Written by: ዛራ-ማና
Hits: 950

ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ እዋን ግዝያዊ ሞግዚታዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ከም ዝጀመረ’ዩ ታሪኽ ዝምህረና። ካብ መጀመርያ 40ታት ድማ ውልደት ፖለቲካዊ ስለፍታት ምዃኑ’ዩ። ካብ 1941 ዓ.ም ክሳብ’ዚ ዘለናሉ እዋን ክንደይ ዓመት ኮይኑ ኣሎ ንምርዳእ ኣየጸግምን። ዝያዳ ግልጺ ንምግባር 80 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ሰብ ተወሊዱ ንዓቕመ ኣዳም/ህይዋን በጺሑ/በጺሓ ስድራ ቤታዊ ሓላፍነት ዝሰከመሉ ዕድመ 25 ዓመት ምዃኑ ምሁራትን ተመራመርትን ይምህሩ። ብካልእ ኣዘራርባ 25 ዓመት ማለት ሓደ ወለዶ ማለት’ዩ። ኤርትራ ሃገርና ብመግዛእቲ ጥልያን ኣብ 1890 ከም ሃገር ተወሊዳ። ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ትጅምር ግን ልዕሊ ሰለስተ ወለዶታት ኣቑጺራ ኣላ። ካብ 1991 ንነጀው ማለት ምሉእ ንምሉእ ልኡላውነታ ብሕጊ ተፈሊጡ ኣብ ዓለማዊ ካርታ ሰፊራ ብደቂ ሃገር ክትምራሕ ካብ ትጅምር ድማ፡ እነሆ 29 ዓመት ወዲኣ መበል 30 ዓመት ምቑጻር ጀሚራ ትርከብ።

እቲ ቀዳማይ 50 ዓመታት ምስ ኩሉ ባዕላዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይብቕዓትን ዝተዋደደ ግዳማዊ መግዛእታዊ ኢድ ኣእታውነትን ስለምንታይ ዘተኣማምን ድልዱል ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ዘይተሰርሐ ኢልካ ክትቅወቅስ ክኸብድ ይኽእል። በቲ ካልእ ገጹ ስለምንታይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘይሰልጠን (ዘይማዕበለ) ካብ ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ኣረኣእያታት ወጺኡ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዘይነገሰ፡ ውሽጣዊ ግርጭታቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ፈቲሑ ንካልኦት ኣወንታዊ ኣብነት ዘይኮነ ኢልካ ክትሓስብ፡ ድሕሪት ተመሊስካ ማህደራት ታሪኽ ክትገናጽል፡ በዓል መነበሩ፡ እንታይ በሉ፡ እንታይ’ከ ገበሩ ክትብል ንቡር’ዩ። ከም ህዝቢ ኣብ ዓውደ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዘለና ኣገንዝቦ፡ ንቕሓትን ብቕዓትን ከመይ ድዩ ኢልካ ክትሓትት፡ ዝውቀስ ኣካል ኣለሊኻ መሃሪ ብዝኾነ ኣገባብ ክትወቅስ ኣብ ቦትኡ ይኸውን። እወ 25 ዓመት ወዲ ሰብ ተወሊዱ ዓብዩ ኪዳን ኣሲሩ ኣምሳያኡ ዝወልደሉ ቁም-ነገር ዝሰርሓሉ ኣኽል ታርፍ ዕድመ እንተደኣ ኮይኑ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ’ኸ? ኣብ 50 ዓመት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ኣበይ ክበጽሕ እንታይ ክመስልን ነይርዎ? ሃገር ከም ሃገር’ከ ብህንጸት ትሕተ ቅርጻዊ ስራሓት ዝርገሓ ማሕበራዊ ልምዓታዊ ትካላትን ኣበይ ክትበጽሕ ይግባእ ነይሩ? እናነጻጸርካ ምርኣይን ምምዛን’ውን ጽቡቕ’ዩ።

