Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርት
Hits: 1217

ከም ሰብን ከም ሕብረተ-ሰብን ብኩለንተናኻ ቅሱን ህይወት ክትመርሕ፡ ከም ሃገር ከኣ ተረጋጊእካ ሓሲብካ ኣስተውዒልካ፡ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጽካ ተረዳዲእካ ሓቢርካ ናብ ተግባር ክትወፍር፡ ዝድለ ውጽኢት ረኺብካ እፎይ ክትብል ሃገራዊ ሰላም ምህላው ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ከም ሰብ ነብስኻ ዘይትመርሕ፡ ሕሉፍ ህልውን መጻእን ዘይተገናዝብ፡ ካብ ርድኢትካን ምርጫኻን ወጻኢ ይብሉ ኣለው ወይ ይበሃል ኣሎ እናበልካ ካልኦት ናብ ዝጎተቱኻ ትኸይድ ልኩም እንተኾንኻ፡ ይረዳእካ ኣይረዳእካ ናተይ ትብሎ ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ መንነት ዘይብልካ ካብ ሳዕሪ ብላዕ እንስሳ ዘይትሓይሽ ሰብ ምዃንካ’ዩ ዘመልክት።

ወዲ-ሰብ ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ። ካብ ናይ ካልኦት እንስሳታት ዝተፈልየ ናይ ፈጣሪ ህያብ ግን ኣለዎ። ሕማቕን ጽቡቕን፣ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን፣ ፈታውን ጸላእን ዝመምየሉ ሓንጎል። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ልግሲ ተፈጥሮ ናብ ረብሓኡ ለዊጡ ሕጉስ ኮይኑ ብቕሳነት ክነብር ዘኽእሎ ረቂቕ ግን ከኣ፡ ማንም ፈላጥ’የ፡ በዓል ገንዘብ’የ፡ ሓይሊ ኣለኒ ጉልበት ኣለኒ ዝብል ምኩሕ ከሕድጎ ዘይኽእል ህያብ ብልክዑ ዘይምጥቃም እንተሃልዩ ግን፡ ገለ ጸገም ኣጋጢምዎ ኣሎ ክትብል ዘድፍር’ዩ። ናይ ምሕሳብን ምግንዛብን ጉድለት ወይ ድማ ባርነት ብፍቓዱ ክቕበል ዝድርኽ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ድኽነት።

መጀመርያ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ሰብኣዊ ፍጡር ምዃኑ ከም ዝኾነ ዘየከራኽር ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ዩ። ይኹን ግን ብዘይምርጫኡ ናብ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም መጺኡ። ብዘይምርጫኡ ብሕጊ ተፈጥሮ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ክሳብ ዝሰናበት፡ ህይወት ትሓቶ መሰረታዊ ጠለባት ክምልስ ኣለዎ። ወይ ንምምላስ ኩሉ ግዜ ክቃለስ ኣለዎ። ከም’ቲ ብሓደ ኢድካ ምጥቓዕ ዘይከኣል ኣብ’ዛ ዓለም ክሳብ’ቲ ሕጊ ተፈጥሮ ዝፈቐደልካ ዕድመ ንምጽናሕ፡ በይንኻ ብድሌትካን ውሳኔኻን ጥራሕ ክትዓሞ ዝከኣል ኣይኮነን።

ንስኻ ንካልኦት ተድልዮም፡ ካልኦት ድማ ንዓኻ የድልዩኻ’ዮም። ንስኻ ካብ ካልእ ትደሊ እቶም ካልኦት ከኣ ካባኻ ይደልዩ። እዚ ናይ ህንካን ሃባን ህይወት ምዕሩይ፡ ሕጋውን ቀጻልነት ዘለዎን ክኸውን ኣብ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ግዱስ ምዃን፡ ብተግባር ምውሳእ የድሊ። ኣብ ሃገራዊ፡ ከባብያዊ፡ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለማውን ፖለቲካዊ ጉዳያት ክትሳተፍ፡ መሰልካ ከተረጋግጽ ድማ፡ ደረጃ ኣካዳሚያዊ ትምህርትኻ፣ ነገራዊ ሃብትኻ፡ ኣካላዊ ግዝፍኻ፡ ቋንቋኻን ሕብርኻን እንታይ ይኹን እንታይ ብዘየገድስ፡ ኣብ ገዛእ ነብስኻ ከባቢኻን ሃገርካን ዝምልከት ፖለቲካዊ ዛዕባታት፡ ግደፈኒ ይትረፈኒ ይሕለፈኒ ዝብል በለጻዊ መንገዲ ገዲፍካ ብሓሳብን ብተግባርን ክትዋሳእ ኣለካ።

