Written by: ርስቶም ኣሮን
Hits: 954

ሓደ ሰብ ብኣካልን ብሓሳብን ሓደ ስለዝኾነ ሓድነት ክገብር ኣይሕተትን። ሓንቲ ስድራ ቤት ግን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዘለዎም ሰባት ዝሓቖፈት ስለ ዝኾነት ውሽጣዊ ውህደትን ሓድነት የድሊያ። ኣብ ኣባላት’ታ ስድራ ዝለዓል በበይኑ ሓሳባት፡ ብሰላም ብልዝብ ብምቅብባል እናፈትሐት ውሽጣዊ ሓድነታ ዓቂባ ክትነብር ዘዋጽእ ምዃኑ ክትምከር ኣብ ቦትኡ’ዩ።

ሓደ ብሄር ወይ ብሄረ-ሰብ፡ ከም ብሄር ብሄረ-ሰብ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ብተመሳሳሊ ብዙሓት ሰባት ዝተኣኻኸብሉ ምትእስሳር ብምዃኑ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ክንጸባረቕ ባህሪያዊ’ዩ። ነቲ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ብምዕፋን ኣብ ሓደ ከተምጸኦ ኣይከኣልን። ንዘሎ ፍልልያት ብጸጋ ተቐቢልካን ኣኽቢርካን ብሓባር ብሰላም ከንብሮም ብዘኽእል ብሱል ደሞክራስያዊ ኣገባብ ከተመሓድሮ ግን ይከኣል።

ስለዚ ፍልልይ ኣብ ዘይብሉ ሓድነት ዝበሃል ነገር ክለዓል ኣይክእልን። ፍልልይ ምስ ሃለወ’ዩ ሓድነት ዝጥለብ። ሓድነት ካብ ማህጸን ፍልልይ’ዩ ዝውለድ። ሓድነት ብስነ-መጎት ሓይሊ ብምጭፍላቕ ዘይኮነ ሕድሕድ ብምክብባር ብፍቶት’ዩ ዝረጋገጽ። ብሃገር ደረጃ ሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ምስ ካልእ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሓደ ሃይማኖት ምስ ካልእ ሃይማኖት ዘለዎም ፍልል ክትክሕዶ ወይ ጨፍሊቕካ ሓደ ክትገብሮ ምፍታን ፖለቲካዊ ድንቁርና’ዩ። ህዝብን ሃገርን ኣብ ዘይጻሒ ኲናት ክነብሩ ምፍራድ’ዩ። ስለዚ እቲ ፍልልይ ብስመ ሃገራዊ ሓድነት ክጭፍለቕ ዘይኮነስ፡ ብወግዒ ብናይ ሓባር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ኣፍልጦ ረኺቡ፡ ብፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ክነብር ዘኽእሎ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ’ዩ ክፍጠረሉ ዘለዎ። ሓቀኛ ሓድነት ብኽምዚ’ዩ ዝረጋገጽ።

ንኣብነት ሓደ ብሄር ወይ ብሄረ-ሰብ ምስ ካልእ ብሄር ብሄረ-ሰብ ብንጹር ዘፍልዮ ረቛሒታት ከም ዘለዎ፡ ኣብ መንጎ ብሄረ-ትግርኛን ብሄረ ሳሆን፣ ኣብ መንጎ ብሄረ ትግረን ብሄረ ኩናማን፣ ኣብ መንጎ ብሄረ ብሌንን ብሄረ ራሻይዳን፣ ኣብ መንጎ ብሄረ ዓፋርን ብሄረ ናራን ዘሎ ፍልልይ ሓባሪ’ዩ። ነዚ ህልዊ ሓቂ ንዓኻ መታን ክጥዕመካ ዘየለ ክትገብሮ በፍጹም ኣይከኣልን። ስለምንታይ ሓደ ብሄር ካብ’ቲ ካልእ ዝፈልዮ ርእሱ ዝኸኣለ መምዘኒታት ህልዊ ስለ ዝኾነ። ነዚ ባህሪያዊ ፍልልይ ብግዴታ ወይ ዕረ እናጠዓመካ ዘይኮነ፡ ልክዕ ከም ተፈጥሮ ወድን ጓልን፣ ሓጺርን ነዊሕን፣ ጸሊምን ቀይሕን፣ ረጒድን ቀጢንን ተሓጒስካ ምቕባልን ምስኡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር ጥራሕ’ዩ እቲ እንኮን ኣማራጺ ዘይብሉን ብሱል ምሕደራን።

