Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።
Hits: 1788

ብሽም ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ;;ንኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ ሉጓም ፈትሐልኩም;;ርሑስ ፋሲካ ይግበረልኩም;; ጸላእትና ዝሰዓሩሉ;;ህዝቢ ኤርትራ ዝቀስነሉ;;ኣስላም ምስ ክስታን ኤርትራዊያን,;ርሑቕ ኣይኮነን;;ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፍነሉ እዋን;;ኣሚን ኣሜን።

ኤርትራዊያን በብእምነትና;; ኣመንቲ ክርስትና ናብ ቤት ኣምላኽ ንኸይድ;;ኣብ ዓርቢ ስቕለት;; ኣብ ቤትክርስትያን ክንሰግድ;;ኣመንቲ እስልምና ዓርቢ;; ኣብ ቤት ረቢ;;ክሰግዱ ይኸዱ ናብ መስጊድ;;ርሑስ ኣፋሲካ ይግበረልና ኣሚን ኣሜን።

ሰንበት ትንሳኤ ርሑስ ኣውደኣመት;;እንዳበሉ ይመጹኻ ኣዝማድ ኣስላም ጎረበት;;ኣብ ዒድ ኣብ ኣውደኣመት;;እዚዩ ናይ ኤርትራዊያን መንነት;;ርሑስ ፋሲካ ይግበረልና ኣሜን።

ኣብ መርዓ;;ኣብ መኣዲ በብሾመንተ ንቕረብ;;ዘይንፋለጥ ክነስና ንስሕቕ ንዛረብ;;ምስ ኣኻኺባትና ኤርትራዊት መርከብ;;ኣብኡ ተላሊና ሕውነት ክንገብር ንውሰብ;;ርሑስ ፋሲካ ይግበረልና ኣሚን ኣሜን።ስዕረት ንሱን ሰዓብቱን;; እምነት ዘይብሎም;; ኣርዮስ ምስ ጋኔን።

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና;;ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;;ብሽም ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራን;; ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን;;27;ምያዝያ 2019;;ብኣባል ተሐኤ;; በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።