እዚ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብእኩብ ብደረጃ ሕብረተ-ሰብ’ውን ዘገልግል’ዩ። ሕብረተ-ሰብ ከም ሕብረተ-ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ጉዳያቱ ብቐጥታን ብዝኣምኖም ውከልቱን ኣቢሉ ዕዱም ተሳታፊ ዘይኮነ፡ ይኸውን ኣይኸውንን የዋጽእ ኣየዋጽእን ኣብ ዝብል ተኻቲዑ፡ ወሳኒ፡ ፈጻሚ ኣፈጻሚ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ሕብረተ-ሰብ ሰላም፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ከመይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ናይ ፖለቲካዊ መሰል ተጸባዪ ወይ ተመጽዋቲ ክኸውን ኣይግባእን። ኩሉ ዓቕሚታት ምስኡ ከም ዘሎ ተገንዚቡ፡ መሰለይ ረብሓይ ክብረተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢሉ ዝምጉት ክኸውን ኣለዎ።

ሃገር መን’ዩ እንተተባሂሉ ቅድሚት ዝመጽእ ሰብ’ዩ። ሰብ ዘይብሉ፡ በዓል ቤት ዘይብሉ መሬት ሃገር ክበሃል ኣይከኣልን። ሰብ’ዩ ንመሬት ፍልጠቱን ጉልበቱን ኣፍሲሱ ዘልመዓ። ሰብ’ዩ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ካብ ወረርቲ ዝከላኸለላ። ሰብ’ዩ ዝጥቀመላ፡ ዝነብረላ። መሬት ንሰብ ኣየልመዖን፣ ኣይነብረሉን፣ ኣይከላኸለሉን። መሬት ግኡዝ ነገር’ዩ። ኣይዛረብን ኣይሰምዕን። ወዲ-ሰብ ግን ህይወት ዘለዎ እንታይ ክረክብ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝፈልጥ፡ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘሎ ወናኒ ናይ’ታ መሬት ኮይኑ፡ ዝኾነ ዝሕጎስ፣ ዝሓዝን፣ ዝጸግብ፣ ዝጠሚ፣ ዝውለድ፡ ዝወልድ ዝመውት ክቡር ፍጥረት’ዩ።

ስለዚ ሃገር ክበሃል እንከሎ ሰብን መንበባሮኡን፡ ሰብን ሰብኣዊ ክብሩን፡ ሰብን ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑን እንታይ ይመስል ኣሎ፡ ከመይ ይነብር ይነባበር ኣሎ ማለት ምዃኑ ብንቕሓት ብኣፍልጦ ክውነን ይግባእ። ሰብ ከየኽበርካ፡ ህይወት ሰብ ብዘይ ኣገባብ ከይትጠፍእ ከይተኸላኸልካ ከይዓቀብካ፡ ሃገር ሃገር ዝብል ጎስጓስ እንተተደጋገመ ካብ ተራ ጽውጽዋይ ዝሓልፍ ዝጨበጥ ቁም-ነገር ክህልዎ ኣይኽእልን።