ኣብ ከም’ዚ ተኸባቢርካ ምንባር ማለት ንግድነታዊ ሓቂ ምቕባል ማለት’ዩ። ነቲ ህልዊ ባህሪያዊ ፍልልይ ዘይምቕባል ሓሶትን ክሕደትን’ዩ። ንሓቀኛ ክውንነት ዝቕበሉ ኣብ ገዛእ ነብሶም ዝተኣማመኑ ካብ ናይ ድሕረት ኣረኣእያታት ሓራ ዝኾነ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዘለዎም ወገናት’ዮም። ንካልእ መታን ክሕሾ ዘይኮነ፡ ሕልናኦም ኣዚዝዎም ንገዛእ ርእሶም ድማ ክሕሾም፡ ሓቢሮምን ተኸባቢሮምን ክነብሩ ከም ዘለዎምን ከም ዘዋጽኦምን ብንቕሓት ዝርድኡ’ዮም። ከም’ዚ ዓይነት ፍልልይ ድማ ጸጋ ‘ምበር መርገም ከም ዘይኮነ ስለ ዝርድኡ፡ ንፍልልይ ብደሞክራስያዊ ማዕርነት ኣመሓዲርና ከም ደቂ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ውሽጣዊ ሓድነትና ኣስጢምና ብሓባር ንንበር’ዮም ዝብሉ።

ከም ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጃንዳኡን ዝበሉ ብሃገራዊ ሓድነት ዝሽቅጡ ጠቕመ ፈሊጣውያን ከኣ ብኣንጻሩ፡ ንሕብረ ብሄራዊት ሃገረ ኤርትራ ዘቖሙ ባህሪያዊ ኮነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ክህሉ የብሉን በሃልቲ’ዮም። ንኢሳያስን መጋበርያታቱ ጠቕመ ፈሊጣውያንን ንህልዊ ባህሪያዊ ፍልልይ ክሒድካን ጨፍሊቕካን ኣብ ዘይለን ክመጽእ’ውን ኣብዘይኽእልን ሓድነት ምንባር’ዩ ቀዳማይ ምርጫኦም። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጠቕመ ፈሊጣውያን ዓጀብቱን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ፍልልይ ብሓድነት ምንባር ዘኽእል ኣወንታዊ ምትእስሳር ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ኣይፈልጡን ዘይኮነ እናፈለጡ ክቕበሉ ኣይደልዩን።

ሓድነትን ፍልልይን ባህሪያዊ ታሪኻዊ፡ ማሕበራዊ መሰረት ኣለዎ። ደቂ-ሰባት ከከም ደርባዊ ባህሪኦምን ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦምን ዝተፈላለየ መርገጽ ክሕዙ ይረኣዩ። ንሓድነት ግን ፖለቲካዊ መሰረቱ ፍልልይ’ዩ። ናይ’ቲ ፍልልይ መጥመሪ ከኣ ሓድነት’ዩ። ፍቶታዊ ማዕርነታዊ ሓድነት። ፍልልይ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባ ሓድነት ምሓሳብ ኣይከኣልን። ሓድነት ዘይብሉ ፍልልይ ከኣ ብኹሉ መዕቀኒታት ኣይዋጽእን።

ስለዚ ንባህሪያውን ካብ ኣረኣእያ ደቂ-ሰባት ዝምንጩ ፍልልይን ብጸጋ ምቕባል። ኣብ’ቲ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ካብ ዝኾነ ተጽዕኖ ነጻ ዝኾነ ፍቶታዊ ማዕርነታዊ ሓድነት ምፍጣር። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጃንድኡን ሃገራዊ ሓድነት ዝብል ‘ምበር ንዘሎ ፍልልይ ክቕበሉ ከምዘይደልዩ ብንቕሓት ምርዳእ።

ስለምንታይ ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓታት ዘረጋግጸልና ፍልልይ ዘየተኣናግድ ሓድነት ዝብል ጭርሖ ምስ እንኽተል’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገዲፎም ኣብ ዘየለ ነገር ክነብሩ’ዮም ዝህውትቱ። ይፈቶ ይጸላእ ኤርትራ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር’ያ። ብዙሕነት ዝሓቖፈት ሃገር’ያ። ብዙሕነት ከኣ፡ ኣተሓሕዛ እንተኽኢልካሉ ጸጋ’ዩ። መልክዕ’ዩ። ጠንቂ ዘይምኽንያታዊ ሕቶን ፍልልይ ክኸውን ከቶ ኣይኽእልን። ህዝብታት ኤርትራ ትማሊ ኣብ ውሽጢ ፍልልይ ሓድነት ሃኒጾም መጺኦም። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ፍልልይ ብሓድነት ይነብሩ ኣለው። እኳ ደኣስ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ምእዙዛቱን ዝዘርእዎ ዘለው ብዙሕ ዝዓይነቱ መደብ ከፋፊልካ ግዛእ።

