Written by: ዛራ ማና
Hits: 1030

ኣንበብቲ ነዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሕልና ኣልቦ ኣመለኽቱን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራን ዝፍጽምዎ ዘለዎ ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብሃገር ደረጃ ድማ ፈጢረሞ ዘለው ዕንወትን ምብትታንን ካብ ተሓታትነትን ውርደትን ንምህዳም፡ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ውጽኢት ተጻብኦ ወያነ’ዩ፡ ተገልቢጦም ድማ ወያነ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ እናበሉ ዘካይድዎ ዘለው መሰረት ዘይብሉ ስዑር ጎስጓሳት፡ ስለምንታይ ዕዮ ገዛኦም ዘይሰርሑ? ስለምንታይከ ዶብ ሰጊርካ ምስ ወያነ ምውድዳር? ብምንታይከ ይወዳደሩ ዝብል ሕቶ ስለ ዝፈጠረለይ ርእይቶይ ንምግላጽ’የ።

ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ኣብ ዘለወን ደሞክራስያውያን ሃገራት፡ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ውድድር ንቡር’ዩ። ብሕጊ ድማ ዝተደገፈ’ዩ። ዶብ ሰገር ፖለቲካዊ ውድድር ግን፡ ብርሑቕ ብስነ-ሓሳብ (በረኣእያ) ዝፍጠር ጽልዋ ’ምበር ሕጋዊ ደገፍ የብሉን። ብርግጽ ብዝተፈላለየ ዓውዳታት ውልቀ-ሰባት ይወዳደሩ’ዮም። ነጋዶን ኣውፈርትን ይወዳደሩ’ዮም። ስነ-ጥበበኛታት ይወዳደሩ’ዮም። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት የወዳደሩ’ዮም። ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ ግን ውልቀ ሰብ ስለዘይኮነ፡ ኣብ ተራ ውድድር ኣይኣቱን። ንሱ ኣብ’ታ ዝመርሓ ዘሎ ሃገር፡ ነቲ ዝመርሖ ዘሎ ህዝቢ ብዝህቦ ኣወንታዊ ኣገልግሎትን ካብኡ ዝረኽቦ ህዝባዊ ቅቡልነትን’ዩ ዝምዘን። ብባህሪኡ፡ ብፖለቲካዊ ፕሮግራሙ፡ ፖሊሲኡን ግብራዊ ንጥፈታቱን’ዩ ሓያል ወይ ድኹም ዝበሃል።

ሓደ ሃገር ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ዘቤታዊ ዕዮኡ ፈጺሙ፡ ጸገም ህዝቡ ፈቲሑ ቅቡልነቱ እንተረጋጊጹ፡ ስነ-ሓሳቡ ወይ ፖሊሲኡ ክንዮ ዶብ ኣብ ዘለው ህዝብታትን ሃገራትን ኣወንታዊ ጽልዋ ከሕድር ባህሪያዊ’ዩ። ብሰንኪ ዝኽተሎ ግጉይ ቀታሊ ባህርን ፖሊስን ህዝቡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት እናነበረ፡ ናብ ካልእ ባና ብርሃን ከሕልፍ’የ፡ ደሞክራስያዊ’የ፡ ካብ እከለ ኣነ በልጽ ኣነ እሕይል ማለት ግን ካብ ክውንነት ወጻኢ ከንቱ ህውተታ’ዩ። መለክዒ ፖለቲካዊ ልዕልነትን ተቐባልነትን መጀመርታ ህዝባውን ደሞክራስያን ባህሪ ምውናን’ዩ። ቀጺልካ ብሕጋዊ ኣገባብ ምኻድ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንህዝባውን ደሞክራስያውን ባህሪኻን ሕጋዊ ምእዙዝነትካን ዘንጸባርቕ ተግባር ምፍጻም’ዩ። እዚ ኣብ መሬትካ፡ ኣብ ሃገርካ፡ ኣብ ህዝብኻ ምስ ኣስፈንካን ብህዝብኻ ቅቡልን እሙንን ምስኮንካን ተደላዪ ትኸውን። ኣረኣእያኻን ተሞክሮኻን ክወስዱ ዝደልዩ ፈተውቲ ተጥሪ። ኣወንታዊ ናይ ሓያልነት ጽልዋኻ ድማ ይሰፍሕ።