በዚ መንጽር ሃገረ ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታትን ሓባራዊት ጽላል’ያ። እቲ ሓደ በዓል ቤት እቲ ካልእ ጓና። እቲ ሓደ ቀዳማይ ዜጋ እቲ ካልእ ካልኣይ ዜጋ። እቲ ሓደ ካብ ጸጋታታ ዝያዳ ተረባሒ እቲ ካልእ ኣገልጋሊ። እቲ ሓደ ፖለቲካዊ ኣንፈት ቀላሲ፡ ወሳኒ፡ ኣማሓዳሪ፡ እቲ ካልእ ተጸባዪ ዝተባህሎ ደጋሚ ተመጽዋእቲ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ውልቀ ሰባን ኮነ ጉጅለታት እምነት ምግባር ንበይኑ ኣይሰርሕን። እቲ እምነት መቆጻጸሪ ሕጊ ክረክብ ኣለዎ። ፖለቲካዊ እምነት ብዘይተሓታትነት በሃምነት’ዩ። ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋጊርና ንኸፍሎ ዘለና ዋጋ፡ ውጽኢት ፖለቲካዊ እምነት ብዘይመቆጻጸሪ ሕጊ ምዃኑ ክስቆረና ይግባእ።

ብናይ ምሉእ ህዝቢ ተሳትፎ፡ ናይ ኣሽሓት መስዋእትን መውጋእትን ብዝተናወሓ ደማዊ ኲናት ዝመጽአት ሃገርና ኤርትራ ሎሚ፡ ብዘይ ዝኾነ ከውሊ፡ ብኣንጻር ዝነበረ ባህግን ዝተኸፍለ መስዋእትን ናብ ናይ ዜጋታታ መቓብር ትቕየር ኣላ። ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታትን ኤርትራውያን ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ብሓደ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ትካላት ዘለውዎ ስርዓተ መንግስቲ ዘይኮነ፡ ብሓደ ሰብ ንግዘኣሉ ዘለና ሕሱም ኣዝዩ ሕሱም ወቕቲ’ዩ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ብዊንታ ሓደ ሰብ ዝውሰን ፖለቲካዊ ምሕደራ ብኣጋ ሱር ከይሰደደ ክማሖ ዝነበሮ’ዩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ፡ ህዝባዊ ኣረኣእያ ዘይብሎም፡ ንተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ዘይውክሉ፡ ኣብ ድኽነትናን ቃንዛናን ናይ ምንባር ሕልሚ ዘለዎም ውዲተኛታት’ዮም ዝብል ፖለቲካዊ ገምጋማዊ ሚዛን ዘየነበረ’ውን ኣይኮነን። መጣቓዕቲ፡ ወደስቲ፡ መሲሎም ሓደርቲ፡ ተንበርከኽቲ፡ ሰብኣዊ ሕልናኦም ዝሸጡ ኣምለኽቲ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ዘውደኽድኽሉ መድረኽ ስለ ዝነበረ ግን፡ እቲ ረዚን ትሕዝቶ ዝነበሮ ሓላፍነታዊ ኣስተምህሮ ከምቲ ዝድለ ቀልቢ ብዙሓት ክስሕብ ኣይከኣለን።

እቲ ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታትን ብከፋፊልካ ግዛእ ድሑር ሜላ፡ ኣስታት ን28 ዓመታት፡ ወደስትን ኣምለኽትን ረኺቡ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ምቕጻሉ ከኣ፡ ካብ ኩሉ ዘደንጹ ፖለቲካዊ ተርእዮ’ዩ። ካብ’ቶም ወደስትን ኣምለኽትን ዝበዝሑ ኣብ ገድሊ ዘሕለፍዎ ዕድመ ዝጽብጽቡ፡ ከም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ዝወነኑ፡ ዘዐወቱ፡ ዝኒየቱን ገዛእ ርእሶም ዘዕገቡን ሰባት ምዃኖም ድማ ከመይ’ዩ እዚ ጉዳይ ክትብልን ክትግረምን ይዕድመኻ።

ዝወፈረሉ ተልእኾ ብግቡእ ዝፈልጥ፡ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ መንነትን ማሕበራዊ መሰረትን ዘለዎ ሰብ፡ ብቐዳምነት ነገራት ብሓይሊ ሓሳብ ብምትዕግጋብ ምምሕዳር ኣብ ዝብል’ዩ ዝኣምን። ህዝባዊ ኣኽብሮትን ትሕትናን ዝተላበሰ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ተጋዳላይን ተመክሮ ገድልን ነቲ ውልቀ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ሃገራዊ ክብሪ’ዩ።