ብመሰረቱ ፍልልይን ሓድነትን ከም ዘለዎ እንተተወሲዱ ክልቲኡ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ገለ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ኢሳያስን ኣምለኽቱን ዘሎ ኣረኣእያ ግን ዓይኒኻ ዓሚትካ ንሓድነት ምዝማር፡ ዓይኒኻ ዓሚትካ ንፍልልይ ምኹናን’ዩ። ዕሙት ተቓውሞ ወይ ምድጋፍ ከኣ ብዝኾነ መዕቀኒ ምኽንያታውን ቅቡልን ክኸውን ኣይክእልን። ብሱል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ፍልልይ ብምኽንያታዊ፡ ነቲ ሓድነት ብተመሳሳሊ ብምኽንያታዊ መረዳእታ ዘቕርብ’ዩ ክኸውን ዘለዎ።

ነናተን መበቆላዊ፡ ታሪኽ፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ድሕረ ባይታ ዘለወን ልዕሊ ትሸዓተ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ እናሃለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍልልይ ዘይብሉ ሓደ ህዝቢ’ዩ። ፍልልይ ኣለዎ ዝብሉ ወገናት ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎም በተንትን ዘረግቲ ሓድነትን’ዮም። ዘይነበረን ዘየለን ፖለቲካዊ ሕማም ከተኣታትው ዝደል’ዩ ብደገ ዝተላእኩ ዕሱባት’ዮም፡ ዝብል መሰረት ኣልቦ ዓፋኒ መጎት ከቕርቡ ይስምዑ። እዚ ግን ምስ ሓቅን ኣከናውና ህዝብታት ኤርትራን ዘይቃዶ መንገዲ ተበለጽቲ ስለ ዝኾነ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን።

ስለምንታይ’ሲ በቲ ሓደ ንህልዊ ሓቂ ይኽሕድ ስለ ዘሎ። በቲ ካልእ ከኣ መሰረታዊ መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ኣደናጊሩን ጨፍሊቑን ንምግዛእ ዝዓለመ ብምዃኑ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፍልልይ ኣይሰምዕን ሓድነት ጥራሕ ክብል እንከሎ ህዝባውን ደሞክራስያውን ባህሪ ወኒኑ ኣይኮነን። ፍጹም መላኺ ገባትን ፈላላይን ባህሪ ወኒኑ እናሃለወ’ዩ፡ ከምኡ ዝብል ዘሎ። ኣምለኽቱን መጋበርያታቱን ሓቕኻ ክብልዎ እንከለው’ውን ብዘይፍላጥ ዘይኮነስ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ነገራዊ ረብሓ ከረጋግጸልና ይኽእል’ዩ ዝብል ስሱዕ እምነት ስለ ዘሕደሩ’ዮም።

ብልክዕ እንታይ ይብል ኣሎ ከይተረድኡ እወ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ’ዩ፡ ሓድነት ጥራሕ ኢና ክንሰምዕ ንደሊ። ፍልልይ ክንሰምዕ ኣይንደልን ዝብሉ፡ ግሩሃትን ከምዘለው’ውን ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ሓቀኛ ህዝባውን ሃገራውን ሓድነት ዘውሕስ ኣገባብ ግን፡ ንኹሉ ሸነኻዊ ኤርትራዊ ብዙሓነት ብጸጋ ተቐቢልካ ተኸባቢርካ ምንባር ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እዞም ግሩሃት ቀዳምነት ዝህብዎ ፖለቲካዊ ሓድነት ሃገራዊ ሓድነት ዝብል’ዩ። ህዝባውን ሃገራውን ሓድነት ድማ ብሰናይ ድሌት ኮነ ብስነ መጎት ሓይሊ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ሓድነት ዝብል ቃል ‘ምበር ፍልልይ ዝበሃል ቃል ክንሰምዕ ኣይንደልን እናበልካ ሰላም ፍትሒ ማዕርነት ይደሊ’የ ወይ ንደሊ ኢና ማለት ኣይሰማማዕን። ንዓና ጥራሕ ምሰሉ ስምዑ ማለት መንገዲ ጥዕና ኣይኮነን።