ዕዮ ገዛኻ ከይሰራሕካ፡ ዝነበረ ክብርታትን ምዕባሌታትን ህዝብኻ እናደምሰስካ፡ ብኣካላዊ ቅንጸላ ብራዕዲ እናመሓደርካ፡ ገንዘብ ሂቦም ዝልእኩ ጎይቶት ክትቀያየር ጸሓይ እናዓረበካ፡ ኣነ ሓያል፡ መን ከማይ እናበልካ ምፍካር ፖለቲካዊ ኮነ ሞራላዊ ሚዛን ዘይብሉ ሕሱር ኣበሃህላ’ዩ። ገዛኻ ሓሚዱ፡ ህዝብኻ ተበቲኑ ተዋሪዱ ኣብ ጎልጎል ከም ዝወግሖ ዝብኢ ኣንፈትካ ኣጥፊእካ ቀባሕባሕ እናበልካ፡ ሓንሳብ ምኽንያት ውድቀተይ ተጻብኦ ወያነ፡ ካልእ ግዜኻ ኣነ ካብ እከለ ይሕይል፡ ኣይሞትኩን ከንቱ ፈኸራ ካብ ሓቀኛ ክውንነትካ ክትሃድም ኣይሕግዝን።

ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ መንግስታት ዝግበር ናይ መን ካብ መን ይሕይል መነጻጸሪ መሰረቱ፡ ደርባዊ ባህሪ፣ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ፖሊስን ስትራተጂን፣ ማሕበራዊ መሰረት (ህዝባዊ ወገንነት) ኣገባብ ቃልሲ (ሜላ) …ወዘተ ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ንሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ካብ’ዞም ረቛሒታት እዚኣቶም ወጻኢ፡ ህዝባዊ ወይ ጸረ-ህዝቢ፡ ሓያል ወይ ድኹም ዝብል ሚዛን ክትህቦ፡ ስለዚ ከኣ ከተመጉሶ ወይ ክትኩንኖ ምፍታን ብጭቡጥ መረዳእታ ዘይተሰነየ ተራ ድሌት’ዩ ዝኸውን።

መምዘኒ ፖለቲካዊ ሓያልነት፡ ብትውልዱ ናትካ ስለ ዝኾነ፡ ብቋንቋኻ ስለ ዝዛረብ፡ ትፈልጦም ሰባት ኣብኡ ስለ ዘለው፡ ብዝኾነ ኣገባብ ግዝያዊ ነገራዊ ጸገምካ ስለዝፈትሓልካ፣ ኣካላዊ ግዝፊ ስለዘለዎ ማለት ብዙሓት ወተሃደራትን ዕጥቅን ስለዝውንን ኣይኮነን። ምሁራት ናይ’ዚ ዓውዲ ከም ዝብልዎ ወይ ከም ዝምህርዎ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ንስለ ምግባር ብንግበር ንግበር ኣይምስረትን። ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ጭቡጥ ህዝባዊ ወጽዓ’ዩ ዝውለድ። ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ካልኦት ዝፍለየሉ ውሽጣዊ ባህሪ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውድብ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውድብ ብጉባኤ’ዩ ሕጋውነት ዝለብስ። ፖለቲካዊ ውድብ ውሽጣዊ ዝመሓደረሉ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቖጻጸረሉ ጉባኤ ዝሃቦ ቅዋም (ሕገ-ህንጻ) ኣለዎ። ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ቃሕታኻን ክሳብ ዕድመ ልክዕካን ዘይኮነ፡ ከመይ ይተሓዝ፡ ከመይከ ይሕደግ ብሕገ ህንጻ ዝተገደበ’ዩ። ፖለቲካዊ ውድብ ሓታትን ተሓታትን ኣለዎ። ምንጪ ቁጠባዊ እቶቱ፡ ኣታዊኡን ወጻኢኡን ናይ ግድን ፍሉጥ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መንጽር ኣመጻጽኣን ኣተሃላልዋ ጉጅለ ህግደፍ እንታይን ከመይን ይመስል ፍሉይ መረዳእታ ዘድዮ ኣይኮነን። ብተግባር ንነብሮ ዘለና ምስክር ስለዝኾነ።

