Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Hits: 1218

ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ፡ መምርሒ ስርዓተ ሃይማኖት ዝእዝዞ ብምልኣት ዝፍጽምን ዘይፍጽምን ብዝብል ደረጃታት ክወጽኣሉ እንተዘይኮይኑ 99% ኣብ ፈጣሪ ዘምልኹ ሃይማኖተኛታት’ዮም። ብፍላይ ቅድሚ ፍጮ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ዕንደራ መንግስታዊ ስልጣን ምሓዙ ኣብ ዝነበረ ወቕቲ፡ ወለድና ኣመንቲ ስለዝኾኑ፡ ካብ ንዓለማዊ ሕጊ ዝያዳ ንሃይማኖታዊ ሕጊ ይምእዘዙ የኽብሩ ነይሮም። ንጉልበተኛ ንዓመጸኛ ኣደብ ግበር ስርዓት ሓዝ ክብልዎ እንከለው፡ “ብሕጊ ኣምላኽ” ኣቐዲሞም “ ዝባን ሕጊ” ይብልዎ ነይሮም። ውሽጣዊ መንፈሶም ብፈሪሃ እግዝኣብሄር ዝተመልኣ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ሎሚ’ውን ምስ’ቲ ውሑዳት ጻህያይ ሕብረተ-ሰብ ዝኾኑ ህግደፋውያን ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ዜናዊ፣ ባህላዊ መሳለጥያታት ተቖጻጺሮም፡ ንምህሳሱ እንተሰሊጥዎም ከኣ ምሉእ ንምሉእ ንምዕናው ዘካይድዎ ዘለው ዕረፍቲ ኣልቦ ወፍሪ፡ ኢዱ ኣይሃበን። መሊኡ ኣይበረሰን። ንሕና ሰብኣውያን ፍጡራት ኢና፡ ሰብኣዊ ሕልና ኣለና። ንሕና ሃይማኖተኛታት ኢና ፈሪሃ እግዝኣብሄር ኣለና ዝብሉ ከቢሮም ዘኽብሩ ሰብ ቤት ናይ’ቲ ኣወንታዊ ክብርታት ዝኾኑ ዜጋታት ኣለው’ዮም። ውደባ ስለ ዘይብሎም ግን ሓይሊ የብሎምን። ኣብ ዝውስንሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ስለዘይሓኾሩ፡ ኣብ ርእሲኦም ካልኦትን ውሑዳትን ይውስኑን የተግብሩን ኣለው።

ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓትን ክኒዮቲ ድሕሪ ሞት ከከም ተግባርካ ውሳኔ ትረኽበሉ መለኮታዊ ቤት ፍርዲ ከም ዘሎ ቅዱሳን መጻሕፍትን መራሕቲ ሃይማኖትናን ዝህቡና ትምህርቲ፣ ከይሞትካ ብህይወት እንከለኻ ውሽጣዊ ርውየት ወይ ዕጋበት ትረኽበሉ፡ ብዘይ ስኽፍታን ፍርሕን እፎይ ኢልካ ተኣማሚንካ ትድቅሰሉ፡ ቅኑዕ ኣንፈት ዘዕጥቕ ናይ ህይወት መምርሒ’ዩ። ከይትሰርቕ፣ ከይትሕሱ፣ ከይትዕምጽ፣ ከይትጭክን፤ ብኣንጻሩ፡ ብርሃጽካ ህይወትካ ክትመርሕ፣ ሓቀኛን ፍትሓውን ክትከውን፣ ሰብኣዊ ፍጡር ምዃንካ ፈሊጥካ ሰብኣዊ ርህራሄ ክትዕጠቕ ዝመክር፡ ዝሰብኽ መምርሒ’ዩ።