ብኣንጻሩ፡ ህዝቢ እንታይ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ ብግቡእ ከይተረደአ፡ ብስመ ይጋደሉ ኣለው ናብ ገድሊ ዝተጸንበረ፡ ኣብ መሳርዕ ገድሊ ምስ ኣተወ ኣፍልጦኡ ዘየስፈሐ፡ ትርጉም ሰብኣዊ ክብሪ፡ ህዝባዊ ልኡላውነትን ወሳንነትን እኹል ኣገንዝቦ ዘይጨበጠ፡ ግን ከኣ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ውግኣት ስለ ዝተሳተፈ ብኡ ጥራሕ ዝኾርዕን ኣብኡ ዝነብርን ሰብ ምስ ዝኸውን ከኣ ንዕኡ ክሳራ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ድማ ፖለቲካዊ ሕፍረት’ዩ።

እወ ነዚ ፖለቲካዊ ዕላማ’ዚ ብምዕዋት ንህዝበይ ካብ ዘለዎ ፖለቲካዊ ጭቆና፡ ድሕረትን ድኽነትን መቑሕ ከውጸኦ’የ ዝብል ራእይ ዘይብሉ፡ ብኣይክእልን ነብሱ ኣትሒቱ ንካልኦት ሰባት ኣብሊጹ ክርኢ ዝገብር ፖለቲካ ዝተመልመለ፣ ዝተባህለካ ግበር እናተባህለ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ ሰብ፡ ንግድምና ገድሊ ከም ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ከም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዘረጋገጸ ደጋጊሙ ክገልጾ ክንየተሉ ምስማዕ መግለጺ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ። እቲ ሰብ ነቲ ናይ ዓመታት ናይ ቃልሲ ተመክሮኡ ካብ ትእዛዝ ምፍጻም፡ ምትኳስ ተኲስካ ድማ ሰብ ምቕታል ወጻኢ፡ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ክብረት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ማለት እንታይን ብኸመይ ዝትርጎምን’ዩ? ፍትሓዊ ኣረኣእያ፡ ህዝባዊ ኣረኣእያ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? መባእታዊ ኣፍልጦ ከምዘይወነነ ንግድምናኡ ብግቡእ ከምዘይተጠቕመሉ ከም ዝኸሰረ ዝሕብር’ዩ።

ብግድምና ገድልን ውዕሎ ዓውደ ውግኣትን ዝጀሃር፡ ብተግባር ኣብ ውልቀ ሰብ ዘምልኽ ተመክሮ ገድሊ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንህዝቢ ዝጎድእ ዘድሚ ‘ምበር ዝጠቅም ፋይዳ የብሉን። መራሒና ‘ምበር መምርሒና፣ ሃገርና ‘ምበር ህዝብና፡ ብላዕሊ ንዝመጽእ ትእዛዝ፡ ሕራይ ‘ምበር ስለምንታይ ዘይፈልጡ፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ገድሊ ብምጽናሖም ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘረጋገጹ ዝመስሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ዘለው በደል ይቕረ ዝበሃሎ ኣይኮነን፡፡

ከም’ቲ ሓርበኛ የማነ ተስፋገርግስ “ ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምጺእና?” ክብል ብሕቶ መልክዕ ዝገለጾ፡ ብዙሕ ዓመታት ተጋዲለ እንታይ ውጽኢት ኣምጺአ? ንነብሰይ እንታይ ሓጊዘያ? ንህዝበይ እንታይ ኣምጺአሉ ኢሉ/ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝሓቱ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መቆጻጸሪ ናይ ሓደ ሰብ ስርዓት ክረርው ጸኒሖምን ኣለውን። ናቶም ኣማራጺ ሓሳብ የብሎምን። እንተዝህልዎም’ውን መጻወቲ ሜዳ የለን። ከምኡ ምዃኑ ግን ንዓታቶም ዘጨንቖም ኣይኮነን።