ሃገር ብናይ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ብ1991 መግዛታዊ ሰራዊት ኣባሪራ፡ ኣብ 1993 ድማ ብመንገዲ ህዝባዊ ውሳኔ ልኡላውነታ ብሕጊ ካብ ተውሕስ እነሆ ናብ 30 ዓመት ዕድመ ትጎዓዝ ኣላ። 50 ዓመት ቅድሚ 1991፡ 30 ዓመት ድሕሪ 1991 ደጊምና ምስ እንድምሮ ንረኽቦ ኣሃዛዊ ውጽኢት 80 ዓመት’ዩ። እዚ ዕድመ’ዚ ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ካብ’ታ ገዛኢትና ዝነበረት ጎሬቤት ሃገር ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ቀዲምና ብጽሑፍ ዝተሰነደ መማሓዳሪ ባህላዊ ሕጊ ከም ዝነበረና፡ ካብ መጀመርያ 40ታት ከኣ፡ ምስ ዘመናዊ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝተላለና ምዕቡላት ህዝቢ ምዃና ተደጋጊሙ ክግለጽ ንሰምዕ ኢና። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ንቕሓትና ከም ዝበረኸ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ከም ዝተረረ፣ ውሽጣዊ ሓድነትና ዘይንቕነቕ ኮይኑ ከም ዝተሃንጸ፣ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ክዛረቡ ምስማዕ’ውን ልሙድ ዘረባ ‘ምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ናይ 80 ዓመት ፖለቲካዊ ዕድመና ብጭቡጥ እንታይ ኣፍሪና? ፖለቲካዊ ንቕሓትና እንታይ ይመስል? ጀማሪ ፖለቲካዊ ሀ ሁ ወይስ ናይ 80 ዓመት በዓል ዓቢ ተመክሮ? ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ሰብኣዊ ክብረትና ይሕሎ’ዶ ኣሎ? ነዚ ዘውሕስ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም’ከ ተኺልና ዲና? ከም ዜጋታት ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ተሳተፎና ከመይ’ዩ? ብሓርነት ንነብር ኣለና ወይስ ብራዕዲ ምዩቕ እናበልና ኣብ ትሕቲ ስማዊ ነጻነት ኣብ ባርነት? መቑሕ ድሕረትን ባርነትን በቲኽና ወይስ ብኡ ተኣሲርና ንነብር ኣለና? ነዚ ብልክዕ እንተገምጊምናዮ ኣበይን ከመይ ንነብር ከምዘለናን ክንርእን ኣወንታዊ ሚዛን ከነንብርን ኣይክንጽገምን ኢና።

ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ንባብ መግለጺ ፖለቲካዊ ብስለት ኣይኮነን። ድሌት ምስ ክውንነት ተጠዓዒሙ ኣሎ ወይስ በበይኑ’ዩ ዘየመዛዝን፣ ጠንቅን ሳዕቤንን ፖሊስን ኣፈጻጽማን ፈላልዩ ዘይርኢ ኣተሓሳስባ ዝኸዶ መንገዲ ኩሉ ግምታዊ ‘ምበር ወድዓውን ሚዛናውን ክኸውን ኣይክእልን። ብዘግምት ፖለቲካ እናተመራሕካ፡ መን ከማና ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝብል መግለጽን ኣስተምህሮን ድማ ውጽኢቱ፡ ከም’ቲ “ ጭጉራፍ’ሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ዝብል ምስላ’ዩ ዝኸውን። ብተግባር ኮይኑ ዘሎ ድማ ከምኡ’ዩ። ፖለቲካና ዕድመ ዝጸገበ’ዩ። ብደረጃ ንቕሓትን ህዝባዊ ኣረኣእያን ግን፡ ገና ካብ ተለመደን ፖለቲካ ከም ዝሰገረ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መረዳእታ የለን።

ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ፖለቲካዊ ብስለት፣ ፖለቲካዊ ሓላፍነት፣ ብቕዓት ፖለቲካዊ ምሕደራ መሰረቱ፡ ህዝባዊ ወገናውነትን ህዝባዊ ክብርን ምህላው’ዩ። ህላዌኡ ከኣ ብግልጺ ኣብ ባይታ ዝረአን ብህዝባዊ ቅቡልነት ዝግለጽን ‘ምበር፡ ከም “ደቂ ኣሕድርትና” ኣሎ እናተባህለ ኣብ ባይታ ዘይረአ ኣይኮነን። ከም’ቲ ዝበሃል ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ከኣ ብፍላይ ንቑሓትን ስልጡናትን እንተንኸውን ኔርና፡ ብቕዓትና ጸገምና ኣብ ምፍታሕ መመስከርና ኔርና። ምሉእ እፎይታ ዝህብ ርጉእ ፖለቲካ ኣብ ምፍጣር ግዜ እንተሓተተ፡ ነጸብራቕ ስልጡን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና፡ መባእታዊ ሃገራዊ ሰላም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት፡ ውሕስነት ዘለዎ ናይ ዜጋታት ምንቅስቓሳትን ...ወዘተ ምተራእየ ነይሩ። ውሑዳት ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያ ሒዞም፡ ብመንገዲ ጥፍኣት እናሃለሉ፡ ውጹዓትን ብዙሓትን ሓቢሮም፡ እምቢ ብሓደ ኢደ-ወነናዊ ጉጅለ ኣይንግዛእን ኢሎም፡ ትርጉም ዘለዎ ሓድነት ፈጢሮም ክምክቱ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ምተዓዘበ ነይሩ።

