Written by: ኤሃባደለ
Hits: 1756

ዓቢ ሰውራዊ ትስፉው ሃዋሁን፣ ክብ ዝበለ ሃገራዊ ሓላፍነትን ኣብ ዝሰፈኖ ህሞት፣ ኣባላት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ክኣትዉ ጀሚሮም። ተጋባእቲ ንምቕባል ኩሉ ሎጂስቲካዊ ምቅርራባት ተማሊኡ ምህላዉን፣ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን፣ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብህዝቢ ዝተመርጹ ኣባላት ጉባኤን ድሮ ክበጽሑ ጀሚሮም ምህላዎምን፣ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ሓቢሩ።