ፖለቲካዊ ሚዛና ንጹር ርጡብ መታን ክኸውን ግን፡ ህግደፍ ሓያል’ዩ ኣይፋል ድኹም’ባ ናብ ዝብል ቅድሚ ምእታው፡ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ፣ ማሕበራዊ መሰረቱ፣ ዝኽተሎ ፖሊሲ፣ ካብ’ዚ ዝምንጩ ተግባሩ፡ ብግቡእ ምጽናዕ፡ ምግምጋም የድሊ። ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። 29 ዓመት ግን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ኣሎ። ብኸመይ? ሃገር ኢና ግን ሓጋግን ፈራድን ትካላት የብልናን ስለምንታይ? ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኣለዋ፡ ኣብ ሃገረን ብነጻነት ክውድባን ክንቀሳቐሳን ግን ኣይፍቀድን ስለምንታይ? ብዙሓት መራኻቢ ብዙሓት ኣለዋ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ብሕግን ብሰላም ክዋሳእ ግን ኣይፍቀድን ስለምንታይ? ናይ ስራሕ ዕድል የለን። ሃይማኖታዊ ነጻነት የለን። ሰላም የለን። መሬት ዝዘበጠ ድኽነት ተፈጢሩ ኣሎ። ምምሃርን ምስትምሃርን ብተግባር ካብ ዝጎናደብ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ሕብረተ-ሰብ ማሕበራዊ ሰለሎ ሰፊኑ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ስማዊ ነጻነት ቅሉዕ ጉልበታዊ ባርነት ይካየድ ኣሎ። ህዝባዊ ልኡላውነት ተሃሪሙ፡ ንመሬታዊ ልኡላውነት ዝዳፈር ወስታታት ይረአ ኣሎ። ኣብዘሓ ህዝቢ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተባቲኹ ከብድን ኮይኑ ኣሎ ..ወዘተ።

መለለዪ መንግስቲ ህግደፍ፡ ባዶ ትምክሕታዊ ጃህራ’ዩ። ስሩት ኣወንታዊ ህዝባዊ መሳርዕ ብምህራም፡ ብህግደፋዊ ፈላላዪ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ምቕያር’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ህዝቢ ምስቓይ ከም ሃገራዊ ልምዓታዊ ፖሊሲ መምርሒኻ ገይርካ ምስራሕ’ዩ። መንገዲ ፍቕርን ምትሕልላን፡ ብሕድሕድ ምጥርጣርን ምፍልላይን ምብራዝ’ዩ። ንዝተማህረ ምድንቋር፡ ንዘይተማህረ መሊስካ ምድንቋር’ዩ። ንዝሃብተመ ምድካይ ነቲ ድኻ ከኣ ዝያዳ ክደኪ ብምግባር ሕልንኡ ኣዕሪቡ ተጸባዪ ክኸውን ምፍራድ’ዩ። ጉዕዞ 29 ዓመት ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ሓቂ’ዚ እዩ ዝነግረና። ውጽኢት ናይ’ዚ ዝዓነወት ኤርትራ፡ ንፋስ ዝኣተዋ ኤርትራዊት ስድራ፣ ዓሚቕ ድኽነት፣ ራዕዲ፣ ካብ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘመሓድራ ኤርትራ ምንባር ስደት ዝምረጸሉ ገዛኢ ኣተሓሳስባ’ዩ ነጊሱ ዘሎ። እዚ ሃገራዊ ዕንወት’ዚ ህግደፍ ኣምጸኦ ምዃኑ ብሩህ ክንሱ፡ ብተጻብኦ ወያነ ከተመኽኒየሉ ምፍታን ካብ ስዕረት ናብ ስዕረት ምስጓም’ዩ። ወያነ ወዲቑ ንሕና ሳላ ዘንጊ ሓቂ ጨቢጥና ዕጥቅና ኣስጢምና ዝመከትና ስዒርና ወጺእና ዮሃና ክበሃል ኣብ ዳስ ሓዘንካ ምስዕሳዕ’ዩ።