ኣተሃላልዋና ብተግባር ኣንጻር ናይ’ቲ ብልሳና መን ከማና ስልጡናት ኢና ክንብል ንገልጾ’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ዘለና ተረድኦ ስልጡን ዘይምዃኑ ብናይ ሰብ ደርቂ ትህረም ዘላ ኤርትራ ምስክር’ያ። እወ ብህይወት ስለ ዘለና ነስተንፍስ ኢና። ኤርትራውያን ስለዝኾና ኣብ ኤርትራ ብዝፍጸም ዘሎ ኣድልዎን ስቅያታዊ መግረፍትን ኣመልኪትና ንዛረብ ኢና። እቲ ንዛረቦ ግን ጥምር ዝበለ ሓሳብ ኣይኮነን። ኣንፈቱ ካበይ ናበይ ኣይንጹርን። ንመን ኮኒኑ ንመን’ዩ ዝድግፍ ዝብርቕርቕ ዝበለ’ዩ። ብዓማሚ ትምክሕታዊ ኣረኣእያን ካብኡ ወጻኢ ንዘሎ ደሞክራስያዊ ይኹን ትምክሕታዊ ኣረኣእያ ክኹንን፣ ጸቢብ ኣረኣእያ፡ ካብ መሳርዑ ወጻኢ ንዘሎ ህዝባዊ ይኹን ጸቢብ ኣረኣእያን ክኹንን፣ መሲሉ ሓዳሪ ተበላጺ ኣረኣእያ ብተመሳሳሊ የማን ጸጋም ወደኽደኽ እናበለ ንኹሉ ከወግዝ ህዝቢ ከደናገር ዝሕልን’ዩ። ስልጡን ኣተሓሳስባ ኣብ ዝዕብልሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም’ዚ ዓይነት ምድውዋስ ኣይፍጠርን። ፖለቲካና ግን ብንቕሓትን ብቕዓትን ዘይኮነ ብድሑር ኣረኣእያታትን ዝንባሌታትን ስለ ዝተዘርገ ዘሕፍር ‘ምበር ዘነይት የብሉን።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት ክንወድቕ ዝገበረና ምኽንያት እንታይ’ዩ? ኣብ ከም’ዚ ክንወድቕ ዝገበረ ምኽንያት ብዙሕ’ዩ። ካብ’ቶም ብዙሓት ከም ኣብነት ክልተ መሰረታዊ ነገራት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ቀዳማይ፡ ከም ህዝቢ ህርኩታት ኣብ ስራሕ፡ ተበዓት ጀጋኑ ኣብ ዓውደ ውግኣት ክንስና ኣብ ከመይነት ፖለቲካዊ ምሕደራን ዘይስገር ኣድላይነቱን ዘለና ርድኢት ድኹም’ዩ። ብግዝያዊ ስምዒት ዝተገዝአ ደኣምበር ርሑቕ ዝጠመ ብብሱል ፖለቲካዊ ዝተቓነየ ኣይኮነን። ክብረት ህዝብን ህዝባዊ ልኡላውነትን ዘይኮነ፡ ሃገርን ሃገርነት ቅድሚ ኩሉ ዝብል ዝንቡዕ ኣረኣእያ’ዩ ነጊሱ ዘሎ። እዚ መግለጺ ድሑር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ንቑሕን ስልጡንን ኣተሓሳስባ ነገራት እንክግምግም ካብ ባህሪኦም ‘ምበር ካብ ዕለታዊ ተግባራት ኣይጅምርን። ህዝብን ህዝባዊ ክብረትን ‘ምበር፡ ሃገር ቅድሚ ኩሉ ኢሉ ኣይብገስን። ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ብዝኾነ መልክዕ ውደባ ንዝመጽእ ናይ ዜጋታትን ህዝብታትን ናይ ተበዲለ ታጓኒየ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰለይ ተረጊጹ ዝብል ሕቶ፡ ብዓይኒ መሰል ደሞክራሲ ተቐቢሉ ንምፍትሑ ዝሰርሕ’ዩ። ናይ ጸጋም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ድዩ ዝኽተል ናይ የማን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣነጺሩ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ መን ምዃኑ ፈሊጡን ኣፍሊጡን ብወሳኒ መልክዑ ብሓይሊ ሓሳብ ክስዕር ዝቃለስ’ዩ። እዚ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እዚ’ዩ ስልጡን ዝበሃል። ስለዚ ከኣ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ እዚ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዚ ፈጺሙ የለን’ኳ እንተዘይተባህለ ገዛኢ ኣተሓሳስባ ግን ኣይኮነን።