እዚ ጸረ- እከይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝኾነ ክቡር እምነት’ዚ፡ ከም’ቲ ኣብ ካልእ ዓውድታት በብደረጅኡ ዝመርሖን ዝሕተትሉን ትካላትን ኣካላትን ኣለውዎ። ኩሉ ኣማኒ ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ብፍላይ ሓላፍነት ወሲዶም፡ መጀመርያ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ዓመጽ ከይፍጽም፡ እንተተፈጺሙ ከኣ ናብ ብዱልን ፍትሕን ወጊኖም ዓገብ ኢሎም ዝመኽርሉ፡ ኣይፋል እንተደኣ ኢሉ ከኣ ዘውግዝሉ ዝኹንንሉ ዝተበደለ ሰብ ወይ ህዝቢ መሰሉ ንምኽባር ዝስለፈሉ ኣንፈት ቅድሚት ተሰሪዖም ናይ ምሕባር ግዴታ ዘለዎም’ዮም።

ስለምንታይ ካብ’ቲ ካልእ ዝተፈልየ ግዴታ ይህልዎም? ሓደ ሃይማኖት፡ ስርዓተ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተልእኾኦም ጸረ ዓመጽን ዓመትን’ዩ። ካልኣይ፡- ኣብ ህላወ ሰላም ዝህሉ፡ ንሰላም ካብ ህኮትን ህኮተኛታትን ዝከላኸል’ዩ። ሳልሳይ፡- ናይ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ክርከቡ፡ ክሳብ’ውን መስዋእቲ ክኸፍሉ ስለዘለዎም’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 28 ዓመት ኣብ ኤርትራ ብናይ ግዳም ወራሪ ሓይሊ ወይ ብባህሪያዊ ሓደጋ ዘይኮነ፡ ናተይ ናትና ተባሂሉ ብህዝቢ ብዝተሓጸነ ብዝሓንቀቐ ብሓደ ሰብ ጥራሕ ዝዝወር፡ ሕጋዊ ትካላዊ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ብዘይብሉ ስማዊ ጃንዳዊ ውዲታዊ ጉጅለ ዝበዝሑ ካብ ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ኤርትራ መሰሎም ዝተገፈሉ ዓመታት ነይሩ። ሕጂ’ውን ብከምኡ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ዝበዝሕ ካብ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ እንተተበዲሉ እንተተገፊዑ ከኣ፡ ሽዑ ንሽዑ እምነት ሃይማኖትን ስርዓተ ሃይማኖትን ክትንከፍ ባህሪያዊ’ዩ ዝኸውን። ብተግባር ዝተራእየ’ውን ንሱ’ዩ። ኩለን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላት ሓደ ድሕሪቲ ሓደ ብቀጥታዊ ኢድ ምትእትታው ናይ’ዚ እንኮ ሰባዊ ጉጅለ ግዳይ ኮይነን’የን።

ቅዱሳን መጻሕፍቲ ፍጹም ሓላፍነት ብዝጎደሎ ፖለቲካዊ ዕንደራ ብግልጺ ተቐዲዱን ሓዊ ተቓጺሉን’ዩ። ምእመናን ዝበልክኹም እንተዘይገበርኩም ብዝብል ሰሪሖም ከይበልዑ ተኸልኪሎም፡ ትካላቶም ገለ ተራስዩ ገለ ተዓጽዩ። ገለ ተኣሲሮም ገለ ከኣ ካብ ሃገር ክወጽኡ ተገይሩ። ክሳብ’ውን ብህይወት ኣለው የለውን ዘይፍለጡ ዝጠፍኡ ዜጋታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ንብረቶም ዝተራሰየ፣ ዝተኣስሩ፣ ካብ ሃገር ዝተባረሩ፡ ዝተጨውዩ፣ ዝተቐትሉ ብመሰረት እምነቶምን መምርሒኦምን ንዘይቅኑዕ ኣይቅኑዕን ኣይንቕበልን ኣይንትግብርን ስለ ዘበሉ’ዮም። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ንዝበጽሕ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብስቕታ ኣይንሓልፍን ዓገብ ስለ ዝበሉ’ዮም።

