Written by: ደ.ግ.ሐ.ኤ - ዞባ ሱዳን
Hits: 654

2022 08 06 Alem Ghebremikael

     ኩቡራት ስድራ ቤት ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ስዉእ /ኣለም ገብረሚካኤል

ኩቡራት ናይ ቃልሲ ብጾትን ፈተውቱን ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወሳንን ተኣፋፍን መድረኽ ንጅግና ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ብዓል ንጹ ህዝባዊ ድሞክራስያዊ መስመር ወዲ ህዝቢ ብጻይ ኣለም ምስኣንና ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይሰምዓና።

   ሓርቦኛ ብጻይ ኣለም ኣብ ግዜ ንኡስ ኦድሚኡ ኣብ ሰውራ ዝተጸንበረ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ  ናይ ቃልሲ ጾሩ ከየውረደ ገንዘቡን ፍልጠቱ ሂወቱን፡ከይበቐቐ  ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኣብ ምፍጻም ብልዑል ተወፋይነት ቆራጽነትን ዝተዋደቀ ምሩጽ ብጻይ ኢዩ ነይሩ።     

ምስ መቃልስቱ ተከባቢሩን ተወሃሂዱን ዝሰርሕ ካብ ዝፈላልይዎ ዝቃራርብዎ ኣዕዚዙ ዝርኢ ርህሩህ ፈቃርን ኢዩ ነይሩ። እዛ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምርግጋጽ ኩሎም ዝተበታተኑ ደቃ ኣብ ሑቅፍኣ ተኣካኺቦም ውሑስ፡ ቀጻልነታን ኩሉመደያዊ ልምዓታን ዕብየታን ንምርኣይ ኣንቃዕሪራ ሃንቀው እትብል ዘላ ሃገርና ኤርትራ ከም በዓል ኣለም ዝኣመሰሉ ምዑታት ተቃለስቲ ደቃ ምስኣና ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ተቃላሳይ ኣይነብርንዩ ታሪኹ ሰሪሑዩ ዝሓልፍ፡ ብጻይ ኣለምን ቅድሚኡ ዝሓለፉ ጀጋኑ ተቃለስቲ ብጾትን ዝተቃለስሉ ቅዱስ ዓለማን ዝገደፍልና ሓደራን ኣብ መፈጸምትኡን ንምብጻሕ ቁልፎምን መስመሮምን ተዓጢቕና ብመስዋእቲ ክሳብ ነርክቦም ካብ ቃልሲ ንድሕሪት ግልጽ ከይንብል ቃል ንኣቱ።

   ንስውእ ብጻይ ኣለም መንግስተ ሰማይ ንስድርኡን ፈታውን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

     ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና።

   ኣባላት ዲሞክራስያዊ ግምባር ሓድነት ኤርትራ (...ኤ) ዞባ ሱዳን

13-08-2022