ካልኣይን ቀንዲ ዕንቅፋት ናይ ኩሉ ጸገማት ኮይኑ ዘሎ፡ ስልጡን ፖለቲካ ከይወነንካ ስልጡን መሲልካ፡ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝግበር ቅድድም’ዩ። ህርፋን ስልጣን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ንቡር ዝተፈልየ’ዩ። ፖለቲካዊ ውድብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንመሓዝ ከም ዝቃለስ ዘከራኽር የብሉን። ፖለቲካዊ ስልጣን ከመይ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ናቱ መንገዲ ኣለዎ። ሓቀኛ ህዝባዊ ኣረኣእያ ወኒንካ፡ ኣብ ህዝቢ ዘሪእካ ድሕሪ ብዙሕ ትዕግስትን መስዋእትን ብሕጊ ዝሕፈስ ምህርቲ ‘ምበር፡ ብደረጃ ውድብ፡ ሓባራዊ ግንባር ይኹን ሃገር፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኣደናጊርካ ድዩ ኣፈራሪሕካ ብኣቋርጭ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ዘሎ ስሰዐ ስልጣን ግን ኣብ ጥርዚ ዝበጽሐ’ዩ። ገዛእ ርእሱ ጸላኢ ህዝቢ’ዩ። መድሓኒት ኣልቦ ከቢድ ሕማም ካንሰር’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጃንዳኡን ካብ መጀመርያ 70ታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለዎም ርድኢት፡ ስልጣን ዝሓዝሉን ኣውሒሰምሉ ዘለው ኣገባብን ልቢ ኢልና ንተዓዘብ።

ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝርከቡ ፖለቲካዊ መሪሕነት “ሓፍ ከይበላ ... ኣበላ” ከም ዝበሃል ስልጡን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ባህሊ ስራሕን ከይወነኑ፣ ኣብ ህዝቢ ኣትዮም ሰባት ከየፍረዩ፣ ከም ውድብ ድዩ ከም ግንባር ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ተወዳደርቲ ከይኮኑ እንከለው፡ ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ከገብርዎ ዝጸንሑን ገና ዝቕጽልሉ ዘለዎን ሕሜታ ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ሒዝካ ምብልላዕ፡ ብሓሳብ ምቅንጽጻል፡ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቆይምና እናበሉ፡ ኣለና ንዝብልዎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ብግሉጽ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝኣልይዎን ዘመሓድርዎ፡ ከም ተራ ማሕበራዊ ባእስን ዕርቅን፡ ብከውሊ እከለ ንእከለ ርኸቦ፣ እከለ ኣብ ስልጣን ከይመጽእ ባይታ ንኽላኣዮ ንቐንጽሎ፣ ስልጣን ካብ ኢድና ክትወጽእ የብላን ..ወዘተ እናተባህለ ዝግበር ዘሎ ሽርሕታት ብርግኣት ንዝከታተል ብሱል ዜጋ፡ ስልጡን ኣተሓሳስባ ከይወነንካ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምቅድዳም ሕማም ኮለል ኢሉ’ዩ ዝረአ። ንጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ብቃልሲ ዘይተወገደ ዝደለየ ይበልን ይግበርን ቅቡጽ ስለ ዝኾነ ንቕበጾ። ኣብ’ቲ ዘይቅበጽ ካብ ምዕራዩ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሎ ዝንቡዕ ርድኢት ግን ብትኹረት ክረአ ይግባእ። 80 ዓመት ኣብ ዘቑጸረ ገዲም ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዝሰረቱ፡ ብሕግን ብመትከልን ዝግዛእ ስልጡን ኣተሓሳስባ ንዕዘብ የለናን። ገለ ካብ ገዳይም ተቓለስቲ ኤርትራውያን “ኤርትራውያን ከይንሰማማዓ ተሰማሚዕና ኢና” ዝበልሉ ብተግባር ንሪአሉ ዘለና ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና። ስለዚ ኩልና ስልጡን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከይወነንካ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምቅድዳም ንጸየን። ዒብ ንግበር።

                                            ካብ ዛራ-ማና

                                           10-07-2020