውደባ በረኣእያን ተግባርን ብምስሓል ክንረባረብ ይህልወና።

ፖለቲካዊ መሰል ብቃልሲ ‘ምበር ከም ነዋታዊ ነገር ብመልክዕ ህያብ ዝልገስ ኣይኮነን። ኣብ ፖለቲካ ብዓመጽ ዝተሓረመካ መሰል ተቓሊስካ ጥራሕ ኢኻ ተረጋግጾ። ብ1991 ብዓወት ዝተጸምበለ ነጻነታዊ ተጋድሎና ከኣ ግብራዊ ምስክር’ዩ። ኣንጻር ዓመጽን ዓመትን ዝካየድ ቃልሲ ግን፡ ካብ ፍትሓዊ ራእይ፣ ስጡምን ሕጋውን ውደባ ምውናን ወጻእ ክዕወት ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለ ዝተወጻዕካ፡ ከመይነት ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብማሕበራዊ መሰረቶም ከይገምገምካ፡ ካበይ ተበጊስካ ኣበይ ክትበጽሕ ኢኻ፡ ንመን ሒዝካ ወይ ምስ መን ተመሓዚኻ ብስትራተጂን ስልትን ከየነጸርካ፡ ብሰናይ ድሌት ወይ ብሃውሪ ክትዕወት ምሕሳብ ዘይክውንነታዊ’ዩ።

ፍጹም መላኺ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ዝተቖጻጸራ ሃገር፡ መጀመርያ ክሕሰብ ብትኹረት ክረአ ዘለዎ ድማ፡ ጠንቂ ዘቤታዊ ጸገምካ ነጺርካ ምፍላጥን ምፍዋስን’ዩ። ውሽጣዊ ቁስልኻ ሓቢእካ ጥዑይ ክትመስል ብምፍታን ሓቀኛ ፈውሲ ኣይርከብን’ዩ። ዝጋዕዘየ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጎዱፍ ከይጸርግካ፡ ብፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ እናተመራሕካ ሰላም ኣለኹ ኣለና እንተበልካ ትርፉ ክብሪ ሚዛንካ ምጉዳል፡ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ጎደና ጥፍኣትካ ምጽራግ’ዩ ዝኸውን። ብደመኛ ጸላኢኻ እናተመራሕካ፡ ብኹለንተናኻ ንደገ ጥራሕ ምጥማት ነቲ ስቓይ ዘጋድድ ‘ምበር ዝፍውስ ኣይኮነን። ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ወጽዓ ክውንዘፍ፡ ንህዝቢ ስውራት ከም “ደቂሕድርትና” ህግደፍ ጥራሕ ዝሪኦምን ዝሰምዖምን ግዳማውያን ጸላእትን ተጻባእትን ናብ ዝበሃሉ ሓይልታት ኣቓልቦ ንምግባር ዝመሃዝ ዘሎ ውዲት፡ ወጊድ ናይ ትማሊ ላግጺ ይኣክል ዝብል ዘየደናግር መልሲ ክወሃቦ ኣለዎ።

ካብ ዘየለ ግዳማዊ ናይ ወራር ሓደጋ፡ ንህልዊ ከዳዕ ዘቤታዊ ጸላኢ ክትመርጽ ዝግበር ዘሎ ናይ ዓዋሉ ፈተነ ብንቕሓት ምርዳእን ምምካትን ናይ ኩሉ ውጹዕ ግፉዕ ኤርትራዊ ዜጋ እዋናዊ ተባራዒ ዋኒን ክኸውን ይግባእ። ህግደፍ ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ቀዳማይ ጸላኢ’ምበር፡ ብልኡላውነት ዝግደስ ፈታዊ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ፈራሕ ጨካን ቀታሊ ‘ምበር ኣላዪ ሕሙማት ኣይኮነን። ጃንዳዊ ውዲታዊ መሪሕነት ህግደፍ ኤርትራዊ ሰብኣውን ዜግነታውን ክብረት ዘራኸሰ ናይ ፖለቲካ ጉልሓ’ዩ። ስለዚ ከኣ ህዝቢ ብመደብ ኣድኪዩ በቲኑ ብመሬታዊ ልኡላውነት ይግደስ’የ ዘስምዕ ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ የካይድ ኣለኹ ዝብሎ ኣኼባን ሰሚናራትን ዝተሰምየ ጎስጓሳት ልክዑ ዝሓለፎ ላግጺ’ዩ። “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዓይነት ከንቱ ዓጽረሞታዊ ሃቐነ’ዩ።

እዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ፡ብስመ ነጻነት፣ ስውኣት፣ ልኡላውነት ተጎልቢቡ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ። ኮሚሽን ዶብ ዝወሰነልና መሬት ከይተረከብና፡ ዘተ የለን። ሰላም የለን። ደሞክራሲ የለን። ልዕልና ሕጊ የለን። መደባት ልምዓት የለን እናበለ ንሃገር ከም ሃገር ንኣስታት ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ኩለ-መዳያዊ ንጥፈታት ኣደስኪልዋ ጸኒሑ። ካብ መፋርቕ ዓመተ 2018 ከኣ ጉዳይ ዶብ ኣጀንዳና ኣይኮነን፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸገም ኮነ፡ ጉዳይ ዶብ ምፍታሕ ዝበሃል ክሕዘና የብሉን። ኣብ ቅድሚና ሓደ ገዚፍ ስእሊ ኣሎ፡ ምርግጋእ 480 ሚሊዮን ህዝቢ ዝርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ትኹረትና ስጉምና ናብኡ ዘቕነዐ’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ዶባና’ዶ እንታይ’ዶ ዝበሃል ሓሳብ ነቲ ገጂፍ መደብ ምስማም’ዩ ብዝብል ንህዝብታት ኤርትራ ግልጺ ዘይኮነ በይናዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን ክገብር ጸኒሑ።

ሕጂ ድማ እነሆ፡ ተውሳኸይ እንታይ ሓጥያት ኣለኒ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ” መሲሉና ኮንደኾን ኢልና ዝኸድናዮ ስጉሚ ነይሩ፡ ግን ከም ድሌትና ኣይኮነን። ስርዓት ወያነ ካብ ወሳኒ ናይ ስልጣን ቦታ ወሪዱ ‘ምበር ሓሳቡ ኣይተሃርመን። ሕልምና ብሓሳብን ብተግባርን ዝተሃርመ ወያነ ምርኣይ’ዩ ነይሩ። ኣይሰመረን። ስለዚ ዘለና ዕድል ከም ቀደምና ስንኻ ምንካስ’ዩ። ዝመጽአ ይምጻእ ምጽማም’ዩ። ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ብገለ ዝመጽአ ህቦቡላዊ ንፋስ ዝወስዶ ንቕሓት ከምዘይብሉ መንግስትና ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ። ዕጥቂ ምስጣም ምጽማም ንህዝቢ ኤርትራ ከም ባህሊ ዝተታሕዘ ልሙድ ተግባር ‘ምበር ሓድሽ ተመክሮ ኣይኮነን።

ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ልኡላውነትና ክሳብ ነኽብር ሓባራዊ መኸተ ከድልየና’ዩ። ህዝብን መንግስትን ማይን ጸባን ኮይና ዘይንፈትሖ ጸገም ድማ የለን። ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ደጋጊሙ ከም ዝገለጾ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ካብ ርሑቕን ቀረባን ዘጋጠመና ዝተዋደደ ሸርሒ ብዘደነቕ ኣገባብ ብዓወት ሰጊርናዮን ተማሂርናሉን ኢና ዝብል ኣሰልቻዊ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒታት ኣብ ምንዛሕ ይርከብ ኣሎ። “ብኸበሮ ገዲፎም’ሲ ብሕብጢጥ” ከም ዝተባህለ ብኽብረት ኣይፋልካን ንዝብል ሓይሊ ሓሳብን ትዕግስትን ንዒቑ ከም ዘይሃለለ፡ ተገልቢጡ ስልጣን ኣድሕኑ ዝብል ኣውያት የስምዕ ኣሎ።

ንኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን ግን፡ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ዛዕባ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን። ድሕሪ 1991 ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሓደጋ ዝኾነ ሃገርን መንግስትን ኣይተራእየን። ንሓርነታዊ መሰልን ቁጠባዊ ረብሓን ኤርትራውን ዝጻባእ ናይ ግዳም ምንቅስቓስ ኣይተራእየን።( ነቶም ህግደፍ ንህዝብታት ኤርትራ ንምድንጋር ባዕሉ ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ኣጀንዳኡ ዘእተዎም ደገፍትን ፈተውትን ኤርትራውያንን ኤርትራዊ ሃገርነትን ዝኾኑ መንግስታት ከይዘንጋዕና ማለት’ዩ።) ብዝኾነ ንሕና እቶም ኣብ ህላወን ቀጻልነትን መንግስቲ ህግደፍ ረብሓ ዘይብልና ግፉዓት ኤርትራውያን ህግደፍ ከም ስርዓት ከይተወገደ ሰለም ከነብል የብልናን። ዋኒና ስዑርን ተለዋዋጥን መገርጽ ህግደፍ ምስማዕ ዘይኮነ፡ ሓቢርናን ተኸባቢርናን ነበረ ምግባሩ’ዩ።

ህግደፍ ሃገራዊ ካባ ዝወደየ መርገጽ ኣልቦ ኣኽብካብ’ዩ። መራሒ ህግደፍ ጎይታ መብጸዓ’ዩ። ኣብ ትሕቲኡ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተስምየ ምስ ምሉእ ዕጥቆም ብባርነት ዘገልግሉ ዘለው እኩባት ሰብ ብረት፡ ካብ መሳርዑ ክሳብ ዘይወጽኡ ብተግባር ንብረት ናይ’ቲ ጸረ-ህዝቢ መሪሕነታዊ ጉጅለ ‘ምበር ኣገልጋልቲ ህዝቢ ተኸላኸልቲ መሬታዊ ልኡላውነት ኣይኮኑን። ስለዚ ህግደፍ ክሳብ ምሉእ ስዕረቱ ኩሉ ደኾን ኢሉ ዝሓስቦ ካብ ምግባር ኣይከቋርጽን’ዩ። ግፉዓት ግዳያት ህግደፍ ከኣ፡ ካብ ዘቤታዊ ወጽዓ ንምግልጋል ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዃን ተወዲብካ ምቅላስ መተካእታ ኣልቦ’ዩ።

ተወዲብካ ምቅላስ ክበሃል እንከሎ፡ መጀመርያ ተወጺዕካ ከም ዘለኻ ምርዳእ። ብካልኣይ ዓይነት ወጽዓኻ ምልላይ። ሳልሳይ በዓል ቤት ናይ’ቲ ወጽዓ፡ ደርባዊ ባህርን ማሕበራዊ መሰረትን ወጻዒ፡ ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ኩሉ ሸነኻዊ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ምግምጋም ምንባብ የድሊ። ራብዓይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፖለቲካዊ ርእይቶ ብመንጽር ዝበጽሐካ በደልን ከተረጋግጾ ኣትደሊዮ ዕላማን ብምሉእ ሓሲብካ ተለሚካ ዓቕሚኻ መዚንንካ ውጹዕ ምስ ውጹዕ እናተላዘብካ ናብ ግብራዊ ስራሕ ምውፋር የድሊ። ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ከምዘይኮነ ዘይምርዳእ እንተሃልዩ ግን፡ ካብ ሕሉፍ ዘይምምሃር ኣብ ገይጋኻ ጋም ማን ምባል ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 22-04-2019