ኢሳያስ ንዝበሎ ከም ዘለዎ ተቐቢሎም “ብንሕና ንሱ” እናተመርሑ ሃገራዊ ፖለቲካና ከም’ዚ ኢሉ ክሕመስ፡ ስድራ ቤታት ክብተናን ክጸንታን ኣብ ምግባር ብምሉእ ዓቕሞም ንጥፍኣት ክዋስኡ ጸኒሖም። ናይ ኢሳያስ ሓሳብ ኩሉ ቅኑዕ፡ ንኢሳያስ ዓገብ ዝብል ርእይቶ ኩሉ ትሕቲ ሃገራዊ፡ ከዳዕ እናበሉ ንፍጹም መላኺ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ኣጆኻ ክብሉ ጸኒሖም። ኢሳያስ ንመቃነዪ ስልጣን ዘገልግል’ዩ ኢሉ ብዝመሃዞ ከም ሕብሪ ነፋሒቶም ክገላበጥ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣይፋል ዓገብ፡ ዘዝበሎም ክብሉ፡ ግበሩ ዝበሎ ድማ ይገብሩ ኣለው።

ንኣብነት ዶብን ባድመን ምኽንያት ብምግባር፡ ኮሚሽን ዶብ ዝወሰነልና ባድመ ከይተረከብና፡ ኣጀንዳ ምጥያስ ደሞክራስያዊ ትካላት ኮነ መደባት ልምዓት የለን ብምባል ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ብህዝቢ ከላግጽ ጸኒሑ ዶብ ንኡስ ነገር’ዩ ካብኡ ዝዓቢ ኣጀንዳ ኣለና ብዝብል ሃገራዊ ክድዓት ብዝመስል ኣንፈቱ ኣብ ዝቐየረሉ’ውን ክልብሙን ክቃወሙን ኣይከኣሉን።

ሕጂ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ህዝብታት ዘለዎም ዕሙት ጽልኢ፡ ከም ቅኑዕ ፖለቲካዊ ራእይን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ዝወነኑ፡ ኢትዮጵያ ሓዊ ኣትይዋ። ፕረዚደንት ሱዳን ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ኢትዮጵያን ሱዳንን እንኳዕ ከምኡ ኮና ተሓመሳ። ኣብ ኤርትራ ግን ዕግርግር የለን። ውሑስ ሰላም’ዩ ዘሎ። እዚ ንፖለቲካዊ ብቕዓትን ህዝባዊ ሓልዮትን ወዲ ኣፈወርቂ ዘርኢ’ዩ እናበሉ ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ኣለው። ከምዚ ንዓለም ገረሞ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ንዝገበረ ብቐንዱ ጸረ-ህዝቢ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ። እዞም ብግድምና ገድሊ ዝጀሃሩ ፍትሓዊ ኣረኣእያ ዝረሓቖም ወገናት ግን፡ ኣብ ክንዲ ንመሰሎምን ንፍትሕን ዝጣበቑ፡ ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ዘሪግዋ፡ ንሱዳን ጸፊዕዋ፡ ንኤርትራ ኣኽቢርዋ …ወዘተ እናበሉ የሻድንዎ ኣለው። ንቐታሊኡ ዝውድስ፡ ብምብትታን ካልኦት ህዝብታት ፍሰሃ ዎ ደስታ ዝስመዖ ሰብ ወይ ሰባት ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ዝኣተው ጥራሕ ክኾኑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ልዕሊ ካልእ ብምብትታን ህዝብታት ኤርትራ ሕጉሳት ምዃኖም’ዮም ዝሕብሩ ዘለው። ስለዚ ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣነኸ ንሕናኸ ኢልና ውሽጥና ክንርኢ ‘ምበር፡ ብንሕና ንሓይሽ ድኹም ኣተሓሳስባ ነብስኻ ምትላል ኣይግባእን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 12-04-2019