መን ኮይኖም? ደቂ-ህዝብን መራሕቲ ህዝብን ኮይኖም። ካብ’ቲ ህዝቢ ዝተፈጥሩን ኣካል ኣምሳሉ ኮይኖም ዝነብሩን ስለዝኾኑ፡ ዝፍጸም ግፍዒታት ከቐንዝዎም ባህሪያዊ’ዩ። ደቂ-ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮኑስ መራሕቲ ህዝቢ’ውን እዮም። ዘይከም ናይ ፖለቲከኛታት ብተጽዕኖ፡ ብስብከት ብእምነት ንሚሊዮናት ዝመርሑ ዘንቀሳቐሱ’ውን እዮም። ስለዚ ሃይማኖት፡ ስርዓተ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘለዎም ተደማጽነት ልዑል ስለ ዝኾነ፡ ዝፈጥርዎ ጽልዋን ተጽዕኖን ቀሊል ኣይኮነን።

ይውሓድ ይብዛሕ፡ ይፍኮስ ይኽበድ ኩሎም ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ግዳይ ህግደፍ ኮይነን’የን። ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ ኣውጊዘን’የን። ሓንቲ ካብአን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ’ያ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ዕብዳን’ዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ከም’ዚ ሎሚ ዕርቃኑ ከይወጽአ፡ ሕጹነቱ ከይወደአ ካብ መጀመርያ 90ታት’ያ ትዕዝብታ ከተንብርን ክትኩንን ዝጀመረት። ካህናት ናይ’ታ ቤተ-ክርስትያን ብውልቆም ዝተዛረብዎን ዝጸሓፍዎ ገዲፍና፡ ጳጳሳት ብሓባር፣ ገዳማት ብሓባር፣ረድዮ ቫቲካን ከም ትካል ዓገብ እናበሉ’ዮም መጺኦም። ሰብኣዊ ፍጡር ይከበር። ህዝቢ ብሕጊ ይመራሕ። ሃይማኖት ኣይደፈር። ኢደ ወነናውነት ደው ይበል ብቃልስን ብጽሑፋዊ ሰነድን ኣንጻር ምልኪ ንፍትሒ ድምጾም ከስምዑ፡ ዜግነታውን ሃማኖታውን ግዴታኦም ዝዋጽኡ ዘለው ኣብነታውያን ተቓለስቲ’ዮም።

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ድማ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ ናይ መወዳእታ ሰሙን “ንዕርቀ ሰላም” ዝጽውዕ ሃወርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው።ኣብ ውሽጢ’ቲ ሃወርያዊ መልእኽቲ ረዚን ኣዝዩ ረዚን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ሰፊሩ ኣሎ። ተግባራት ህግደፍ ተቕሊዑ ኣሎ። ህዝቢ ንመሰሉ ክቃለስ ጻውዒት ተገይርሉ ኣሎ። መራሕቲ ሃይማኖት ግቡኦም ክጻወቱ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ደቂ-ህዝብን ብእምነቶም መሰረት መራሕቲ ህዝብን ከም ዝኾኑ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣረጋጊጾም ኣለው። ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ተመሳሳሊ ደፋር ስጉምቲ ክወስዱ፡ ናብ ኣብዘሓ ህዝቢ ክውግኑ፡ ንምምልኪ ከውግዙ ይግባእ። ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ፡ መድረኽ እንታይ ይጠልብ ኣሎ? ንሕና ኣበይ ኣለና እንታይ ንገብር ኣለና ኢሎም ነብሶም ክሓቱን ብቃል ዘይኮነ ብተግባር ርእሰ ነቐፌታ ገይሮም ተሓዶስም ክብገሱን ይግባእ። ህዝቢ ድማ ከም ህዝቢ ኣብ ዝባኑ ዝዓርፍ ዘሎ ግፍዒ እናረኣየ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዘቕረብዎ ጻውዒት እናሰምዐ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ንዝገብራኦ ንጥፈታት እናተዓዘበን ተዓዛቢ ክኸውን ዘይኮነ ተሳትፎኡ ከረጋግጽ ኣለዎን ይግባእን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 29-04-2019