ሃገር ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ህዝቢ ማለት’ከ እንታይ ማለት’ዩ? ፖለቲካዊ ትርጉሙ ብልክዕ ዝሓዝዎ ኣይኮኑን። በዓል እከለ ካባና ዝሓሸ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሎም ዝሪእዎም ሰባት ይብሉ ስለ ዘለው፡ ስለምንታይ ከምኡ ይብሉ ኣለው ከይ ገምገሙ ዝብልዎ ዘለው ኣብ ገደል ዘእቱ መንገዲ ሃውሪ’ዩ። እዚ ሃውራዊ ኣገንዝቦን ኣካይዳን’ዚ ኣብ ትሕቲ ፍጹም መላኺ ኢሳያስን ኣምለኽቱን መሪር ብሄራውን ደርባውን ስቓይ ንዘሕልፉ ዘለው ወገናት ኣይተበደልኩምን ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ክሕደት ምፍጻም’ዩ።

እዞም ግሩሃት፡ ኢሳያስን መጋበርያታቱ ጠቕመ ፈሊጣውያንን ቀለስትን ዓቀብትን ሃገራዊ ሓድነት ኢና ኢሎም ንዘስምዕዎ ባዶ ስብከት እወ ሓቕኹም ይብልዎም ኣለው። ንገዛእ ርእሶም ድኹዒ ሕማቕ ተግባር ኮይኖም፡ ንካልኦት ድኹዒ ክኾኑ ኣልማሲ መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለው። ነቶም ብስመ ሃገራዊ ሓድነት ኣድልዎ ይበጽሓና ኣሎ ንግለል ኣለና፡ መንነትና ይጠፍእ ኣሎ ዝብሉ ወገናት ርግእ ኢሎም ክሰምዕዎም፡ ነገራት ሓቂ ዶ ሓሶት ከገናዝቡ ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ንቕሓት ክውንኑ ኣይከኣሉን ኣለው።

ስለዚ ከይተረደኦም ደገፍትን ኣገልገልትን ኣምስሉ ኢሳያስ ይኾኑ ኣለው። ብስም ሃገራዊ ሓድነት እዚ ውልቀ መላኺ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ንዝፍጽሞ ዘሎ ፋሽሽታዊ ተግባር ይባርኽሉ ኣለው። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ንኣከናውና ህዝብታት ኤርትራ ዘይቅበል፡ ንባህሪያዊ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይጻወር፡ ብሓደ መስኖ ጥራሕ ዝወርደሉ ሓሳባትን መመርሒታትን ተቐቢሉ ዝኸይድ ኣረኣእይ ጉድኣት ‘ምበር ጠቕሚ የብሉን። ከም ውጽኢቱ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ብልኡላዊ ህዝቢ ዘይመሓደር ባዶ ይኸውን ኣሎ። መሰል ህዝብታት እናጨፍለቕካን ብሰላም ከይነብሩ፡ ካብ ግዝኣቶም ክሃድሙ እናስገደድካን ሓድነት ሓድነት ማለት ከም’ዚ ብተግባር ኮይናዮ ዘለና’ዩ ዝገብር። ህዝባዊ ጥምረት ኣስኢኑ ህዝባዊ ተሰማዕነት ከይንረክብ በብዝወጻእናዮ ክንበታተን ዝገብር ሓደገኛ ውጥን’ዩ።

ስለዚ ትርጉም ፍልልይን ሓድነትን ካብ ግዝያዊ ረብሓን ግዝያዊ ስምዒታዊ ረስንን ግርህናን ወጺእና ብዕምቆት ነስተማቕር። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ’ዩ ዝብል፡ ንብዙሕነትና ዝኽሕድ ኣረኣእያ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ድኹዒ ውልቀ መላኺ ኮይኑ፡ ዝበታትነና ነታጒ ‘ምበር፡ ሰላም ከም ዘይበና ምርዳእ የድሊ። ፍልልይ እናሃለወ፡ ፍልልይ የለን እናበልካ ብሓድነት ምዝማር ገዛእ ርእስኻ ምትላል’ዩ። ክኸውን ዘለዎ’ምበኣር ወሪዱና ንዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝፈትሕ ፍቱን መድሓኒት ፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ማዕርነት ‘ምበር፡ ክሕደትን ምትላልን ክኸውን ኣይግባእን። ኤርትራ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር’ያ። ስለዝኾነ ከኣ ንዘሎ ብሄራዊ ኮነ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ተቐቢልናን ተኸባቢርናን ብሓድነት ዘንብረና ቅዋማዊ ውሕስነት ዘለዎ ድልዱል ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣር ተናቢብናን ተወሃሂድናን ኣንጻር ፍጹም መላኺ ጃንዳ ተቓሊስካ ብዓወት ምጽንባል’ዩ።

                                     ካብ ርስቶም ኣሮን

                                      10-02-2020