ኣብ’ታ ንልዕሊ 27 ዓመት ብቀላስነት ህወሓት (ወያነ) ትዝወረ ከም ዝነበረ ዝንገረላ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብቀጥታ ብኡ ትምራሕ ዝነበረትን ዘላን ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ ምዕባሌታትን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ብህግደፍ ምስ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ ፈጺሙ ዝነጻጸር ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ወያነ ዘለዎ ዕላማ መሰረት ዝገበረ እምነትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህግደፍ ዘለዎ ፍርሕን ራዕድን መሰረት ዝገበረ ግዱድ ዝምድናን’ውን ከምኡ ፈጽሙ ዝወዳደር ኣይኮነን። ህወሓት’ኮ ህዝቡ ዝኣምነሉ ዓለም ትፈልጦ ዝምረሓሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣለዎ። ኩሉ ንጥፈታቱ ድማ ካብኡ ዝብገስ’ዩ። ህዝባዊ ራእይ፡ ፖሊስን ስትራተጂን ኣለዎ። በዚ ኣንፈት’ዚ መሰረት ገይሩ ድማ ህዝቡ ኣንቂሑ፡ ወዲቡን ኣዕጢቑን ጸረ-ድሕረትን ድኽነትን ድግድጊት ተዓጢቑ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ እንዳ ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ መንግስትን ምስ ኩሉ ጸገማቱ፡ ሕጋዊ ተሓታትነት ኣሎ። ብሕጊ ዝቖማ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለወን ፖለቲካዊ ውድባት ኣለዋ። ዝቖማሉ ሕጊ መሰረት ብምግባር፡ ህዝቢ ከይብደል ንመንግስቲ ዝነቕፋ ዝቆጻጸራ ስቪክ ማሕበራት ኣለዋ። ብጥሕሰት ሕጊ ዝጥርጠሩ ሰባት ዝተሓዝሉ፡ ዝእሰርሉ፡ ፍርዲ ዝረኽብሉ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣለዋ። ብህዝቢ ዝተመረጸ ሃገራዊ ባይቶ ኣሎ። ፈራዲ ኣካል ኣሎ። ኦዲት ኮሚሽን ኣሎ። ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ኣሎ። ስሩዕ ዓመታዊ ባጀት ኣለዎ። ምንጩ ካበይ ከምዝኾነን ኣበይ ከምዝውዕልን ዝመርሑን ዝቆጻጸርን ትካላት ኣለውዎ።

ህግደፍ ኣብ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ግን እዚ ኩለ የለን። ዝነበረን ክነብር ዘነበሮን ጠፊኡ። ዘይነበረን ክህሉ ድማ ዘይነበሮን ኣሎ። እሞ ህግደፍን ኣምለኽቱን ብሓደ መዳይ ጠንቂ ኹለንተናዊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቅልውላስ ተጻብኦ ወያነ’ዩ ኢሎም ክቑዝሙ፡ ብካልእ መዳይ ከኣ ወያነ ደኺማን ተሳዒራን’ያ ንሕና ብኹሉ ሸነኽ ዕውታት ኢና ኢሎም ነብሶም ናብ ውድድር ከቕርቡ ደኣ በየናይ መዕየሪ? ተዓሚትካ ነብሰ መጎሳ፡ ተዓሚትካ ድማ ንወያነ ምጽላእ እንተዘይሃልዩ፡ ወያነን ህግደፍን ብሓሳብ ኮነ ብተግባር ናብ ውድድር ክቐርቡ ኣይክእሉን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰላምን ተነጻጻሪ ልምዓትን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ደርቅን ፖለቲካዊ ጸልማትን ፈጺሙ ኣይወዳደርን። ንምውድዳር እንተተፈተነ’ውን እቲ ሚዛን ናበይ ከም ዝዝንብል ርዱእ’ዩ። ስለዚ ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጸር ምሕላን ከንቱ ሃለውለው’ዩ።

                                                               ካብ ዛራ ማና

                                                               25-05-2020